ኢትዮጵያዊ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ን ኤርትራ ሓቲቱ ተባሂሉ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብርሃኑ ጁላ ፡ ቅድሚ ገለ መዓልታት ንመዘንኡ ናይ ኤርትራ ሓለቓ ስታፍ ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወ/ዮሃንስ ደብዳበ ከምዝሰደደሉ ተፈሊጡ ።

News

Source: EBC

ሓለቓ ስታፍ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክውጽእ ሓቲቱ።
ሓላፊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ንዝርከቡ ሰበ-ስልጣን ፡ ኩሎም ሰራዊቶም ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ክስሕቡ ከም ዝሓተተ ተፈሊጡ ፡ ክብል ብሉምበርግ ዝተባህለ መርበብ ምንጭታት ጠቒሱ ገሊጹ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብርሃኑ ጁላ ፡ ቅድሚ ገለ መዓልታት ንመዘንኡ ናይ ኤርትራ ሓለቓ ስታፍ ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወ/ዮሃንስ ደብዳበ ከምዝሰደደሉ ተፈሊጡ ።
እቲ ብ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ሕቶ ምስቲ ናይ ሕ.መ.ኣመሪካ ብሰንበት ዝወጸ መግለጺ ዝተተሓሓዘ ኮይኑ ፡ ኣብ ትግራይ ጎንጺ ንኽውገድ ዝዓለመ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ሰፊሕ" ቁጠባዊ ማዕቀብ ን ናይ ጉዕዞ እገዳታት ተጌሩ ኣሎ ። ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ግጭት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ድማ ተመዛቢሎም እዮም ። እቲ መርበብ ዜና ብዛዕባ እዚ ንመንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ክስሕብ ተሃቲቱ ተባሂሉ ዘሎ ርእይቶኦም ክህቡ ንሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ብርሃኑ ጁላ ፣ ንኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ፣ ቢልለኔ ስዩምን ሚኒስተር ሓበሬታ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀልን ፣ ተሓቲቶም መልሲ ኣይሃቡን ።
ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ምሕጽንታ ኣቕሪቦም እዮም ። ቀሚ ኣብይ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናብ ኤርትራ ከምዝኣተወ ተኣሚኑ ፡ ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘውረድዎ ጉድኣት "ዘይቅቡል" ብምባልውን ገሊጽዎ ኢዩ ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ወርሒ መጋቢት ሓይልታት ኤርትራ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምዃኖም ኣፍሊጡ ኔሩ ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service