SKIP TO MAIN CONTENT

ፎረም ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ዘጓነየ ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ትርከበሉ ሓዱሽ ሕብረት ክቐውም፡ ሚ/ር ጉዳያት ኢይቶጵያ ጸዊዑ

News
Source: AAP

1 min read

Published


Skip to article content

ፎረም ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ዘጓነየ ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ትርከበሉ ሓዱሽ ሕብረት ክቐውም፡ ሚ/ር ጉዳያት ኢይቶጵያ ጸዊዑ

 

ምክትል ቀዳማይ ሚንስተርን ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢን ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ኣብ መበል 58 ጉባኤ ሙኒክ ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ ብ2019 ዝተመስረተ ንኢትዮጵያ ዘጓነየ ዝበሎ ፎረም ቀይሕ ባሕሪ ጌጋ እዩ፡ ብምባል ሕጂ ኢትዮጵያ ትርከበሉ  ረብሓ ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝሕሉ ሕብረት ክምስረት ጸዊዑ።

ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣጽዋር፣ መዐወንቲ እጻትን ዝውውር ዘይሕጋውያን ሰባትን ንምዕጋት ምትሕግጋዝ ብዙሓት ኣካላት ከም ዘድሊ ዝሓበረ እቶም በዓል መዚ፡ ኢትዮጵያ ኣካል ናይዚ ክትከውን ከም ዝግባእ ምዝራቡ ሃገራዊ ማዕኸን ዜና ታ ሃገር  ኢቢሲ ጸብጺቡ ኣሎ።

ብ ክልቲኡ ወገን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሀገራት ፡ "ፎረም ቀይሕ ባሕሪ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓባራዊ መድረኽ ከምዝፈጠራ ይዝከር። እቲ ዕላማ ድማ ፡ ቐይሕ ባሕሪ ዝምልከቶም መንግስታት ብሓባር ኰይኖም ብዛዕባ ሓባራዊ ድሌታት ክዘራረቡ ፡ ከምኡ "ውን ኣብቲ ዞባ ንዝፍጠር ጸገማት  ሓባራዊ መፍትሒታት ክጥቀሙ ንምግባር እዩ ። 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now