እቲ ካብ ዝጅመር ክልተ መዓልቲ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ዝተፈላለዩ ሰብ መዚ ፈደራልን ኣዘዝቲ ሰራዊትን በቲ ሓደ፡ ፕረሲደንት ክልል ትግራይ በቲ ኻልእ መግለጺ ኣብ ርእሲ መግለጺ እናሃብሉ ይቕጽል ኣሎ። ነፈርቲ ኲናት ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዋና ከተማ ትግራይ ኣብ ከባቢ መቐለ ብቦምብ ከምዝደብደባ ናይ ትግራይ ክልላዊ መንግስቲ ናይ ኮሙኒኬሽን ቢሮ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ መግለጺ ሂቡ። ብኻልእ ሸነኽ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ናብ ከባቢታት ወልቃይት ከምዝተጸገዐ ሰብ መዚ ክልል ኣምሓራ ይገልጹ ኣለዉ።
ፕረሲደንት መንግስቲ ክልል ትግራይ ነዚ ተጀሚሩዝ ዘሎ ኲናት "ንህዝቢ ትግራይ ንምብርካኽ" ምዃኑ ገሊጹ ኔሩ።
ብኻልእ ወገን ምክትል ኣዛዚ ሓይሊታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብርጋዴር ጀነራል ብርሃኑ ጁላ “ሃገርና ትጽቢት ዘይገበርናሉ ኲናት ተሸሚማ ኣላ። እቲ ኲናት ናብ ማእከል ሃገር ኣይክኣቱን'ዩ። ኣብቲ ከባቢ (ትግራይ) ክውዳእዩ ኢሉ። ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ብወገኑ " ትግራይ ንዝመጹ ኩላቶም ረመጽ ክትከውን'ያ" ክብል ገሊጹ።
ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲኢንተርሽናል ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሰብኣዊ ድሕነት ክሕሎ ጸዊዑ።
ኣብ ምብራቃውን ደቡባውን ኣፍሪቃ ዞባዊ ዳይሬክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ደፕሮስ ሙቸና፡ እቲ ውሳነ ንቡዝሓት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ዘውርድን እዩ ኢሉ።
“ሰብ ምስ ካልእ ሰብ ሓሳቡ ናይ ምግላጽን ምዝራብን ሰብኣዊ መሰሉ ስለ ዝኾነ ኣብ ትግራይ ተቋሪጹ ዘሎ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ብቅልጡፍ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ንጽውዕ” ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ ኣሎ።
ኣብ ካልእ ዜና፡ ኣብ ካልእ ክፋል ኢትዮጵያ ኣብ ሰራዊት ዘለዉ ተጋሩ ወተሃደራት ዕጥቆም ከምዝፈትሑ ተጌሩ ኣሎ። ኣብ ጦላይ ተኣኪቦም ዘለዉ ተጋሩ ዝኾኑ ኣዘዝቲን ተራ ኣባላት ሰራዊትን፥ "እሱራት እንተኾይና ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ንወሰድ ዕጥቅና ከምንፈትሕ ተጌሩ ህይወትና ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ ክብሉ መረረ ከምዘስምዑ ተፈሊጡ ኣሎ። ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓደ ጀነራል ነቶም ኣባላት ሰራዊት ዝነበሩ ተጋሩ ኣብዘዘራረበሉ እዮም እቶም ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ጥርዓን ኣቕሪቦም፡ እቲ ጀነራል ድማ ሕቶኦም ተቐቢሉ ምስዝምልከቶም ክዘራረበሉ ምዃኑ ገሊጽሎም ከምዝተሰናበቶም ዝተረኽበ ሓበሪታ የመልክት።

ምንጭታት ካብቲ ከባቢ ከምዝሕብርዎ ዘለዉ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘተ ክጅመር ኣብጻዕሪ ኣሎ። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ንህወሓት ከየጥፋእኩ ኲናት ደው ኣይብልን" ከምዘበለ ተፈሊጡ ኣሎ።
“ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ዝብልዎ ዘለዉ፡ እዚ ናይ ዉሽጢ ሃገር ጉዳይ ስለዝኾነ ባዕልና ኣለናዮ፡ ይብሉ ኣለዉ። እዚ ብዛዕባ ሕጊ ምኽባር ስለዝኾነ ህወሓት ኣብዉሽጢ ዶቡ ዝፍጽሞ ዘሎ ደው ከነብሎ ኣለና በሃልቲ እዮም።" ሓደ ዲፕሎማስያዊ ምንጪ ሓቢሩ።
ናይቲ ሓዲሽ ቆይሙ ዘሎ ሓይሊ ዕማም ህጹጽ ኩነታት ወሃቢ ቃል ረድዋን ሑሴን "ዘተ ከም ኣማራጺ ኣብ ጣውላ ኣይወረደን" ክብል ትማሊ ገሊጹ ኔሩ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖፖዮ ን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝድግፍ መልእኽቲ ብትዊተር ጽሒፉ ኣሎ። ናይቲ ጸገም ተሓታቲ ህወሓት ብምዃኑ ሰላም ንምስፋን ህጹጽ ስጉምቲ ብመንግስቲ ክውሰድ ኣለዎ ኢሉ።
“ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ሓይልታት ምክልኻል እዚ ሰሜን ብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብምውራሩ ኣዚዩ ተሰሚዑና።" ክብልዩ ፖፖዮ መልእኽቲ ብትዊተር ጽሒፉ።

