ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ማእከል እቲ ግጭት ተቐርቂሮም ከምዘለው ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰበስልጣንን ሓይልታት ኣብቲ ማእከላት ስደተኛታት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ፡ ንገለ ካብቶም ነበርቲ ከምዝጨወዩ ወይ ከምዝቐተሉ ፡ ምግቦምን ትሕዝቶኦም ከምዝሰረቑን ይገልጹ ከምዘለዉ ኣሾሼት ፕረስ ካብ ናይሮቢ ጸብጺቡ።
እቶም ስደተኛታት ካብቶም ኣብቲ ግጭት ትግራይ ኣዝዮም ንሕማቕ ዝተቓልዑ ጉጅለታት ምዃኖም ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ እቶም ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብኽልቲኡ ወገን ዒላማ ከምዝኾኑ ይገልጹ።
ቅድሚ "ቲ ግጭት ምጅማሩ ፡ ኣስታት 50,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት - መብዛሕቶም ካብ ምልካዊ መንግስቲ ሃገሮምን ፖሊሲ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ሃዲሞም ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ከምዝርከቡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ ። ካልኦት 42,000 ከኣ ኣብ ካልእ ክፋል እቲ ዞባን ኣብ ዝተረፈ ክፋል ኢትዮጵያን ፋሕ ኢሎም ዝነብሩ እዮም ኔሮም። ኣብቲ ውግእ ፡ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ክልተ መዓስከራት ስደተኛታ እተደምሰሰ ኮይኑ ፣ ኣብቲ መዓስከራት ዝነበሩ ኣሽሓት ተቐማጦአን እውን ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓይልታት ትግራይ ነቶም ተሪፎም ዝነበሩ ክልተ መዓስከራት ማለት ፡ ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ፡ ኣብትሕቲ ቁጽጽሮም ከምዘእትዉዎ ይፍለጥ።
ነበርቲ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ንማዕከን ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ፡ ሓይልታት ትግራይ ሓያለ ስደተኛታት ከምዝወሰዱን ንሓያሎ ኣባይቲ ብምውራር ፡ ተንቀሳቓሲ ቴሌፎን ፡ መግብን ካልእ ነገራትን ሰሪቖም ። ሓደ ካብቶም ተቐማጦ ከምዝገለጾ ፡ "መዓልታዊ ብዙሕ ስርቂ ኣሎ" ፣
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ሕቡራት ሃገራት ወኪል ስደተኛታት ኣን ኤንኮንትሬ ነዚ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብውሕዱ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ምሟቱ ኣረጋጊጻ ። "ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ንህይወቶም ስለ ዝፈርሑ ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መጻወድያ ኣትዮም ስለ ዘለዉ ፡ ወተሃደራት ብዘይስግኣትን ቀጻሊ ምንቅስቓስን ክንቀሳቐሱ ኣይክእሉን እዮም" በለት ።
ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ጉዳይ ስደተኛታት ፍሊፖ ግራንዲ ፡ እቲ ግጭት ኣብ ወርሒ ሕዳር ካብ ዝጅመር ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ፡ ብ ሓደ ወገን ወይ በቲ ካልእ ወገን ዝወርዶም ዘሎ ግፍዒ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ ብምባል ኮኒንዎ ።
ሓይልታት ትግራይ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምዘየለ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ብምጥቃስ ብዛዕባ መጥቃዕቲ ዝምልከት ጸብጻባት "ኣዚዩ ዘተሓሳስብ" ዩ "ኢሎም ።
ሓደ ኣብ ዓዲ ሓሩሽ ዝነብር ስደተኛ ብናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ኣብዝሰደዶ፡ ረድኤት ምስኣንን ብሓይልታት ትግራይ ቀጻሊ ምጭናቕን ስለዘጋጥሞም ዘሎ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት ከም ዘሎ ገሊጹ ። "በጃኻ ኣምላኽ ርድኣና" ። ክብል እቲ ናይ ኣሾሼት ፕረስ ጸብጻብ ሓቢሩ።