SKIP TO MAIN CONTENT

“ኣብ እስራኤል ብኻራ ወጊኦም ዝቐተሉን ዘቑሰሉን ክልተ ኤርትራዊያን ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም”

ካብቶም ብኻራ መጥቃዕቲ ዝወረዶም ክልተ፡ እቲ ሓደ ኣብ ሆስፒታል ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ህይወቱ ከምዝሓለፈትን እቲ ካልእ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ፡ ክልተ ካብ ጥርጡራት ፖሊስ እስራኤል ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎም፡ ተጣባቒት መሰል ኤርትራዊያን ገሊጻ።

2 min read

Published

Updated


Skip to article content

ኣብ እስራኤል ኣብ ዝርከባ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኣብ እንዳ ማርያምን  መድሃኔ ዓለምን ብዝተፈጥረ ጎንጺ፡ ገለ ካህናትን ዲያቆናትን ከምተጎድኡ ክግለጽ ቀኒዩ ኣሎ። ካብቶም ብኻራ መጥቃዕቲ ዝወረዶም ክልተ፡ እቲ ሓደ ኣብ ሆስፒታል ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ህይወቱ ከምዝሓለፈትን እቲ ካልእ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ፡ ክልተ ካብ ጥርጡራት ፖሊስ እስራኤል ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎም፡ ተጣባቒት መሰል ኤርትራዊያን ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ሎሚ ኣብ ናይ ማሕበራዊ መዲያ ገጻት “ብዘሎና ጽጹይ ሓበሬታ” ብምባል ገሊጻ።

“እቲ ሳልሳይ ጥርጡር፡ ዑቕባይ መስፍን እንባየ፡ ናይ ካናዳ ናይ ስፖንሰርሺፕ ፕሮሰስ ወዲኡ፡ ንሰሉስ ዕለት 10 ታሕሳስ ክብገስ ኔሩዎ እዩ። ተሓቢኡ ኣሎ።” ብምባል እቲ ሳልሳይ ጥርጡር ገበን ኣብ ቀይዲ ከምዘይኣተወ ኣረጋጊጻ።

እቲ ተሓቢኡ ኣሎ ዝበሃል ሞሊቑ ከይወጽእ “ንናይ እስራኤል ፖሊስ: ንናይ ካናዳ ኤንባሲ አብ ቴልአቪብ: ንቤት ጽሕፈት ኢምግሬሽን እስራኤልን ን UNHCR ሓቢርና ኢና።” ክትብል ወ/ሮ ኤልሳ ብምግላጽ እቲ ጥርጡራ ኣበይ ከምዘሎ ዝፈልጥ ሓበሬታ ክህብ ጸዊዓ።

እቲ ብዕለት 3 ታሕሳስ 2019፡ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኤርትራውያን ሰላማውያን ሰባት ብኻራ ናይ ኣካል ማህሰይቲ እናውረዱ ሰለስተ ጥርጡራት ብናይ CCTV ዝተቐድሐ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ብሰፊሕ ተዘርጊሑ ቀኒዩ ኣሎ።

እቶም  ኣገልገልቲ ቤተክርስቲያን ዝኾኑ ምስ ጉዳይ እቶም ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡ ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ክሰሓሓቡ ዝጸንሑ ምዃኖም ይፍለጥ። ኣብ እስራኤል ዝርከባ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብያተ ክርስትያን ሰለስተ ኮይነን  ንኣቡነ እንጦንዮስ ዝፍግፋን ዘይድግፋን እየን፥፡ ድሕሪቲ ካብቶም ፓትርያርክ ዝተገልጸ ሓቂ ንህዝቢ ምስተዘርግሐ ኣብቶም ናይቶም ፓትርያርክ ካብስልጣን ምእላይ ክድግፉ ዝጸንሑ ምግምማዕ ይረአ ኣሎ።

እዚ ናይዞም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ እስራኤል መጉዳእቲ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ ኣሜሪካ ብኣቡነ ሉቃስ ዝምራሕ ልኡኽ ካብ ኣስመራ ዑደት ክገብሩ ድሕሪ ምቕናይ ነቶም ኣብ ቀይዲ ዘለዉ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ውጉዝ ምዃኖምን፡ እዚ ዝረኽብዎ ዘለዉ ናይ ገዛ ማሕዩር ካብ ዘለዎም ድንጋጽ ምዃኑ ጥራይ ድሕሪ ምዝራቦምን እዩ።

ኣብ እስራኤል ተፈጺሙ ዘሎ ናይ ሕድሕድ ኣሕዋት ምጉድዳእ ንብዙሓት ሰባት ኣብ ጓሂን ኣብ ኩነኔ እቶም ፈጸምቱን ከምዘውደቐ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ናይ ቀጻሊ መዛረቢ ኣር እስቲ ኮይኑ ኣሎ።

 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now