ኢትዮጵያን ግብጽን ሱዳንን ኣብ ዲ.ሪ.ኮንጎ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ዝርርብ ጀሚረን።

እቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝቐጽል ዝርርብ ፡ ኣብ ርእሲ ከተማ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝዀነት ኪንሻሳ ፡ ብ ኣብዚ እዋን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ’ዩ ተኸፊቱ።

News

Source: Getty Images

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ ፣ ግብጽን ሱዳንን ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተማእከለ ሓድሽ ዝርርብ ነቲ ኢትዮጵያኣብ  ፈለግ ናይል ዝተሃንጸ ዓቢ ግድብ ዝምልከት ንዓመታት ዝጸንሐ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ዝዓለመ እዩ።

 እቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝቐጽል ዝርርብ ፡ ኣብ ርእሲ ከተማ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝዀነት ኪንሻሳ ፡ ብ ኣብዚ እዋን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ’ዩ ተኸፊቱ።

 ናይ ሰለስተ ሃገራት ናይ ወጻኢን መስኖን ሚንስትራት ኣብቲ ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዝግበር ዝርርብ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ክኢላታት ይሳተፉ ከምዘለዉ ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትር መስኖ ዶ/ር ሰልሺ በቀለ ሓቢሩ።

 ሓደ ሱዳናዊ ዲፕሎማሰኛ ፡ ንማዕከን ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ከም ዝሓበሮ ፡ እቶም ካብ ሰለስቲአን ሃገራትን ካብ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝመጹ ክኢላታት ፡ ቅድሚቲ ሚኒስተራት ሰለስቲኤን ሃገራት ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ሰኑይን ዝእከቡ ተራኺቦም ኔሮም።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ ካይሮ እቲ ዘተ ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሰራርሓ እቲ ግድብን ምምላእ እቲ ማይን ሕጋዊ ስምምዕ ከምጽእ ከም እትደሊ ሓቢሩ ።
News
Source: AAP
ሱዳን ኣብ ዙር ኪንሻሳ ክትሳተፍ ምዃና ዝገለጸትሉ ምኽንያት እቲ ዝርርብ ሃናጺ ንክኸውን "ናይ ምውዕዓል ኣገባብ" ብዝብል ዕላማ እዩ ። እዚ ከኣ ፡ ነቲ ግብጻውያን ዝድግፍዎ ሱዳናውያን ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብቲ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝገብርዎ ክትዕ ብንጥፈት ከሰላስልዎ ዘቕረብዎ እማመ ዘጠቓልል እዩ ።

ኢትዮጵያ ፡ "ኣፍሪቃውያን ንጸገማት ኣፍሪቃ ኣብ ምፍታሕ ይኽእሉ'ዮም ኢልና ንኣምን" ብምባል ነቲ እማመ ነጺጋቶ ኣላ ።

 እቲ ቀንዲ ብዛዕባ ምምላእ እቲ ግድብ ዝምልከት ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳያት፡  ፡ ኣገባብ ዓመታዊ መጠን ምምላእ-ማይ ከምኡ 'ውን ኣብ ብዙሕ ዓመታት ደርቂ እንተ ኣጋጢሙ ፡ ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ማይ ካብ' ቲ ግድብ ናብታሕቲ ናይቲ ፈለግ ከምትለቅቕ ። ብተወሳኺ ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ መጻኢ ንዝፍጠር ዝዀነ ይኹን ዘይምርድዳእ ብኸመይ መዕለቢ ከም ዝገብራሉ ዝብል እዩ ።

 ኣብዚ መስመር ዝርከባ ሃገራት ግብጽን ሱዳንን ፡ ኣብ ምምላእን ኣሰራርሓን እቲ ግድብ ዝምልከት ሕጋዊ ቀያዲ ስምምዕ ክገብራ ክደልያ እንከለዋ ፡ ኢትዮጵያ ግን ብዛዕባ ኣተገባብራ መምርሒታት እያ ትግደስ ።

 ሰለስቲአን ሃገራት ፡ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ብዛዕባዚ ጉዳይ ክዘራረባ እንተጸንሓኳ ኣብ መዕለቢኡ ከብጽሓኦ ግና ኣይከኣላን።

እቲ ኣብ ኪንሻሳ ክግበር ጀሚሩ ዘሎ ዝርርብ ፡ ድሕርቲ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኤል-ሲሲ ፡ ሃገሩ ኣብ ማያት ፈለግ ኒል "ዘይትንከፍ"  ጉዳይ ከምዝኾነ ብምሕባር ኢትዮጵያ ኣብዚ ቅሩብ ኣዋርሕ ማይ ክትመልእ እንተጀሚራ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ድሕሪ መጠንቀቕታ ምሃቡ እዩ።

 ኤል-ሲሲ ብሰሉስ እቲ ግድብ ብሕጊ ቀያዲ ስምምዕ ከይተገብረሉ እንተ ተመሊኡን እንተ ተሰሪሑን ፥ኣብቲ ዞባ  "ዝዀነ ይኹን ሰብ ኪግምቶ ዘይክእል ዘይምርግጋእ" ክፍጠር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ ፣

ብመሰረት ናይ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ኣገልግሎት ዜና ሚኒስተር ስለሺ በቀለ፡ ሃገሩ  "ከምቲ ኩሉ ግዜ ኣብ መሰረታዊ ስርዓት ዝተመርኮሰ: ማዕርነታውን ርትዓውን ኣጠቓቕማ ናይቲ ማይ  ነቶም ካልኦት ጉድኣት ከየውረደት ክጥቀመሉ  እያ ትደሊ" ክብል ገሊጹ።

 ካብ ሃገራት ዓረብ  ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ማለት ልዕሊ 100 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ  ግብጺ ፣ ዳርጋ ብምሉኡ ናይ ማያ ጠለባ ኣብ ፈለግ ኒል እያ እትምርኰስ ። እቲ ዝስራሕ ዘሎ ግድብ ቀልጢፉ እንተ መሊኡ ፡ ኣብ ሕርሻን ኣብ ካልእ ጽላታትን ከቢድ ሳዕቤን ከየምጽእ ድማ ትፈርሕ።

 ኢትዮጵያ: መብዛሕትኡ ህዝባ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ: ንምዕባለኣ ኣገዳሲ ምዃኑ እያ ትኣምን ። እቲ ግድብ ስርሑ ምስጀመረ ልዕሊ 6,400 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌትሪክ ከመንጩ እዩ ፡ እዚ ድማ ነቲ እታ ሃገር ኣብዚ እዋን እዚ እተፍርዮ ዘላ 4,000 ሜጋዋት ኣዝዩ ክብ ከብሎ ትጽቢት ይግበር ።

 ሱዳን  ብወገና ንኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ግድብ ኣብ ብሉ ናይል ዝርከብ ናይ ባዕላ ሓይሊ ዘመንጩ ሓጽቢታት ብማይ ከይዕለቕልቕን ከይውሕዳን ኢትዮያ ዝተወሃሃደን ግሉጽን  ሓበሬታ ከተካፍልን ትደሊ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service