SKIP TO MAIN CONTENT

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ 20 ሰነ ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ብዝርከቡ ኤርትራዊያን ተዘኪሩ ውዒሉ ።

Mrt.jpg

1 min read

Published

Source: SBS


Skip to article content

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ 20 ሰነ ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ብዝርከቡ ኤርትራዊያን ተዘኪሩ ውዒሉ ።

ኣብቲ ወግዓዊ ናይ ዝኽሪ ኣጋጣሚ ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንኽብርን ዝኽርን ጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ መቓብር ሰማእታት ኣስመራ ሕቋፍ ዕምባባ ኣንቢሩ ።

እቲ ስነ-ስርዓት ፡ ካብ ኣደባባይ ሽዳ ክሳብ ኣደባባይ ሰማእትታት ፡ ብናይ ምረሻ ተመሪሑ ህዝቢ ብንግሆኡ ተጓዒዙ።

ኣብ ድሮ መዓልቲ ሰማእታት 19 ሰነ ፡ ኣብ ጐደናታት ኣስመራ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣደባባይ ሓርነት ጎደና ባሕቲ መስከረምን ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተቐማጦ ኣስመራ ፡ ነቶም ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ክቡር ህይወቶም ዝኸፈሉን ልኡላውነት ሃገር ዝሓለዉን ጀጋኑ ኤርትራ ፡ ናይ ሽምዓ ብርሃን ተወሊዑሎም ከም ዘምሰየ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now