"ካብቲ ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ከምልጡ ዝፈተኑ ሰላማውያን ተጋሩ መጥቃዕትን ሞትን ወሪድዎም ኣሎ ።" ዝበለ እቲ መግለጺ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ፡ ከም መግረፍቲ ፡ ጥሜት ፡ ሕክምና ምኽልካል ዝኣመሰለ ንህይወት ዘስግእ ኵነታት የጋጥሞም ኣሎ ኢሉ።
ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ተሪፎም ዘለዉ ሰላማውያን ሰባት ዘውርድዎ ዘለዉ መግሃስቲ ፡ ናይ መጠንቀቕታ ደወል እዩ ክትብል ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳይረክተር ግብረ መልሲ ቅልውላው ጆኣን ማሪነር ገሊጻ።
"ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ምዕራባዊ ትግራይ ዝርከባ ከተማታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ተጋሩ ዝወርድ ዘሎ ሓድሽ ግህሰት ናይ መጠንቀቕታ ደወል ክድውል ኣለዎ" ኢላ ።
ኣስዕብ ኣቢላ ፡ "ህጹጽ ኣህጉራዊ ስጕምቲ እንተ ዘይተወሲዶም ፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ሰባት ፡ ኣብ ከቢድ ሓደጋ እዮም ዘለዉ"።
ኣብ ሕዳር 2020 እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንነጀው ፡ እታ ኣብቲ ክልል ኣከራኻሪት ዝኾነት ምዕራብ ትግራይ ፡ ከም ጃምላዊ ቅትለት፡ ብኣልማማ ድብደባ፡ ብብዝሒ ኣገዲድካ ምፍንቓል ተጋሩ ዝኣመሰለ ዝኸፍአ ግፍዒታት ዝወርደላ ቦታ እያ ኮይና ጸኒሓ ።
ብ2 ታሕሳስ 2021 ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያት (OCHA) ፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ፡ 1.2 ሚልዮን ሰባት ኣብ ትግራይ ከም እተመዛበሉ ጸብጺቡ ። 9 ታሕሳስ OCHA ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ: ካብ 25 ሕዳር ክሳዕ 1 ታሕሳስ ልዕሊ 10,000 ዝዀኑ ተወላዶ ትግራይ ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም እዮም ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ትካላት ረድኤት ክሕግዛ ኣይክእላን ይብል እቲ መግለጺ።
ኣብ ሕዳርን ታሕሳስን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ን31 ሰባት ናይ ተለፎን ቃለ-መጠይቅ ኣካይዶም ፡ 25 መሰኻኽርን ብህይወት ዝተረፉ ሰባትን ከምኡውን ኣዝማድ ናይቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝተሰደዱን ዝተሰጎጉን ፡ ሚሊሻታት ኣምሓራን ሓይልታት ጸጥታ እቲ ዞባን ኣብ ልዕሊ ኣብ ከተማታት ኣደባይን ሑመራን ራውያን ዝርከቡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝነብሩ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ ዘሎ መግሃስቲ ዝምልከት መጽናዕቲ ከምዝተገብረ ይገልጽ እቲ መጽናዕቲ።
ካብ መጀመርያ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ሓይልታት ፖሊስ ክልል ኣምሓራን ብፋኖ ዝፍለጡ ሚሊሻታትን ኣብ ኣደባይን ሑመራን ራውያን ንዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ሓጺሮም ሒዞሞም ኣለዉ ። እዞም ሓይልታት እዚኣቶም ስድራቤታት ብምፍልላይ: ነቶም 15 ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም መንእሰያትን ዓበይትን ሰብኡት ከምኡውን ደቂ ኣንስትዮ ሰላማውያን ሰባት ኣሲሮሞም ኣለዉ ። ኣንስትን ቈልዑን ከምኡ’ውን ሕሙማትን ዓበይትን ካብቲ ከባቢ ብግዲ የውጽኡ ። ገለ ካብቶም ዝተሰጐጉ ናብ ማእከላይ ትግራይ ዝኸዱ ክዀኑ ከለዉ ፡ ካልኦት ብዙሓት ሃለዋቶም ዘጥፍኡ ኣለዉ ።
ገለ ካብቲ ብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂማን ራይትስ ዎች ዝተኣከበ መረዳእታት፥
ኣብ ራውያን ዝነብር ሓደ ሰብኣይ: ሚሊሽያ ፋኖ ተጋሩ ንምህዳን ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ "ደቂ ትግራይ ጾታኦምን ዕድሚኦምን ብዘየገድስ ናብ ቤት ትምህርቲ ተወሲዶም" በለ ። "ንኣረጊት ካብ ንኣሽቱ ይፈለይዎ ፡ ገንዘቦምን ካልእ ጥሪቶምን እውን ይወስዱ ። ኣቱም ኣረጋውያን: ወለዲ ኣብ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት ማካይን [ናብ ምብራቕ] ገጾም እዮም ተወሲዶም ። ቆልዑ ዘበሉ ግና ኣትሪፎሞም።" ኢሉ
ብ20ን 21ን ሕዳር ኣብ ሑመራ ድሕሪ ዝተገብረ ግፋ፡ ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ዝመልኣ 20 ዝዀና ዓበይቲ ማካይን ናብ ማእከላይ ትግራይ ገጾም ክወጹ ከምዝረኣዩ ፡ ክልተ መሰኻኽር ገሊጾም።
ንዚርከብዎ ዘበለ ብኣልማማ ኺትኩሱ ጀመሩ ። እቶም ህዝቢ ከምልጡ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን እቶም ፋኖ ማንም ሰብ ከምልጥ ኣብ ዘይክእልሉ ብጎዞሞን ፋስን ኣጥቂዖምዎም ። ሬሳታት እናተሳገርና ኵላትና ሰምቢድና ወጺእና። ምስ ሃዳእና ፡ ኣብኡ እውን ተወሰኽቲ ሬሳታት ከም ዝነበሩ ኣስተውዓልና ። ኣብ ዝኸድካዮ ዘበለ ፡ ሓሙሽተ, 10 ሬሳታት ይርከብ ነበረ ።
እቲ ወጺኡ ዘሎ ጸብጻብ ብዘይካ መሰኻኽር ብሳተላይት ዝተሳእሉ ምንቅስቓሳት ሰባት ዝጸዓና መኽይንን ኣብያተ ማእሰርቲን’ውን ከምዝርከቦ ይገልጽ።