SKIP TO MAIN CONTENT

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ሓዲሽ ፓትርያርክ ሸይማ።

ኣቡነ ቀርሎስ 5ይ ፓትሪያርክ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ ኮይኖም ምምራጾም ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ገጹ ኣብዝ ጽሓፎ ሓቢሩ'ሎ።

News
Source: Yemane Gebremeskel Twitter

1 min read

Published


Skip to article content

ሎሚ፡ ኣብ ወግዓዊት መርበብ ልሳን ተዋሕዶ ዝወጸ ዜና ከምዝሓበሮ ”ብፁዕ አቡነ ቄርሎስ ብዘለዎም ጸጋ ዕድመ ዝሠርሑሉ ጊዜ ዘይምዃኑ ብንብዓት ተሰንዮም ‘ኣይከኣለንን እኳ’ እንተበሉ፡ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስን ኣምራጺት ኮሚቴን ብሥምረት ኮይኑ ስለ ዝለመኖም ብትሕትና ተቐቢሎም ኣብ ጉባኤ መረጽቲ ቀረቡ” ይብል።

ካብቶም 81 መረጽቲ፡ እቶም 63 ብኣካል፡ እቶም 10 ድማ ብመገዲ ኢንተርነት ክመርጹ ከለው፡ 8 ግን ኣብቲ ምርጫ ከምዘይተረኽቡ እቲ ጸብጻብ የመልክት። ብተወሳኺ፡ ኵሎም እቶም ሓሙሽተ ጳጳሳት፡ ሕጹያት ኮይኖም ክቐርቡ ኮነ ክምረጹ ፍቓደኛ ኣይነበሩን፡ ክብልውን ኣብቲ ዜና’ ተገሊጹ ኣሎ።

በዓለ ሲመትን ስርዓተ ተቀብኦን ኣቡነ ቄርሎስ፡ 06 ሰኔ 2013 ዓ.ም. (13/06/21 ፈ.) ኣብ ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ዝፍጸም ተሓቢሩ’ሎ።

ሓደ ፓትርያርክ ብምኽንያት ዝሙት፡ ብእምነት ምጉዳልን ብስንክልናን ማለት ክሰርሕ ዘይኽእል እንተ ዀነ ጥራይ ካብ መዓርግ ምውራድ ብሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኰነ ብፍትሐ ነገስት ፓትርያርክ ክወርድ ከም ዝኽእል እንተተፈልጠኳ፡ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብህይወት እናሃለዉ፡ ራብዓይ ፓትርያርክ ተሸይሞም ድሕሪ ምዕራፎም፡ ሕጂ ድማ ኣቡነ እንጦንዮስ ብህይወት እናሃለዉ ካልእ ሓሙሻይ ፓትርያርክ ተሸይሞም ኣለዉ።


Homeland News
Source: Twitter

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now