SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ከተማ መቐለ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከምተፈጸመ ማዕከናት ዜና ትግራይ ኣፍሊጠን።

እዚ መጥቃዕቲ ዝመጽእ ዘሎ፡ ሰብ መዚ ትግራይ ኣብ ሰሜን ወሎ ብሓይሊታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ኣምሓራን ንዝተፈነወሎም መጥቃዕቲ ከምዘፍሸልዎን ዓወታት ከምዝሓፈሱን ኣብ ዝገልጽሉ ዘለዉ እዋን'ዩ።

News
Source: Geeska

1 min read

Published


Skip to article content

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰኑይ ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከምዝጀመረ መዲያታት ትግራይ ገሊጾም ።

ትግራይ ቲቪ ፡ ከምዝሓበሮ እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ፡ ሓያሎ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተለ ገሊጻ ። ኣብታ ከተማ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ እውን ሓደ ሰራሕተኛ ረዲኤትን ሓደ ዶክተርን ገሊጾም ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ዝኾነ መጥቃዕቲ ከይፍኑ ተኸልኪሉ ። "ስለምንታይ እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነታ ከተማኡ ዝኾነት መቐለ ዘጥቅዓ ? መቐለ ናይ ኢትዮጵያ ከተማ እያ " ተባሂሉ ተሓቲቱ ክሒዱ ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ።

እዚ መጥቃዕቲ ዝመጽእ ዘሎ፡ ሰብ መዚ ትግራይ ኣብ ሰሜን ወሎ ብሓይሊታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ኣምሓራን ንዝተፈነወሎም መጥቃዕቲ ከምዘፍሸልዎን ዓወታት ከምዝሓፈሱን ኣብ ዝገልጽሉ ዘለዉ እዋን'ዩ።

ዲፕሎማሰኛታትእዚ ከምብሓድሽ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ነታ 109 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ኢትዮጵያ ዝያዳ ከዕንዋ ፡ ኣብ ትግራይን ኣብ ከባቢኡን ዘሎ ጥሜት ድማ ከዕምቝ እዩ ኢሎም ስግኣቶም ይገልጹ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now