ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኤርትራ ተጀሚሩ ዝጸንሐ ተዘይኮይኑ ኣብዚ ዓመት ዝውጠን ሓዱሽ ልምዓታዊ መደብ ከም ዘየለ ገሊጹ።

News

President Isayas Afewerki Source: Yemane Gebremeskel Twitter

ትማሊ ቀዳም 8 ጥሪ 2022 ኣብ ሃገራዊ፣ ዞባውን ዓለማውን ጉዳያት ዝምልከት ምስ ሃገራዊ ቴለቪዥን ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ሃገሩ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ብስቕታ ክትሪኦ ከም ዘይትደሊ ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ንትሽዓተ ዓመታት ተነቢሩላ ዝጸንሐ ማዕቀብ እቲ ዝድለ ልምዓታዊ ንጥፈታት ከም ዝተዓናቐፈ ብምግላጽ ብጀካ ውሑዳት ትሕተቅርጻዊ ዕዮታት ካልእ ዘዕግብ ስራሕ ክሳለጥ ከም ዘይከኣለ ተዛሪቡ።

ነታ ሃገር ዝግባእ መገዲ፣ ማይ፣ ፀዓትን ካልእ ልምዓታዊ ዕማማት ብዝግባእ ክለምዕ ከም ዘይከኣል ዝገለጸ እቲ ፕረዚደንት "ናይ ሕርጊጎ፡ ናይ 120፡ ናይ 80፡ ናይ ክንደይ ሜጋ ዝነበረ ዝበሃል ዘሎ፡ ብኡ ክትዛረብ ሎሚ ዘሕፍር ነገር'ዩ።" ብምባል እቲ ዝነበረ'ውን ተጸጊኑ፡ ክሰርሕ ከም ዘይተገብረ : ብዘይ ጸዓት ከኣ ዝኾነ ነገር ክግበር ከም ዘይካኣል ተዛሪቡ።

ሓፈሻዊ ቁጠባ ኤርትራ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ብምዃኑ " ብሓቂ ቁጠባ ኣለና ኢልና'ውን ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና" ብምባል ቁጠባ እታ ሃገር ንምድንፋዕ ናብ ምስናዕ ምስግጋር ከም ዘድሊ ተዛሪቡ።

ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ በቲ ናይ 2000 ዓ.ም ዶባዊ ኩናት  ጥራሕ ዝብገስ ዘይኮነስ ካብ ስርዓት ሃይለስላሴ ክሳብ ስርዓት ወያነን ዝሓለፉ ዓመታትን ዝሽፍን ነዊሕ መበገሲ ከም ዘለዎ ብምግላጽ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓተመንግቲ ክሳብ ዝትከል ተራኣ ከም ትጻወት ሓቢሩ።

እቲ ሕጂ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ደማዊ ውግእ ካብ ቅዋም ናይታ ሃገር ዝብገስ’ዩ ዝብል እምነቱ ብምግላጽ ንሱ ክቕየር ከም ዝግባእ ፤ እቲ ቅዋም  ተቐይሩ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሓባር ዘንብሮም  ፖለቲካዊ ሕውየት ንክረኽቡ ናይ 10 ዓመታት መሰጋገሪ ጊዜ ከም ዘድልዮም ገሊጹ ኣሎ።

እዚ ንምግባር ከኣ መንግስቱ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ጽምዶ ከም ዝቕጽል ኣብሪሁ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ዕርቂ ብመሪሕነት ህወሓትን ካልኦት ስሞም ዘይጸወዖም ኣካላትን ዝነበሮ ተቐባልነት ትሑት ምንባሩ ገሊጹ።

 ድሕሪ ምውላዕ ኩናት ትግራይ: ካብ መሪሕነት ትግራይ "ተወጢኑ ዝነበረ ታርጌታት ልዕሊ ሚእቲ'ዩ"  ዝበለ እቲ ፕረዝደንት ፤ ሰራዊት ኤርትራ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኑ ናብ ትግራይ ምእታዉ ርእስኻ ንምክልኻል ዝተወስደ ስጉምቲ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ።

ሰራዊት ኤርትራ ምስ መላፍንቶም ኮይኖም ፈጺሞም ዝብሃል ክስታት ጾታዊ መጥቃዕን ጅምላዊ ጨፍጫፍ "ናይ ምስይጣን" ጎስጓስ ውን ክብል ነጺጉዎ።

መራሕቲ ትግራይ: ናብ ኤርትራ ዝተኮሱዎ ሚሳይላት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ብብዝሒ ምስ ኣተወ ከም ዝኾነ እዮም ዝገልጹ።

መንግስታት ኢትዮጵያ ኤርትራን ግን ካብ ሕዳር ክሳብ መጋቢት ኣብ ዝነበሩ እዋናት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ኣይኣተወን ክብሉ ከም ዝሓገዩ ይዝከር።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብቲ ናይ ብቐዳም ቃለመሕትቱ እቲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኮይኑ ኣንጻር ትግራይ ከካይዶ ዝጸንሐ ውግእ ሰራዊት ትግራይ ንመቐለ ዝተቖጻረሉ ስርሒት "ዘይተጸበናዮ ሃንደበታዊ ምዝላቕ" ብምባል "ስልታዊ-መኻልፍ" ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።

ብጀካ እዚ ሰራዊት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገስገሰሉ ወፍሪ ብምንቃፍ ናብታ ከተማ ከይኣቱ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝከኣሎ ከም ዝሰርሐ ኣብሪሁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅርሕንቲ "መዓስ ከምዝፍወስን መን ከምዝፍውሶን ዓቢ ምልክት ሕቶ እዩ" ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፤ "ባዕሎም ይፈልጡ ጉዳዮም እዩ ኢልና ክንርኢ ኣይንኽእል ኢና" ኢሉ ክገድፎ ከም ዘይደሊ ኣፍሊጡ።

ፕረዝደንት ኢሳይያስ: ከምቲ ልሙድ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ኣንጻር ኤርትራ ብቐንዱ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከኣ ብሓፈሻ ንዝሓዝኦ መርገጺ ነቒፉ ኣሎ። ትካላዊ ሉኣላውነት ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ውን ድኹም ምዃኑ ሓቢሩ። ክልቲኡ ተደሚሩ  ጸገም ናይቲ ዞባ ከም የጋድድ ከም ዘሎ ኣብሪሁ።

ብኣንጻሩ ናይ ኤርትራን ቻይናን ዝምድና ካብ 1965 ዝጀመረን ስትራተጂካዊ ዝምድና ከምዝኾነ ገሊጹ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ናብ ኤርትራ ዝገበሮ ምብጻሕ እወታዊ ተራ ከም ዝጻወት ብምግላጽ፡ ምስታ ሃገር ዘለዎ ስትራተጂካዊ ሽርክነት ናብ ተግባር ዘሰጋግር ሰነድ ከምዝተፈረመ ሓቢሩ።


Share

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service