SKIP TO MAIN CONTENT

ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝዛተ ሓደ ጉጅለ ከምዘቖመ ቀ/ሚ ኣብይ ኣፍሊጡ።

Homeland News
Source: EBC

1 min read

Published


Skip to article content

ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንባይቶ ሃገሩ ኣብዘስምዖ መደረ መንግስቲ ፌደራል ምስ ወከልቲ ትግራይ ዝዛተ ኮሚቴ ከምዘቖመ ገሊጹ። እዚ ኣብ ናይ ፈለማ ወግዓዊ መረጋገጺ ብዛዕባ ናብ ናይ ሰላም ዘተ ዝወስድ ስጉምቲ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ ።

እቲ ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝተገብረ ኲናት ፣ ልዕሊ 9 ሚልዮን ህዝቢ ኣመዛቢሉ ፣ ንገለ ክፋል ትግራይ ናብ ጥሜት ሸሚሚሙ ፣ ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ከኣ ቀቲሉ እዩ።

ዶ/ር ኣቢይ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "ብዛዕባ እቲ ሰላም.. ኮሚተ ተመስሪቱ ኣሎ ፡ ብኸመይ ዝርርብ ከም እንገብር ድማ ከጽንዕ እዩ" ኢሉ ።

እቲ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ኮሚተ ፡ ዝርዝር ዘተ ንምስልሳል ካብ 10 ክሳብ 15 መዓልትታት ኣለዎ ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now