እቲ ፕረዚደንት ብመሰረት ዕድመ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ'ዩ ነዚ ምብጻሕ ዝፍጽሞ ዘሎ።
እዚ ፕረዚደንታዊ ልኡኽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት የማነ ገብረኣብን ዘካተተ እዩ።
እቲ ልኡኽ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጂማ ኣባ ጂፋር ምስ በጽሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ተቐቢልዎ።
ብመሰረት ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብመንገዲ ትዊተር ዝዘርግሖ ሓበሬታ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ምድልዳል ክልተኣዊ ዝምድናታት'ተን ሃገራትን ዞባዊ ምትሕብባርን ዓሚቕ ዘተ ክካይዱ'ዮም።
እቲ ሚኒስተር ብተወሳኺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ተመሳሳሊ ዑድት ስራሕ ንምፍጻም ዝሓለፈ ነሓሰ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሩ።
ክልቲኦም መራሕቲ ዝመርሕዎ ልኡኽ ኣብ ጂማ ኣብ ዝርከብ ናይ ቡን ሕርሻ ዑደት ኣካይዶም። ናብ ጂማ ዩኒቨርሲቲ'ውን ተመሳሳሊ ምብጻሕ ኣካይዶም።
እዚ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝመጽእ ዘሎ ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋራማጆ ናብ ኣስመራ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ድሕሪ ምፍጻሙ ድሕሪ ሰሙን እዩ።
እዚ ዑደት ብተወሳኺ ዶክተር ኣቢይ ዝሓለፈ ሰሙን መዘናግዒ ፓርክ እንጦጦ ድሕሪ ምምራቑ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ወራር ኣንበጣ ኣብ ዝተጠቕዓትሉ፡ ዘራእቲ ኣብ ዝዓነውሉን ዘይርጉእ ጸጥታዊ ኩነታት ትሕመስ ኣብ ዘላትሉን ቀዳምነታቱ ስሒቱ ተባሂሉ ኣብ ዝውቀሰሉ ዘሎ እዋን'ዩ።
ገለ ተንተንቲ ኸኣ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ'ዚ ምስሕሓብ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ጠርዙ በጺሕሉ ዘሎ እዋን መርኣያ ደገፍ ንቀዳማይ ሚኒስተር ጌሮም ይቖጽርዎ።

