SKIP TO MAIN CONTENT

ጁባ ነቲ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ዘሎ ናይ ዶብ ግጭት ንምዕራቕ ዘቕረበቶ እማመ ኢትዮጵያ ተቐቢላቶ።

Sudan-Ethiopia border
Credit: East Africa

1 min read

Published

Source: SBS


Skip to article content

ደቡብ ሱዳን ነቲኢትዮጵያ ምስ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ዘለዋ ዶባዊ ምስሕሓብ ክትዓርቕ ዘቕረበቶ እማመ ከምዝተቐበለቶ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኣፍሊጡ ክብል ሱዳን ትሪቡን ጸብጺቡ።

ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ደቡብ ሱዳን ቱት ጋትሉካክ ማኒመ ፡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ብዛዕባ ምስ ሱዳን ዘሎ ርክብን ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታትን እቲ ዞባን ከተሐይሎ ከም ዝግባእን ገሊጹ ።

"ምዉቕ ኣቀባብላ ተገይሩልና ፡ ኣብዛ ውቅብትን ተቐባሊት ጋሻን ሃገር ኣፍሪቃ ንዚርከቡ ዝምልከቶም መሪሕነትን ሰበ-ስልጣንን ናይ ፕረሲደንት ኪር መልእኽቲ ከነብጽሕ ኢና ። ኢትዮጵያ ዓብዪ ህዝቢ ዘለዋ ዓባይ ሃገር እያ ምስ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዘለዎም ርክብ ድማ ኣዝዩ ፍሉይ እዩ "ኢሉ ።

ማኒሜ: ኢትዮጵያ ነቲ ደቡብ ሱዳን ምስ ሱዳን ዘለዋ ዶብ ናይ ምስሕሓብ መስርሕ ክትዓርቕ ዘቕረበቶ እማመ ከም እተቐበለቶ ሓበረ ።

ማኒሜ ምስጉጅልኡ ኣብ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ በጺሑ፡ ብዛዕባ እቲምዕባሌላኡን እቲ ፕሮጀክት ንኻልኦት ሃገራት እቲ ዞባ ብኸመይ ከም ዝጠቕመን ንምፍላጥ ክግንዘብ ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ ።

ማኒሜ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንጂቡቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምሻጥ ከምዝጀመሩን ኣብ 'ዘን ሃገራት ዘሎ ኣመራርሓ እንተሓቲቱ ናብ ከም ሱዳን ፣ ኬንያ ፣ ደቡብ ሱዳን ዝበላ ሃገራት ንምሻጥ ድልዋት ከምዝኾኑን ነጊሮምና ኣለው ኢሉ ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now