ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝነበሩ ተጋሩ፡ ብናይ ጽዕነት ነፋሪት ኣብ ቆራሪት ካርጎ ተሓቢኦም ይሃድሙ።

"ነቲ ሓደጋ ወሲድናዮ ። ኣማራጺ ኣይነበረናን ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክንነብር ኣይከኣልናን ፡ ከም ኣሸበርቲ ኢና ተቖጺርና ኔርና "።

News

Source: Rthiopian Airlines

ዮውሃንስን ገብረመስቀልን (ንድሕነቶም ናይ ብሓቂ ስሞም ኣይኮነን)፡ ኣብ ውሽጢ እታ ዓባይ ጽእነዕት  ኤየርባስ ኤ350 ዝዓይነታ ነፋሪት ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ናብ በልጅዩም ብነፋሪት ክትበርር ከላ ፡ በረድ ዝኾነ ቍሪ ከም ዝህሉ ይፈልጡ ነይሮም እዮም ።

 እንተኾነ እቶም ናይ ትግራይ መበቆል ዘለዎም ክልተ ሰራሕተኛታት ናይ መሬት ቴክኒሻናት ናይ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፡  ካብ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ስግኣት ከም ዝተሰምዖም ብምግላጽ ፡ ኣብ መንጎ ሳናዱቕ ዕምባባታት ተሓቢኦም ካብታ ሃገር ምውጽእ እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይብሎም ገሊጾም ። ክብል CNN ጸብጺቡ።

ናይ ክልቲኦም  ኣባላት ስድራቤት ኣብ  ንተወላዶ ትግራይ ዒላማ ዝገበረ ናይ ህጹጽ እዋን ሕጊ ኣብ ቀይዲ ከምዘለዉን ናይ ምእሳር ዕድሎም ከይበጽሐ ክሃድሙ ከምተገደዱን ሓቢሮም ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ  ንዝኾነ ጉጅለ ዒላማ ዝገበረ ከምዘይነበረ ብምግላጽ ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቲ ድንጋገ ህጹጽ እዋን ከምዘልዓሎ ሓቢሩ ።

 ስለዚ ፡ ኣብ መጀመርታ ሰዓታት ናይ 4 ታሕሳስ ፡ እቶም ደቂ 25 ዓመት ዮውሃንስን ገብረመስቀል ፡ ኣብ መኽዘን ናይ’ታ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ  ዝነበረት ናይ ኢትዮጵያ ናይ ጽዕነት ነፋሪት ደይቦም ፡ ነቲ ናይ ንግሆ በረራ ናብ ብራስለስ ፡ በልጅዩም ክጽበዩ ወሰኑ ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ፡ከም  ሰራሕተኛታት ናይ ኢትዮጵያ ናይ ንግዲ መገዲ ኣየር  ክኢላታት ከም ምዃኖም መጠን ፡ ኣብታ ክፍሊ ልሙድ መርመራ ክገብሩ ኣጋጣሚ ነይርዎም እዩ ። መሕብኢኦም እንተ ተፈሊጡ ግና ፡ ከቢድ መቕጻዕቲ ከም ዝወርዶም ነገሩ ። ሲ.ኤን.ኤን.ኤ. ሓቢሮም ።

እታ ነፋሪት በረራ ቅድሚ ምጅማራ ንልዕሊ ሰለስተ ሰዓታት ፡ ኣብ ቈራሪ ቦታ ተሓቢኦም ኣብ መንጎ  ናይ  ሰራሕተኛታት መቐመጢ ቦርሳ ተሓቢኦም ፡ ካብታ ዕምባባታት ጽዒና ትበርር ነፋሪት  ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ እዮም ተሓቢኦም ።

"ኣብ ሓደጋ ኢና ኣቲና ። ንሕና ምርጫ ኣይነበረናን ፡ ኣማራጺ ኣይነበረናን ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክንነብር ኣይከኣልናን ፡ ኣሸበርቲ ኢና ተባሂልና "ክብል ሕጂ ኣብ ቤልጁም ዑቕባ ዝረኸበ ዮውሃንስ ገሊጹ።

 እታ ዮሃንስን ገብረመስቀልን ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ ብራስለስ ምስ ዓረፈት ፡ ክልቲኦም ናብቲ ተርሚናል ህንጻ ናይ ምብጻሕ ዕድሎም ተጸበዩ ።

