ዕጥቆም ክፈትሑ ካብ ዝተገብሩ ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ እቶም ኣብ ጦላይ ተዓጽዮም ዘለዉ ብኩነታቶም ኣማሪሮም።

ኣብ ከባቢ ትግራይ ዝግበር ኲናት ኣብዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን እቲ ኲናት ደው ኢሉ ብሰላም ክፍታሕ ጻዊዒት ይቐርብ እንተሎኳ፡ ዝሰምዕ እዝኒ ኣይተረኽበን ዘሎ።

Ethiopia's Prime Minister Abiy Ahmed, centre.

Ethiopia's Prime Minister Abiy Ahmed, centre. Source: AP

እቲ ካብ ዝጅመር ክልተ መዓልቲ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ዝተፈላለዩ ሰብ መዚ ፈደራልን ኣዘዝቲ ሰራዊትን በቲ ሓደ፡ ፕረሲደንት ክልል ትግራይ በቲ ኻልእ መግለጺ ኣብ ርእሲ መግለጺ እናሃብሉ ይቕጽል ኣሎ። ነፈርቲ ኲናት ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዋና ከተማ ትግራይ ኣብ ከባቢ መቐለ ብቦምብ ከምዝደብደባ ናይ ትግራይ ክልላዊ መንግስቲ ናይ ኮሙኒኬሽን ቢሮ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ መግለጺ ሂቡ። ብኻልእ ሸነኽ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ናብ ከባቢታት ወልቃይት ከምዝተጸገዐ ሰብ መዚ ክልል ኣምሓራ ይገልጹ ኣለዉ።

ፕረሲደንት መንግስቲ ክልል ትግራይ ነዚ ተጀሚሩዝ ዘሎ ኲናት "ንህዝቢ ትግራይ ንምብርካኽ" ምዃኑ ገሊጹ ኔሩ።

ብኻልእ ወገን ምክትል ኣዛዚ ሓይሊታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብርጋዴር ጀነራል ብርሃኑ ጁላ “ሃገርና ትጽቢት ዘይገበርናሉ ኲናት ተሸሚማ ኣላ። እቲ ኲናት ናብ ማእከል ሃገር ኣይክኣቱን'ዩ። ኣብቲ ከባቢ (ትግራይ) ክውዳእዩ ኢሉ።  ፕረሲደንት ክልል ትግራይ  ብወገኑ " ትግራይ ንዝመጹ ኩላቶም ረመጽ ክትከውን'ያ" ክብል ገሊጹ።

ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲኢንተርሽናል ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሰብኣዊ ድሕነት ክሕሎ ጸዊዑ።


ኣብ ምብራቃውን ደቡባውን ኣፍሪቃ ዞባዊ ዳይሬክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ደፕሮስ ሙቸና፡ እቲ ውሳነ ንቡዝሓት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ዘውርድን እዩ ኢሉ።


 “ሰብ ምስ ካልእ ሰብ ሓሳቡ ናይ ምግላጽን ምዝራብን ሰብኣዊ መሰሉ ስለ ዝኾነ ኣብ ትግራይ ተቋሪጹ ዘሎ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ብቅልጡፍ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ንጽውዕ”  ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ ኣሎ።


ኣብ ካልእ ዜና፡ ኣብ ካልእ ክፋል ኢትዮጵያ ኣብ ሰራዊት ዘለዉ ተጋሩ ወተሃደራት ዕጥቆም ከምዝፈትሑ ተጌሩ ኣሎ። ኣብ ጦላይ ተኣኪቦም ዘለዉ ተጋሩ ዝኾኑ ኣዘዝቲን ተራ ኣባላት ሰራዊትን፥ "እሱራት እንተኾይና ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ንወሰድ ዕጥቅና ከምንፈትሕ ተጌሩ ህይወትና ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ ክብሉ መረረ ከምዘስምዑ ተፈሊጡ ኣሎ። ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓደ ጀነራል ነቶም ኣባላት ሰራዊት ዝነበሩ ተጋሩ ኣብዘዘራረበሉ እዮም እቶም ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ጥርዓን ኣቕሪቦም፡ እቲ ጀነራል ድማ ሕቶኦም ተቐቢሉ ምስዝምልከቶም ክዘራረበሉ ምዃኑ ገሊጽሎም ከምዝተሰናበቶም ዝተረኽበ ሓበሪታ የመልክት።

Ethiopian Orthodox Christians pray for peace during a church service at the Medhane Alem Cathedral in the Bole Medhanealem area of the capital Addis Ababa.
Ethiopian Orthodox Christians pray for peace during a church service at the Medhane Alem Cathedral in the Bole Medhanealem area of the capital Addis Ababa. Source: AP
ምንጭታት ካብቲ ከባቢ ከምዝሕብርዎ ዘለዉ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘተ ክጅመር ኣብጻዕሪ ኣሎ። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ንህወሓት ከየጥፋእኩ ኲናት ደው ኣይብልን" ከምዘበለ ተፈሊጡ ኣሎ።

“ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ዝብልዎ ዘለዉ፡ እዚ ናይ ዉሽጢ ሃገር ጉዳይ ስለዝኾነ ባዕልና ኣለናዮ፡ ይብሉ ኣለዉ። እዚ ብዛዕባ ሕጊ ምኽባር ስለዝኾነ ህወሓት ኣብዉሽጢ ዶቡ ዝፍጽሞ ዘሎ ደው ከነብሎ ኣለና በሃልቲ እዮም።" ሓደ ዲፕሎማስያዊ ምንጪ ሓቢሩ።

ናይቲ ሓዲሽ ቆይሙ ዘሎ ሓይሊ ዕማም ህጹጽ ኩነታት ወሃቢ ቃል ረድዋን ሑሴን "ዘተ ከም ኣማራጺ ኣብ ጣውላ ኣይወረደን" ክብል ትማሊ ገሊጹ ኔሩ።

Mike Pompeo on Tuesday visited Japan and called for deeper co-operation with Australia, India and Japan to counter China's growing regional influence.
In a tweet, US Secretary of State Mike Pompeo urged immediate action to restore peace and de-escalate the situation. Source: DPA
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖፖዮ ን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝድግፍ መልእኽቲ ብትዊተር ጽሒፉ ኣሎ። ናይቲ ጸገም ተሓታቲ ህወሓት ብምዃኑ ሰላም ንምስፋን ህጹጽ ስጉምቲ ብመንግስቲ ክውሰድ ኣለዎ ኢሉ።
“ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ሓይልታት ምክልኻል እዚ ሰሜን ብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብምውራሩ ኣዚዩ ተሰሚዑና።" ክብልዩ ፖፖዮ መልእኽቲ ብትዊተር ጽሒፉ።

 


Share

Published

Source: Reuters, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service