SKIP TO MAIN CONTENT

ኢትዮጵያ ናብ ተርታ ዝጠፈሻ ሃገራት ትጽንበር ፡

እቲ ምጥፋሽ ንኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ኣብዚ ቀረባ እዋን ን ኢሮቦንድ ክኸፍላ ዘይከኣላ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ከም ዛምብያ ፡ጋና ፡ ስሪላንካን ክትስራዕ ኪኢላ ኣላ።

Capture.JPG
Credit: Beyene Weldegiorgis

1 min read

Published

Source: SBS


Skip to article content

ኢትዮጵያ ቅድሚ እቲ ናይ ጸጋ ግዜ (grace period) ዝመጽእ ሰኑይ ምእካሉ ፡ ናይ 33 ሚልዮን ዶላር ወለድ ክፍሊት ዩሮቦንድ ክትከፍል ዘይከኣለት ፡ ኣይዚ ቀረባ ዝጠፈሸት ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ኣላ ። ሰበ-ስልጣን ሚኒስትሪ ፋይናንስ እታ ሃገር ከምዝገለጽዎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ን ኵሎም ኣለቃሕቲ ብማዕረ ምእንቲ ክኸፍል ፡ ናይ ዕዳ ምሕረት ይሓትት ስለዘሎን ከይከፍል እቲ ዉሳነ ከም እተገብረ ገሊጾም ።

እቲ ምጥፋሽ ንኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ኣብዚ ቀረባ እዋን ን ኢሮቦንድ ክኸፍላ ዘይከኣላ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ከም ዛምብያ ፡ጋና ፡ ስሪላንካን ክትስራዕ ኪኢላ ኣላ። ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዕዳ ናይ ምኽፋል ግዜ ክናውሓላ ምስ ኣለቃሕቲ ሃገራት ኣብ ስምምዕ በጺሓ ኔራ ።

ኢትዮጵያ ኣብነት ዛምቢያን ጋናን ብምስዓብ ፡ ኣብ ሓባራዊ መስርሕ ምድላው G20 ፡ ሕውየት ዕዳ ክግበረላ ትሓትት ኣላ ። እታ ሃገር ካብ 2021 ኣትሒዛ ኣብ ውግእ ሓድሕድን ቊጠባዊ ጸገማትን ብምሽማማ ፡ዕዳኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይተዓጻጸፍ እዩ ዘሎ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now