"ኣብታ ነፋሪት ዝሰርሑ ክልተ ሰባት ነይሮም ። እቲ ሓደ ነታ ናይ ጽዕነት ነፋሪት የራግፋ ፡ እቲ ካልኣይ ድማ መብራህቲ ሒዙ ኣብ ዙርያ እታ ነፋሪት ይመጽእ ኔሩ "ይብል ዮውሃንስ ። "ስለዚ እቲ ቀዳማይ ጽዕነት ዕምባባታት ናብ መሬት ከራግፎ እንከሎ ፡ ኣነን ዓርከይን ዘሊልና ናብቲ ተርሚናል ጎየና ።"

እቶም ሰራሕተኛታት ከኣ ማይን ዝብላዕ ነገርን ሃብዎም ፣ ዮሃንስን ገብረመስቀል ግና ኣዝዮም ሰምበዱ ። "እቶም ሓለውቲ ክመልሱና  እዮም ኢልናም ፈሪሕና ፡ ሻሂ ኣምጺኦምልና  ፡ ንሕና ግና ኣብ ምድሪ ተምበርኪኽና ፡ ነንቀጥቅጥ ኔርና" ድማ በለ ።

በብቝሩብ ድማ እፎይታ ተሰምዖም ፣ እዚ ስምዒት ዝተሰምዖም ምናልባት ካብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝወጹ ንፈለማ ግዜ ክኸውን ይኽእል እዩ ።

 "ገለ ናዉቲ ምሳና ኔሩ ፡ ከርክቡና እዮም ኢልና ፈሪሕና ኔርና ፡ ምኽንያቱ  ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጸጥታ ቅድሚ  በረራ ተፍትሽ የካይዱ እዮም" ኢሉ ገብረመስቀል ።

"ብርግጽ ፈሪሕና ኔርና ። ገለ ናውቲ ሒዝና ኮፍ በልና ። ምናልባሽ ኣብ ስራሕ ከምዘለና ንምርግጋጽ ክመጹ ይኽእሉ ።  ግን ዕድል ጌርና ኣይተረኸብናን ። እንተ ንርከብ ኔርና ፡ እቲ መቕጻዕቲ ከቢድ ምዀነ ነይሩ "በለ ።

ዮውሃንስ ኣብ በልጅዩም ፡ "ንጠለባተይ እተኽብር ፡ መሰል ህይወት" እትሕሉ ሃገር ክትከውን ተስፋ ይገብር ።

ጠበቓኦም ፒተር-ያን ደ ብሎክ ንሲ.ኤን.ኤን.ኤን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ክልቲኦም ዓማዊሉ "ኣብ በልጅዩም ዓለምለኻዊ ዕቝባ ከም ዝረኸቡን" ካብቲ ዝዓረፉሉ ማእከል ከም እተፈትሑን ኣረጋጊጹ ።

ን ገብረመስቀል እቲ ስእሊ ቅሩብ እዩ ። ምስ ስድራቤቱ ክሳብ ሕጂ ኣብ ርሑቕ ቦታ ኣሎ- ወለዱ ኣብ ሱዳን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ይርከቡ- ኣብ ቤልጁም ዝኾነ ገንዘብን ስራሕን የለን ሂወት ቀሊል ኣይኮነን ። ሕጂ መንበሪ እኳ እንተለዎ ፡ ዑቕባ ድሕሪ ምርካቡ ክልተ ለይቲ ኣብ መደበር ባቡር ደቂሱ እዩ ።

 ኣብ ቀረባ እዋናት ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ከምልጡ ዝፈተኑ እዞም ጽምዲ ጥራይ ኣይኰኑን ። ዮውሃንስን ገብረመስቀልን ናብ በልጅዩም ቐቅድሚ ምህዳሞም ፡ ብ1 ታሕሳስ ክልተ ካልኦት ሰብ ሞያ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝዓለበት ናይ ገያሾ ነፋሪት ተሓብኦም ዝኣተዉ ከምዝነበሩ ወሃቢ ቃል ትካል ሓለዋ ጉምሩክን ማዕቀብን ኣመሪካ (CBP) ፡ ብኢመይል  ንሲ.ኤን.ኤን. ከምዝሓበሮ እቲ ዜና ገሊጹ።


Share

Published

Source: CNN

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service