ኣብ ከተማ መቐለ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከምተፈጸመ ማዕከናት ዜና ትግራይ ኣፍሊጠን።

እዚ መጥቃዕቲ ዝመጽእ ዘሎ፡ ሰብ መዚ ትግራይ ኣብ ሰሜን ወሎ ብሓይሊታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ኣምሓራን ንዝተፈነወሎም መጥቃዕቲ ከምዘፍሸልዎን ዓወታት ከምዝሓፈሱን ኣብ ዝገልጽሉ ዘለዉ እዋን'ዩ።

News

Source: Geeska

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰኑይ ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከምዝጀመረ መዲያታት ትግራይ ገሊጾም ።

ትግራይ ቲቪ ፡ ከምዝሓበሮ እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ፡ ሓያሎ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተለ ገሊጻ ። ኣብታ ከተማ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ እውን ሓደ ሰራሕተኛ ረዲኤትን ሓደ ዶክተርን ገሊጾም ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ዝኾነ መጥቃዕቲ ከይፍኑ ተኸልኪሉ ። "ስለምንታይ እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነታ ከተማኡ ዝኾነት መቐለ ዘጥቅዓ ? መቐለ ናይ ኢትዮጵያ ከተማ እያ " ተባሂሉ ተሓቲቱ ክሒዱ ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ።
እዚ መጥቃዕቲ ዝመጽእ ዘሎ፡ ሰብ መዚ ትግራይ ኣብ ሰሜን ወሎ ብሓይሊታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ኣምሓራን ንዝተፈነወሎም መጥቃዕቲ ከምዘፍሸልዎን ዓወታት ከምዝሓፈሱን ኣብ ዝገልጽሉ ዘለዉ እዋን'ዩ።

ዲፕሎማሰኛታትእዚ ከምብሓድሽ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ነታ 109 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ኢትዮጵያ ዝያዳ ከዕንዋ ፡ ኣብ ትግራይን ኣብ ከባቢኡን ዘሎ ጥሜት ድማ ከዕምቝ እዩ ኢሎም ስግኣቶም ይገልጹ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service