ፎረም ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ዘጓነየ ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ትርከበሉ ሓዱሽ ሕብረት ክቐውም፡ ሚ/ር ጉዳያት ኢይቶጵያ ጸዊዑ

News

Source: AAP

ፎረም ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ዘጓነየ ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ትርከበሉ ሓዱሽ ሕብረት ክቐውም፡ ሚ/ር ጉዳያት ኢይቶጵያ ጸዊዑ

 

ምክትል ቀዳማይ ሚንስተርን ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢን ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ኣብ መበል 58 ጉባኤ ሙኒክ ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ ብ2019 ዝተመስረተ ንኢትዮጵያ ዘጓነየ ዝበሎ ፎረም ቀይሕ ባሕሪ ጌጋ እዩ፡ ብምባል ሕጂ ኢትዮጵያ ትርከበሉ  ረብሓ ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝሕሉ ሕብረት ክምስረት ጸዊዑ።

ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣጽዋር፣ መዐወንቲ እጻትን ዝውውር ዘይሕጋውያን ሰባትን ንምዕጋት ምትሕግጋዝ ብዙሓት ኣካላት ከም ዘድሊ ዝሓበረ እቶም በዓል መዚ፡ ኢትዮጵያ ኣካል ናይዚ ክትከውን ከም ዝግባእ ምዝራቡ ሃገራዊ ማዕኸን ዜና ታ ሃገር  ኢቢሲ ጸብጺቡ ኣሎ።

ብ ክልቲኡ ወገን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሀገራት ፡ "ፎረም ቀይሕ ባሕሪ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓባራዊ መድረኽ ከምዝፈጠራ ይዝከር። እቲ ዕላማ ድማ ፡ ቐይሕ ባሕሪ ዝምልከቶም መንግስታት ብሓባር ኰይኖም ብዛዕባ ሓባራዊ ድሌታት ክዘራረቡ ፡ ከምኡ "ውን ኣብቲ ዞባ ንዝፍጠር ጸገማት  ሓባራዊ መፍትሒታት ክጥቀሙ ንምግባር እዩ ። 


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service