SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ብሕብረት ኣፍሪቃ ክግበር ተመዲቡ ዝነበረ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ተደናጉዪ።

ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ዝጸንሐ ግጭት ደው ንምባል ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመርሐ ዝርርብ ሰላም ብሰንኪ ሎጂስቲክስ ተደናጉዩ ከምዘሎ ሓይልታት ትግራይን ክልተ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ብዓርቢ ከምዝሓበርዎ ሮይተርስ ጸብጺቡ ኣሎ ።

Capture.JPG
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ሞሃማት Credit: AU

2 min read

Published

Source: SBS


Skip to article content

ብሕብረት ኣፍሪቃ ሓደ ካብቶም ሰለስተ ኣዛተይቲ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝተመዘዘ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ብሰንኪ ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ዝጸንሖ ካልእ መደባት ኣብቲ ዝተመደበ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክግበር ዝተሓስበ ዘተ ሰላም ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ።

ብዘይካዚ ኡሁሩ ኬንያታ ቅድሚ ዘተ ሰላም ምጅማሩ፡ ብዘይቅድመ ኩነት ተኹሲ ደው ክብልን ረዲኤት ናብ ትግራይ ክ ኣቱ ከምዘለዎን ኣብዝጸሓፎ ደብዳበ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኬንያታ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንኲናት ትግራይ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ጻዕርታት ካካይድ ምጽንሑ ይዝረብ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዘተ ሰላም ብናይ ቀደም ፕረሲደንት ኦሉሲንጎን ኦባሳንጆ ክምራሕ ዝጠልብ ኮይኑ መራሕቲ ትግራይ ግና ዝኾነ ዝካየድ ልዝብ ብኣላይነት ኡሁሩ ኬንያታ ክካየድ ድሌት ከምዘለዎም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

እቲ ኣብ ርእሰ-ከተማ ፕሪቶርያ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ልዝብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኡ ንብኡ ዝተቐበሎ ኮይኑ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ነቲ ጻዊዒት እንተተቐበሎ’ኳ ብዛዕባ ሎጂስቲክስ፡ ዉሕስነት ተሳተፍቲ ዘተን ብሕብረት ኣፍሪቃ መብርሂ ክወሃቦ ዝሓተተ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ኣቐዲሙ ብዛዕባቲ ዝተመደበ ዘተ ኣፍልጦ ከምዘይጸንሖ ኣብሪሁ። ብዘይካዚ፡ ብሰንኪ ጸገማት ሎጀስቲክስ ኣብ ዝተመደበሉ መዓልቲ ክጅምር ከምዘይክእል፡ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ እዩ።

ብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጽዎ ከምዘለዉ፡ እቲ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ሃታ ሃታ መደብ፡ ብዝግባእ ተሓሲቡን ምሕደራኡ ተዋዲዱን ዝተገብረ ጻዊዒት ከምዘይኮነን እዚ ድማ ድኽመት ናይቲ ዉድብ ኣጉሊሑ ዘርእይ ስራሕ ምዃኑ ገሊጾም።

ምስ እዚ ዝተሓሓዝ ዜና መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክካየድ ዝተሓስበ ዘተ ሰላም ምስ ናይ ሉዓላዊነትን ብ ኣንጻር ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ክእረሙ ዝግቦኦም ነገራት ከምዘለዉ ኣፍሊጡ። እቲ ናይ መንግስቲ መጻረዪ ህሉው ኩነታት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣብዘውጽኦ መተሓሳሰቢ ፤ “እቲ ዘተ ሰላም ዝግበር ኣብ ዉሽጢ ሉዓላዊነት ኢትዮጵያ ብዴሞክራሲያዊ መንገዲ ብዝተመርጸ መንግስቲን ብሓደ ዓማጺ ጉጅለ እምበር፤ ብፌደራል መንግስትን ብክልል ትግራይ ኣምሲልካ ምቕራብ ተቐባልነት የብሉን” ኢሉ። ብተወሳኺ እቲ መግለጺ፤ “መንግስቲ ትግራይ” “ናይ ትግራይ ናይ ወጻኢ ርክባት” ዝብሉ ኣገላልጻታት ንናይ ኢትዮጵያ ሉዓላዊነት ዝጻረር እዩ ብምባል ኮኒኑ ኣሎ።

 ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክግበር ዝተመደበ ዘተ ብዘይካ ናይ ኬንያ ፕረሲደንት ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጎን ኦባሳንጆ፡ ከምኡ'ውን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ዶ/ር ፉምዚለ ምላቦ-ንጹካ ንምስላጥ ብሕብረት ኣፍሪቃ ምምዛዞም ይፍለጥ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now