ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ሰንበት 8 መስከረም ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣብ ሽወደን ዓሪፉ።

ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብዱልራሒም፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሽወደን ኣብ ስደት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ሕማም’ዩ ብቐዳም 7 መስከረም ምዕራፉ ተፈሊጡ።

Osman Abderhim

Credit: Web

ኣብ 1948 ኣብ ምጽዋዕ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየ ዑስማን፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ - ኣብ ፈለማ 60ታት ኣትሒዙ ኣብ ሙዚቃ ዓለም ዝኣተወን ካብቶም ኣብ 60ታት ዝተቐልቀሉ ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ትግርኛ ኤርትራ ዓቢ ኣሰር ዝገደፉ ብሉጻት ስነጥበባውያን ምዃኑ ይንገረሉ።

ዑስማን ዓብዱልራሒም ኣብቲ ወርቃዊ ዘመን ሙዚቃ ኤርትራ ተባሂሉ ዝጥቀስ ናይ 1960ታትን 1970ታትን ኣብ በበይኑ መድረኻት ሙዚቃዊ ስራሓት ብምቕራብ፡ ሓደ ካብቶም ቀዲሞም ዝጥቀሱ ድምጻውያን’ዩ። ዑስማን ዓብዱልራሒም፤ “ዝሕው ኢሉ መዓንጣይ”፡ “ፍቕሪ ዕዉት ኣሚነ”፡ “ኣብ ከተማ ምጽዋዕ”፡ “ትነብር ኔራ”፡ “ዓቕሊ ጽበት”፡ “ኣይፋልክን ግርህነተይ፡” ወዘተ ብዝብላ ኣብ ሰማዕቲ ሙዚቃ ትግርኛ ዘይሕከኽ ዝኽርታት ዝገደፋ ደርፍታት ዘፍረየ ድምጻዊ’ዩ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ክቕመጥ ጀሚርሩ ነይሩ፡ ዑስማን፡ ካብቶም መላግቦ ወለዶታት ድምጻውያን ምንባሩ’ውን ፈልጥቱ ይጠቕሱ።
ኣድነቕቱን ፈተውቱን ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ።


Share

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service