መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበ ሓድሽ ጻውዒት ዘተ ሰላም ብዘይቅድመ ኩነት ቀጥታዊ ዘተ ንምግባር ተቐቢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ብቐጥታ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምዝታይ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝቐረበሉ ሓድሽ ጻውዒት ከምዝተቐበሎ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

Capture.JPG

AAP Credit: Beyene Weldegiorgis

ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ጻውዒት፡ ዘተ ብዘይ ቅድመ ዅነት ክካየድ ንዝብል መትከል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሰማማዕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተቐበሎ ሓቢሩ። 

ብተወሳኺ፡ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፈደራል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቃሉ ብምሕላው፡ ነባሪ ሰላም ብምርግጋጽን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገር ንምኽባር ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ዘኽእል ኵሉ ዓይነት ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ቢቢሲ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንቐጥታዊ ዘተ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክራኸቡ ዕድመ ከም ዝለኣኸ ተፈሊጡ።

እቲ ብዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ ዘተ ሰላም ክልቲኦም ወገናት ካብ ሰንበት 8 ጥቅምቲ 2022 ጀሚሩ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።

እንተዀነ ቢቢሲ ዝረኣዮ ካብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተላኢኹ ዝተባህለ ደብዳበ፡ እቲ ዘተ ዝጅምረሉ መዓልቲ ሰንበት 8 ጥቅምቲ ምዃኑ'ኳ እንተተመልከተ፡ ሰንበት 9 ጥቅምቲ እዩ ዝውዕል።
እቲ ዘተ ሰላም ብላዕለዋይ ወኪል ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ከምዝምራሕ እቲ ደብዳበ የረድእ።

ብዘይካ’ዚ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ዶክተር ፉምዚለ ምላምቦ-ንጉካን’ውን ኣብቲ መስርሕ ሰላም ከም ሸምገልቲ ከገልግሉ ምዃኖም ይገልጽ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ነቲ ኩናት ጠጠው ክብልን ብቕልጡፍ ልዝብ ክጅመርን ንምድጋፍ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ጕዕዞኡ ምጅማሩ ተገሊጹ እዩ።
ማይክ ሃመር፡ ካብ ሰኑይ 3 ጥቅምቲ ክሳብ 18 ጥቅምቲ 2022 ንክልተ ሰሙን ኣብ ዝቕጽል መገሻኡ ናብ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ከምዝበጽሕ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።



Share

Published

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service