ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንባይቶ ሃገሩ ኣብዘስምዖ መደረ መንግስቲ ፌደራል ምስ ወከልቲ ትግራይ ዝዛተ ኮሚቴ ከምዘቖመ ገሊጹ። እዚ ኣብ ናይ ፈለማ ወግዓዊ መረጋገጺ ብዛዕባ ናብ ናይ ሰላም ዘተ ዝወስድ ስጉምቲ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ ።
እቲ ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝተገብረ ኲናት ፣ ልዕሊ 9 ሚልዮን ህዝቢ ኣመዛቢሉ ፣ ንገለ ክፋል ትግራይ ናብ ጥሜት ሸሚሚሙ ፣ ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ከኣ ቀቲሉ እዩ።
ዶ/ር ኣቢይ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "ብዛዕባ እቲ ሰላም.. ኮሚተ ተመስሪቱ ኣሎ ፡ ብኸመይ ዝርርብ ከም እንገብር ድማ ከጽንዕ እዩ" ኢሉ ።
እቲ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ኮሚተ ፡ ዝርዝር ዘተ ንምስልሳል ካብ 10 ክሳብ 15 መዓልትታት ኣለዎ ።