ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ ፣ ግብጽን ሱዳንን ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተማእከለ ሓድሽ ዝርርብ ነቲ ኢትዮጵያኣብ ፈለግ ናይል ዝተሃንጸ ዓቢ ግድብ ዝምልከት ንዓመታት ዝጸንሐ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ዝዓለመ እዩ።
እቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝቐጽል ዝርርብ ፡ ኣብ ርእሲ ከተማ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝዀነት ኪንሻሳ ፡ ብ ኣብዚ እዋን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ’ዩ ተኸፊቱ።
ናይ ሰለስተ ሃገራት ናይ ወጻኢን መስኖን ሚንስትራት ኣብቲ ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዝግበር ዝርርብ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ክኢላታት ይሳተፉ ከምዘለዉ ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትር መስኖ ዶ/ር ሰልሺ በቀለ ሓቢሩ።
ሓደ ሱዳናዊ ዲፕሎማሰኛ ፡ ንማዕከን ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ከም ዝሓበሮ ፡ እቶም ካብ ሰለስቲአን ሃገራትን ካብ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝመጹ ክኢላታት ፡ ቅድሚቲ ሚኒስተራት ሰለስቲኤን ሃገራት ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ሰኑይን ዝእከቡ ተራኺቦም ኔሮም።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ ካይሮ እቲ ዘተ ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሰራርሓ እቲ ግድብን ምምላእ እቲ ማይን ሕጋዊ ስምምዕ ከምጽእ ከም እትደሊ ሓቢሩ ።
ሱዳን ኣብ ዙር ኪንሻሳ ክትሳተፍ ምዃና ዝገለጸትሉ ምኽንያት እቲ ዝርርብ ሃናጺ ንክኸውን "ናይ ምውዕዓል ኣገባብ" ብዝብል ዕላማ እዩ ። እዚ ከኣ ፡ ነቲ ግብጻውያን ዝድግፍዎ ሱዳናውያን ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብቲ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝገብርዎ ክትዕ ብንጥፈት ከሰላስልዎ ዘቕረብዎ እማመ ዘጠቓልል እዩ ።

Source: AAP
ኢትዮጵያ ፡ "ኣፍሪቃውያን ንጸገማት ኣፍሪቃ ኣብ ምፍታሕ ይኽእሉ'ዮም ኢልና ንኣምን" ብምባል ነቲ እማመ ነጺጋቶ ኣላ ።
እቲ ቀንዲ ብዛዕባ ምምላእ እቲ ግድብ ዝምልከት ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳያት፡ ፡ ኣገባብ ዓመታዊ መጠን ምምላእ-ማይ ከምኡ 'ውን ኣብ ብዙሕ ዓመታት ደርቂ እንተ ኣጋጢሙ ፡ ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ማይ ካብ' ቲ ግድብ ናብታሕቲ ናይቲ ፈለግ ከምትለቅቕ ። ብተወሳኺ ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ መጻኢ ንዝፍጠር ዝዀነ ይኹን ዘይምርድዳእ ብኸመይ መዕለቢ ከም ዝገብራሉ ዝብል እዩ ።
ኣብዚ መስመር ዝርከባ ሃገራት ግብጽን ሱዳንን ፡ ኣብ ምምላእን ኣሰራርሓን እቲ ግድብ ዝምልከት ሕጋዊ ቀያዲ ስምምዕ ክገብራ ክደልያ እንከለዋ ፡ ኢትዮጵያ ግን ብዛዕባ ኣተገባብራ መምርሒታት እያ ትግደስ ።
ሰለስቲአን ሃገራት ፡ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ብዛዕባዚ ጉዳይ ክዘራረባ እንተጸንሓኳ ኣብ መዕለቢኡ ከብጽሓኦ ግና ኣይከኣላን።
እቲ ኣብ ኪንሻሳ ክግበር ጀሚሩ ዘሎ ዝርርብ ፡ ድሕርቲ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኤል-ሲሲ ፡ ሃገሩ ኣብ ማያት ፈለግ ኒል "ዘይትንከፍ" ጉዳይ ከምዝኾነ ብምሕባር ኢትዮጵያ ኣብዚ ቅሩብ ኣዋርሕ ማይ ክትመልእ እንተጀሚራ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ድሕሪ መጠንቀቕታ ምሃቡ እዩ።
ኤል-ሲሲ ብሰሉስ እቲ ግድብ ብሕጊ ቀያዲ ስምምዕ ከይተገብረሉ እንተ ተመሊኡን እንተ ተሰሪሑን ፥ኣብቲ ዞባ "ዝዀነ ይኹን ሰብ ኪግምቶ ዘይክእል ዘይምርግጋእ" ክፍጠር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ ፣
ብመሰረት ናይ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ኣገልግሎት ዜና ሚኒስተር ስለሺ በቀለ፡ ሃገሩ "ከምቲ ኩሉ ግዜ ኣብ መሰረታዊ ስርዓት ዝተመርኮሰ: ማዕርነታውን ርትዓውን ኣጠቓቕማ ናይቲ ማይ ነቶም ካልኦት ጉድኣት ከየውረደት ክጥቀመሉ እያ ትደሊ" ክብል ገሊጹ።
ካብ ሃገራት ዓረብ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ማለት ልዕሊ 100 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ግብጺ ፣ ዳርጋ ብምሉኡ ናይ ማያ ጠለባ ኣብ ፈለግ ኒል እያ እትምርኰስ ። እቲ ዝስራሕ ዘሎ ግድብ ቀልጢፉ እንተ መሊኡ ፡ ኣብ ሕርሻን ኣብ ካልእ ጽላታትን ከቢድ ሳዕቤን ከየምጽእ ድማ ትፈርሕ።
ኢትዮጵያ: መብዛሕትኡ ህዝባ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ: ንምዕባለኣ ኣገዳሲ ምዃኑ እያ ትኣምን ። እቲ ግድብ ስርሑ ምስጀመረ ልዕሊ 6,400 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌትሪክ ከመንጩ እዩ ፡ እዚ ድማ ነቲ እታ ሃገር ኣብዚ እዋን እዚ እተፍርዮ ዘላ 4,000 ሜጋዋት ኣዝዩ ክብ ከብሎ ትጽቢት ይግበር ።
ሱዳን ብወገና ንኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ግድብ ኣብ ብሉ ናይል ዝርከብ ናይ ባዕላ ሓይሊ ዘመንጩ ሓጽቢታት ብማይ ከይዕለቕልቕን ከይውሕዳን ኢትዮያ ዝተወሃሃደን ግሉጽን ሓበሬታ ከተካፍልን ትደሊ።