SKIP TO MAIN CONTENT

ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝነበሩ ተጋሩ፡ ብናይ ጽዕነት ነፋሪት ኣብ ቆራሪት ካርጎ ተሓቢኦም ይሃድሙ።

"ነቲ ሓደጋ ወሲድናዮ ። ኣማራጺ ኣይነበረናን ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክንነብር ኣይከኣልናን ፡ ከም ኣሸበርቲ ኢና ተቖጺርና ኔርና "።

News
Source: Rthiopian Airlines

4 min read

Published

Source: CNN


Skip to article content

ዮውሃንስን ገብረመስቀልን (ንድሕነቶም ናይ ብሓቂ ስሞም ኣይኮነን)፡ ኣብ ውሽጢ እታ ዓባይ ጽእነዕት  ኤየርባስ ኤ350 ዝዓይነታ ነፋሪት ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ናብ በልጅዩም ብነፋሪት ክትበርር ከላ ፡ በረድ ዝኾነ ቍሪ ከም ዝህሉ ይፈልጡ ነይሮም እዮም ።

 እንተኾነ እቶም ናይ ትግራይ መበቆል ዘለዎም ክልተ ሰራሕተኛታት ናይ መሬት ቴክኒሻናት ናይ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፡  ካብ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ስግኣት ከም ዝተሰምዖም ብምግላጽ ፡ ኣብ መንጎ ሳናዱቕ ዕምባባታት ተሓቢኦም ካብታ ሃገር ምውጽእ እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይብሎም ገሊጾም ። ክብል CNN ጸብጺቡ።

ናይ ክልቲኦም  ኣባላት ስድራቤት ኣብ  ንተወላዶ ትግራይ ዒላማ ዝገበረ ናይ ህጹጽ እዋን ሕጊ ኣብ ቀይዲ ከምዘለዉን ናይ ምእሳር ዕድሎም ከይበጽሐ ክሃድሙ ከምተገደዱን ሓቢሮም ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ  ንዝኾነ ጉጅለ ዒላማ ዝገበረ ከምዘይነበረ ብምግላጽ ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቲ ድንጋገ ህጹጽ እዋን ከምዘልዓሎ ሓቢሩ ።

 ስለዚ ፡ ኣብ መጀመርታ ሰዓታት ናይ 4 ታሕሳስ ፡ እቶም ደቂ 25 ዓመት ዮውሃንስን ገብረመስቀል ፡ ኣብ መኽዘን ናይ’ታ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ  ዝነበረት ናይ ኢትዮጵያ ናይ ጽዕነት ነፋሪት ደይቦም ፡ ነቲ ናይ ንግሆ በረራ ናብ ብራስለስ ፡ በልጅዩም ክጽበዩ ወሰኑ ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ፡ከም  ሰራሕተኛታት ናይ ኢትዮጵያ ናይ ንግዲ መገዲ ኣየር  ክኢላታት ከም ምዃኖም መጠን ፡ ኣብታ ክፍሊ ልሙድ መርመራ ክገብሩ ኣጋጣሚ ነይርዎም እዩ ። መሕብኢኦም እንተ ተፈሊጡ ግና ፡ ከቢድ መቕጻዕቲ ከም ዝወርዶም ነገሩ ። ሲ.ኤን.ኤን.ኤ. ሓቢሮም ።

እታ ነፋሪት በረራ ቅድሚ ምጅማራ ንልዕሊ ሰለስተ ሰዓታት ፡ ኣብ ቈራሪ ቦታ ተሓቢኦም ኣብ መንጎ  ናይ  ሰራሕተኛታት መቐመጢ ቦርሳ ተሓቢኦም ፡ ካብታ ዕምባባታት ጽዒና ትበርር ነፋሪት  ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ እዮም ተሓቢኦም ።

"ኣብ ሓደጋ ኢና ኣቲና ። ንሕና ምርጫ ኣይነበረናን ፡ ኣማራጺ ኣይነበረናን ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክንነብር ኣይከኣልናን ፡ ኣሸበርቲ ኢና ተባሂልና "ክብል ሕጂ ኣብ ቤልጁም ዑቕባ ዝረኸበ ዮውሃንስ ገሊጹ።

 እታ ዮሃንስን ገብረመስቀልን ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ ብራስለስ ምስ ዓረፈት ፡ ክልቲኦም ናብቲ ተርሚናል ህንጻ ናይ ምብጻሕ ዕድሎም ተጸበዩ ።

