ደቡብ ሱዳን ነቲኢትዮጵያ ምስ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ዘለዋ ዶባዊ ምስሕሓብ ክትዓርቕ ዘቕረበቶ እማመ ከምዝተቐበለቶ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኣፍሊጡ ክብል ሱዳን ትሪቡን ጸብጺቡ።
ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ደቡብ ሱዳን ቱት ጋትሉካክ ማኒመ ፡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ብዛዕባ ምስ ሱዳን ዘሎ ርክብን ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታትን እቲ ዞባን ከተሐይሎ ከም ዝግባእን ገሊጹ ።
"ምዉቕ ኣቀባብላ ተገይሩልና ፡ ኣብዛ ውቅብትን ተቐባሊት ጋሻን ሃገር ኣፍሪቃ ንዚርከቡ ዝምልከቶም መሪሕነትን ሰበ-ስልጣንን ናይ ፕረሲደንት ኪር መልእኽቲ ከነብጽሕ ኢና ። ኢትዮጵያ ዓብዪ ህዝቢ ዘለዋ ዓባይ ሃገር እያ ምስ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዘለዎም ርክብ ድማ ኣዝዩ ፍሉይ እዩ "ኢሉ ።
ማኒሜ: ኢትዮጵያ ነቲ ደቡብ ሱዳን ምስ ሱዳን ዘለዋ ዶብ ናይ ምስሕሓብ መስርሕ ክትዓርቕ ዘቕረበቶ እማመ ከም እተቐበለቶ ሓበረ ።
ማኒሜ ምስጉጅልኡ ኣብ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ በጺሑ፡ ብዛዕባ እቲምዕባሌላኡን እቲ ፕሮጀክት ንኻልኦት ሃገራት እቲ ዞባ ብኸመይ ከም ዝጠቕመን ንምፍላጥ ክግንዘብ ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ ።
ማኒሜ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንጂቡቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምሻጥ ከምዝጀመሩን ኣብ 'ዘን ሃገራት ዘሎ ኣመራርሓ እንተሓቲቱ ናብ ከም ሱዳን ፣ ኬንያ ፣ ደቡብ ሱዳን ዝበላ ሃገራት ንምሻጥ ድልዋት ከምዝኾኑን ነጊሮምና ኣለው ኢሉ ።