SKIP TO MAIN CONTENT

ኢትዮጵያዊ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ን ኤርትራ ሓቲቱ ተባሂሉ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብርሃኑ ጁላ ፡ ቅድሚ ገለ መዓልታት ንመዘንኡ ናይ ኤርትራ ሓለቓ ስታፍ ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወ/ዮሃንስ ደብዳበ ከምዝሰደደሉ ተፈሊጡ ።

News
Source: EBC

2 min read

Published


Skip to article content

ሓለቓ ስታፍ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክውጽእ ሓቲቱ።

ሓላፊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ንዝርከቡ ሰበ-ስልጣን ፡ ኩሎም ሰራዊቶም ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ክስሕቡ ከም ዝሓተተ ተፈሊጡ ፡ ክብል ብሉምበርግ ዝተባህለ መርበብ ምንጭታት ጠቒሱ ገሊጹ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብርሃኑ ጁላ ፡ ቅድሚ ገለ መዓልታት ንመዘንኡ ናይ ኤርትራ ሓለቓ ስታፍ ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወ/ዮሃንስ ደብዳበ ከምዝሰደደሉ ተፈሊጡ ።

እቲ ብ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ሕቶ ምስቲ ናይ ሕ.መ.ኣመሪካ ብሰንበት ዝወጸ መግለጺ ዝተተሓሓዘ ኮይኑ ፡ ኣብ ትግራይ ጎንጺ ንኽውገድ ዝዓለመ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ሰፊሕ" ቁጠባዊ ማዕቀብ ን ናይ ጉዕዞ እገዳታት ተጌሩ ኣሎ ። ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ግጭት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ድማ ተመዛቢሎም እዮም ። እቲ መርበብ ዜና ብዛዕባ እዚ ንመንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ክስሕብ ተሃቲቱ ተባሂሉ ዘሎ ርእይቶኦም ክህቡ ንሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ብርሃኑ ጁላ ፣ ንኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ፣ ቢልለኔ ስዩምን ሚኒስተር ሓበሬታ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀልን ፣ ተሓቲቶም መልሲ ኣይሃቡን ።

ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ምሕጽንታ ኣቕሪቦም እዮም ። ቀሚ ኣብይ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናብ ኤርትራ ከምዝኣተወ ተኣሚኑ ፡ ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘውረድዎ ጉድኣት "ዘይቅቡል" ብምባልውን ገሊጽዎ ኢዩ ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ወርሒ መጋቢት ሓይልታት ኤርትራ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምዃኖም ኣፍሊጡ ኔሩ ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now