ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ተሰዊረን

ቤት ምኽሪ ማሕበራት ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ምስዋር ሓሙሽተ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ'ቲ ዘዕርፋሉ ዝነበራ ሆቴል ኣብ ከተማ ጂንጃ ኣረጋጊጹ ክብሉ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ኡጋንዳ ጸብጺቦም።

Eritrean women

Source: Eritrea National Football Federation

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ'ቲ ኣብ'ዚ እዋን ዝካየድ ዘሎ ውራይ ሻምፒዮናታት ኩዕሶ እግሪ ሴካፋ ደቀንስትዮ ት20 ትሳተፍ ኣላ። እቲ ውራይ ዝሓለፈ 30 ጥቅምቲ ተጀሚሩ ዝመጽእ 9 ሕዳር 2021 ክዛዘም'ዩ።

ኡጋንዳ ኣብ'ዚ ዓመት ኣብ ንጀሩ ኣብ ዝርከብ ፉፋ ቴክኒካል ሰንተር'ያ ነዚ ውራይ ተአንግዶ ዘላ። 

ሴካፋ ኣብ ዘውጽኦ ሓደ መግለጺ እዚ ጉዳይ ምጥፋእ ተጻወቲ ናብ ፖሊስ ከተማ ጂንጃ ከምዝተሓበረን መርመራታት ጀሚሮም ከምዘለዉን ኣረጋጊጹ።

እቲ በዓል መዚ ብተወሳኺ ማእከል ፉፋ ምስ ፖሊስ ኡጋንዳ ኮይኖም ብሓባር ምስ ሴካፋ ተጣሚሮም ነተን ተጻወቲ ኣብ ምድላይ ይርከቡ ኣለው ኢሉ።

ኤርትራ ኣብ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮናታት ክልተ መኽፈቲ ግጥማታ ዝተሳዕረት ኮይና ብታንዛንያ 1- 0 ክትሰዓር እንከላ ሶኑይ ከኣ ብኢትዮጵያ 6-0 ተሳዒራ።

እዚ ንፈለማ ግዜ ኣይኮነን ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ እናሃለው ካብ ዘዕርፉሎም ሆቴላት ተሰዊሮም ዝጠፍኡ ዘለዉ።

ኣብ 2019 ሸውዓተ ተጻወቲ ካብ'ታ ኣብ ዋንጫ ብድሆ ሴካፋ ዓበይቲ ትሳተፍ ዝነበረት ሃገራዊት ጋንታ ተሰዊሮም።

ኣሽሓት ኤርትራውያን ዓመታዊ ካብ'ታ ንእሽቶ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትርከብ ሃገሮም ብምኽንያት ፖለቲካዊ ጭቆናን ገደብ እዋን ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሃዲሞም ይወጹ ክብሉ እዞም ጸብጻባት የዘኻኽሩ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service