SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዘለዉ ፖለቲከኛታት፡ ፍትሓዊ ዳንነት ተኸልኪሎም ክብል ህዩማን ራይትስ ከሲሱ።

ኣብ ኣዲስ አበባን ከባቢኡን ዝርከቡ ናይ ኦሮሚያ ኣከባቢት ፖሊስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዝርከብዎም 9,000 ሰባት ከምዝኣሰረ ህዩማን ራይትስ ዎች ኣዘኻኺሩ ኣብ መግለጺኡ።

SBS Tigrinya News
Source: HRW

3 min read

Published


Skip to article content

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ፖለቲከኛታትን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን ምስ ጠበቓታቶም ከይራኸቡ ብምኽልካሎም ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ህዩማን ሪይትስ ዎች ኣፍሊጡ።  ትማሊ ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣባላት ናይ ተቓዋሚ ፖለቲካታትን ጋዜጠኛታትን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ከይተኸሰሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሑ ምግባሩ ዘተሓሳስብ እዩ ኢሉ። ፖሊስን ናይ ተኸሰስቲ ዓቃቢ ሕጊን፡ እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ኣበይ ከምዝርከቡ ከፍልጡ፡ ቤት ፍርዲ ዘፍቅዶ ዋሕስ ብዝተማልአን ኣብዝቐልጠፈ እዋን ከኽብሩን፡ እሱራት ምስ ቤተ ሰቦምን ጠበቓኦምን ክራኸቡ ክፍቀደሎምን ህዩማን ራይትስ ዎች ጸዊዑ።

"ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ መርመርቲ ልክዕ ከምቲ ቀደም ዝነበረ ፡ ፈለማ ኣሲርካ ብድሕርዚ ምምርማ ዝብል ኣሰራርሓ ይቕጽልዎ ኣለዉ” ክብል ናይ ህዩማን ራይትስ ዎች  ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ቀርኒ ኣፍሪቃ ላቲታ ባድር "ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብቕልጡፍ ግሉጽን ሓቀኛን ምርኩስ ዝገበረ ክሲ ክምስረት ወይውን ከምዝተፈትሑ ከረጋግጹ ኣለዎም።" ኢሉ።

እቲ ንሰብኣዊ መሰል ዝጣበቕ ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ድሕሪ ሞት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ኣኽበርቲ ጸጥጣ ዝርከብዎም ብውሕዱ 178 ሰባት ምሟቶም ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከቡ ኣባላት ንኡሳን ብሄራትን ሃይማኖታትን ዝተፈጸመ ቅትለት፡ መጥቃዕቲን ከቢድ ናይ ንብረት ዕንወትንን ምፍንቓልን ከምዘስዓበ ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብቲ ትማሊ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ካብ ሰልፊ ናይ ኦሮሞ ፌድራሊስት ኮንግረስ፡ ጃዋር መሓመድ ን በቀለ ገርባን፤ ካብ ሰልፊ ባልደራስ ንሓቀኛ ዴሞክራሲ እስክንድ ነጋ ን ስታንታየሁ ቸኮል ኣብቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር ኢድ ኣለዎም ብምባል ኣብ ጽባሕ ቅትለት ሃጫሉ ተኣሲሮም ኣለዉ። ብድሕርዚ ኣብ ኣዲስ አበባን ከባቢኡን ዝርከቡ ናይ ኦሮሚያ ኣከባቢት ፖሊስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዝርከብዎም 9,000 ሰባት ከምዝኣሰረ ህዩማን ራይትስ ዎች ኣዘኻኺሩ ኣብ መግለጺኡ።

ኣብቲ ናይ ህዩማን ራይትስ ዎች ጸብጻብ፡ ካብ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ለሚ ቤኛ፣ ናይ ኢትዮጵያዊያን ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ኣዴፓ) መስራቲ ልደቱ አያሌው፣ ናይ ህወሓት ተወልደ ገብረጻድቃን ን በሪሁ ጽጌን ካብቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ።  ካብቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ግዜጠኛታት ኬንያዊ ያሲን ጁማ፣ ናይ ኦሮሚያ ሚዲያ ኔትወርክ ኣባላይ ዝኾኑ መለሰ ድሪብሳ፣ ጉዮ ዋሪዮ፣ ካብ አስራት ቴሌቭዥን፡ በላይ ማናየ ን ሙሉጌታ አንበርብር ብሓይሊታት ጸጥታ ተታሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ እዮም ኢሉ።

እቲ ብሰብ መዚ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ መርመራ፡ ሕጋዊ መስርሕ ኣይሓለወን ዝበለ ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ተጠርጠርቲ ብኮሮና ቫይረስ ከይልከፉ ስግኣት ከምዘለዎም’ውን ኣፍሊጡ።  ዛጊት ኬንያዊ ጋዜጠኛ ያሲን ጁማ ን ካብ ኣመራርሓ ኦሮሞ ፌድራሊስት ኮንግረስ ዝኾነ ኣቶ ደጀኔ ጣፋ ብኮሮና ተለኺፎም ከምዘለዉ ተረጋጊጹ ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ ኣብሪሁ። ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ብዝሒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰባት ክቕንሱ ሰብ ሞያ ዓለም ንመንግስታት ጸቕጢ ኣብዝገብርሉ ዘለዉ እዋን ኢትዮጵያ ግና እሱራት ትውስኽ ኣላ ክብል ህዩማን ራይትስ ዎች ወሲኹ ከሲሱ ኣሎ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now