"ኣብታ ነፋሪት ዝሰርሑ ክልተ ሰባት ነይሮም ። እቲ ሓደ ነታ ናይ ጽዕነት ነፋሪት የራግፋ ፡ እቲ ካልኣይ ድማ መብራህቲ ሒዙ ኣብ ዙርያ እታ ነፋሪት ይመጽእ ኔሩ "ይብል ዮውሃንስ ። "ስለዚ እቲ ቀዳማይ ጽዕነት ዕምባባታት ናብ መሬት ከራግፎ እንከሎ ፡ ኣነን ዓርከይን ዘሊልና ናብቲ ተርሚናል ጎየና ።"

እቶም ሰራሕተኛታት ከኣ ማይን ዝብላዕ ነገርን ሃብዎም ፣ ዮሃንስን ገብረመስቀል ግና ኣዝዮም ሰምበዱ ። "እቶም ሓለውቲ ክመልሱና  እዮም ኢልናም ፈሪሕና ፡ ሻሂ ኣምጺኦምልና  ፡ ንሕና ግና ኣብ ምድሪ ተምበርኪኽና ፡ ነንቀጥቅጥ ኔርና" ድማ በለ ።

በብቝሩብ ድማ እፎይታ ተሰምዖም ፣ እዚ ስምዒት ዝተሰምዖም ምናልባት ካብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝወጹ ንፈለማ ግዜ ክኸውን ይኽእል እዩ ።

 "ገለ ናዉቲ ምሳና ኔሩ ፡ ከርክቡና እዮም ኢልና ፈሪሕና ኔርና ፡ ምኽንያቱ  ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጸጥታ ቅድሚ  በረራ ተፍትሽ የካይዱ እዮም" ኢሉ ገብረመስቀል ።

"ብርግጽ ፈሪሕና ኔርና ። ገለ ናውቲ ሒዝና ኮፍ በልና ። ምናልባሽ ኣብ ስራሕ ከምዘለና ንምርግጋጽ ክመጹ ይኽእሉ ።  ግን ዕድል ጌርና ኣይተረኸብናን ። እንተ ንርከብ ኔርና ፡ እቲ መቕጻዕቲ ከቢድ ምዀነ ነይሩ "በለ ።

ዮውሃንስ ኣብ በልጅዩም ፡ "ንጠለባተይ እተኽብር ፡ መሰል ህይወት" እትሕሉ ሃገር ክትከውን ተስፋ ይገብር ።

ጠበቓኦም ፒተር-ያን ደ ብሎክ ንሲ.ኤን.ኤን.ኤን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ክልቲኦም ዓማዊሉ "ኣብ በልጅዩም ዓለምለኻዊ ዕቝባ ከም ዝረኸቡን" ካብቲ ዝዓረፉሉ ማእከል ከም እተፈትሑን ኣረጋጊጹ ።

ን ገብረመስቀል እቲ ስእሊ ቅሩብ እዩ ። ምስ ስድራቤቱ ክሳብ ሕጂ ኣብ ርሑቕ ቦታ ኣሎ- ወለዱ ኣብ ሱዳን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ይርከቡ- ኣብ ቤልጁም ዝኾነ ገንዘብን ስራሕን የለን ሂወት ቀሊል ኣይኮነን ። ሕጂ መንበሪ እኳ እንተለዎ ፡ ዑቕባ ድሕሪ ምርካቡ ክልተ ለይቲ ኣብ መደበር ባቡር ደቂሱ እዩ ።

 ኣብ ቀረባ እዋናት ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ከምልጡ ዝፈተኑ እዞም ጽምዲ ጥራይ ኣይኰኑን ። ዮውሃንስን ገብረመስቀልን ናብ በልጅዩም ቐቅድሚ ምህዳሞም ፡ ብ1 ታሕሳስ ክልተ ካልኦት ሰብ ሞያ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝዓለበት ናይ ገያሾ ነፋሪት ተሓብኦም ዝኣተዉ ከምዝነበሩ ወሃቢ ቃል ትካል ሓለዋ ጉምሩክን ማዕቀብን ኣመሪካ (CBP) ፡ ብኢመይል  ንሲ.ኤን.ኤን. ከምዝሓበሮ እቲ ዜና ገሊጹ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now