ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ጻውዒት፡ ዘተ ብዘይ ቅድመ ዅነት ክካየድ ንዝብል መትከል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሰማማዕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተቐበሎ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፈደራል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቃሉ ብምሕላው፡ ነባሪ ሰላም ብምርግጋጽን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገር ንምኽባር ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ዘኽእል ኵሉ ዓይነት ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።
ብመሰረት ጸብጻብ ቢቢሲ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንቐጥታዊ ዘተ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክራኸቡ ዕድመ ከም ዝለኣኸ ተፈሊጡ።
እቲ ብዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ ዘተ ሰላም ክልቲኦም ወገናት ካብ ሰንበት 8 ጥቅምቲ 2022 ጀሚሩ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።
እንተዀነ ቢቢሲ ዝረኣዮ ካብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተላኢኹ ዝተባህለ ደብዳበ፡ እቲ ዘተ ዝጅምረሉ መዓልቲ ሰንበት 8 ጥቅምቲ ምዃኑ'ኳ እንተተመልከተ፡ ሰንበት 9 ጥቅምቲ እዩ ዝውዕል።
እቲ ዘተ ሰላም ብላዕለዋይ ወኪል ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ከምዝምራሕ እቲ ደብዳበ የረድእ።
ብዘይካ’ዚ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ዶክተር ፉምዚለ ምላምቦ-ንጉካን’ውን ኣብቲ መስርሕ ሰላም ከም ሸምገልቲ ከገልግሉ ምዃኖም ይገልጽ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ነቲ ኩናት ጠጠው ክብልን ብቕልጡፍ ልዝብ ክጅመርን ንምድጋፍ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ጕዕዞኡ ምጅማሩ ተገሊጹ እዩ።
ማይክ ሃመር፡ ካብ ሰኑይ 3 ጥቅምቲ ክሳብ 18 ጥቅምቲ 2022 ንክልተ ሰሙን ኣብ ዝቕጽል መገሻኡ ናብ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ከምዝበጽሕ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።