ናይ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ዓብላሊ ቁጽሪ መናብር ከምዝተዓወተሉ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ናይ ኣብይ ኣሕመድ ሰልፊ ብልጽግና 410 ካብ 436 ፓርላመንታዊ መናብር ከም ዝተዓወተ ምክትል ኣቦ ወንበር ምርጫ ቦርድ ኣብ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊጹ ። ኣደ መንበር ብርቱካን ሚደቅሳ ድማ እቲ ቦርድ ምርጫ ተኣማኒ ምርጫ ከምዘካየደ ተዛሪባ ።

News

Source: AAP

ናይ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ሰልፊ ብልጽግና  ኣብ ፓርላመንታዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝለዓለ መናብር ብምርካብ ከምዝተዓወተ ናይ ምርጫ ቦርድ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። በዚ ድማ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ፓርላማ ብዘይ ተቓዋሚ ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ከኽእሎ እዩ።

 

ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ 21 ሰነ ዝተኻየደ ምርጫ፡ እታ ሃገር ካብ ዝጸንሓቶ ንዓሰርተታት ዓመታት ጨቋኒ ዝኾነ ኣገዛዝኣ ነጻ ምርጫ ኣካይዳ ክብል ነቲ ምርጫ ክምጉሶ እዩ ጸኒሑ ። ይኹን እምበር ፡ ዓበይቲ ተቓዋምቲ ሰልፊታት ካብቲ ምርጫ ምብኳሮም ፡ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ዓሌታዊ ጎንጽን ነቲ ዝተገብረ ምርጫ ኣደብዚዝዎ እዩ። ካብ 10 ክልላት ናይ ኢትዮጵያ ኣብተን ሰለስተድምጺ ምርጫ ኣይተገብረን።

 

ናይ ኣብይ ኣሕመድ ሰልፊ ብልጽግና 410 ካብ 436 ፓርላመንታዊ መናብር ከም ዝተዓወተ  ምክትል ኣቦ ወንበር ምርጫ ቦርድ ኣብ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊጹ ። ኣደ መንበር ብርቱካን ሚደቅሳ ድማ  እቲ ቦርድ ምርጫ ተኣማኒ ምርጫ ከምዘካየደ ተዛሪባ ።

 

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ብርሃኑ ነጋ ኣቦ መንበር ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ ፓርቲ (ኢዜማ) 207 ጥርዓናት ነቲ ቦርድ ምርጫ ከምዘቕረበ፡ ንሱ  ናይቲ ከባቢ ሚሊሻታትን ኣብ ክልል ኣምሓራን ደቡብ ህዝብታትን ተዓዘብቶም  ምዕጋቶም ከሲሱ ኣሎ።

እቲ ሓድሽ ዝቘመ ኣብይ ኣሕመድ ሰልፊ: መብዛሕትኡ ኣብ ዓሌታዊ ዝምርኮሱ ሰልፊታት ተቓወምቲ ተጻብኦ ከጋጥሞ ምዃኑ ይግመት። እቶም ዉሑድ መናብር ረኺቦም ዘለዉ ውድባት ኢዜማን ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራን (ናማ) ነፍሲ ወከፎም ትሕቲ 10 መናብር እዮም ተዓዊቶም።

ንፌዴራል ተወከልቲ ህዝቢ 23 ወናብር ዘለዎም ኣዲስ ኣበባ፡ ሰልፊ ብልጽግና ነቲ 22 መናብር ክወስዶ ከሎ ነታ ዝተረፈት ሓንቲ መንበር ብውልቂ ዝተወዳደረ ወሲድዋ፡፡

ካብ 8 መናብር ናይ ዓፈር ሰልፊ ብልጽግና 6 መናብር፡

ኣብ ፈዴራል ፓርላማ፡ 138 ናይ ህዝቢ ውክልና ዘለዎ ክልል አማራ እቲ 114 መናብር ሰልፊ ብልጽግና የአማራ ብሔራዊ ንቅናቄ ድማ 5 መናብር ረኺቡ፡፡

ክልል ቤንሻንጉል፡ ኣብ ፈዴራል ፓርላማ 9 ናይ ህዝቢ ውክልና ዘለዎ ሰልፊ ብልጽግና 3 መናብር ምርካቡ ተፈሊጡ፡፡

ድሬዳዋ 2 ወከልቲ ህዝቢ ዘለዎ ኮይኑ እቲ ሓደ መንበር ሰልፊ ብልጽግና ወሲድዎ፡፡

ኣብ ፈዴራል ፓርላማ፡ 3 ናይ ህዝቢ ውክልና ዘለዎ ክልል ጋምቤላ ሰልፊ ብልጽግና ኩሉ 3 መናብር ምርካቡ ተፈሊጡ፡፡

ኣብ ፈዴራል ፓርላማ፡ 178 ናይ ህዝቢ ውክልና ዘለዎ ክልል ኦሮሚያ፡ ሰልፊ ብልጽግና 167 መናብር ምርካቡን 3 ድማ ብውልቂ ዝተወዳደሩ ተዓዊቶም ተባሂሉ፡፡

ኣብ ፈዴራል ፓርላማ፡ 19 ናይ ህዝቢ ውክልና ዘለዎ ክልል ሲዳማ ንኹሉቲ 19 መናብር ሰልፊ ብልጽግና ወሲድዎ፡፡

ክልል ደቡብ 104 ናይ ተወከልቲ መናብር ዘለዎ ኮይኑ፡ ሰልፊ ብልጽግና 75፣ ኢዜማ 4 ከምኡውን የጌዴኦ ህዝብ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ 2 መናብር ምርካቡ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ብሓፈሻ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ፌደራል ሰልፊ ብልጽግና  410 መናብር ምርካቡ ዓብላሊ ሰልፊ ምዃኑ እቲ ቦርድ ብወግዒ ገሊጹ ኣሎ፡፡


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service