SKIP TO MAIN CONTENT

ኢትዮጵያን ግብጽን ብዛዕባ ሓጽቢ ህዳሰ ከይተሰማምዓ ኣኼባ ተዛዚሙ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ዘተ ብዛዕባ ሓጽቢ ህዳሰ ብዘይስምምዕ ተዛዚሙ።

1 min read

Published


Skip to article content

ግብጺ ኣብ ዘተ ሓጽቢ ህዳሰ ሓደስቲ ሓሳባት ብምቕራባ እቲ ዘተ ብዘይፍረ ከምተዛዘመ ካብ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ሓበሬታ አኣመልኪቱ። እቲ ዘተ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ከምዝነበረውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ግብጺ እቲ ሓጽቢ ካብ 12 ክሳብ 21 ዓመት ማይ ክመልእ ሓሳብ ዘቕረበት ኮይና፥ ኢትዮጵያ ግና ካብ 4 ክሳብ 7 ዓመታት አኣብዘሎ አቲ ሓሽቢ ማይ ክመልእ እያ ኣሚማ።

ብተወሳኺ ኣብ እዋን ደርቂ እቲ መስርሕ ኣመላልኣ ማይ አቲ ሓጽቢ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣይተሰማማዓን።

ኣብ ኣገላልጻታትውን ስምምዕ ክብጻሕ ኣይተኻእለን። ግብጺ።

ናይ ኢትዮጵያ ማይ፣ መስኖ ን ኢነርጂን ሚኒስቴር ሚኒስተር ዶ/ር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ብዛዕባቲ ዘተ ክገልጽከሎ "ልኡኻት ግብጺኣብቲ ናይ አዲስ አበባዘተ ብዘቕረብዎ ሓሳብ ክሰማምዑ ኢሎም ዝመጹ ኣይነበሩን" ኢሉ። ካብቲ ዝነበረ ናብዝገደደ ዘረሓሕቕ ጉዳይ ከምዝኸዱ ድማ ኣብሪሁ።

ኣብ እዋን ደርቂ ክሳብ  13 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ሜትሪክ ኪዩብ ማይ ክትለቅቕ ምዃና ኢትዮጵያ ሓሳብ ዘቕረበት ኮይና  ግብጺ  14 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ሜትሪክ ኪዩብ ክኸውን ኢላ ትምጉት።

 

ውጽኢት ሪፖርት ናይቲ ኮሚቴ ቴክኒክ ዝመጽእ ሰሙ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ አኣብዝግበር ኣኼባ ብወግዒ ክግለጽ እዩ።

መስርሕ ግድብ ህዳሴ ከምዝቕጽልን ኢትዮጵያ ካብዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ጀሚራ ነቲ ሓጽቢ ክትመልኦ ከምትጅምርን ፡ዶ/ር ኢንጂነር ስለሺ ገሊጹ ክብል አቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ። 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now