SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራዊያንን ኣብ ዋና ከተማ ካንበራ ናይ ሓባር ሰልፊ ጌሮም።

እቲ ሰልፊ፡ መንግስቲ ኣውስትራሊያን ካልኦት ምዕራባዊያን ሃገራት ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ትገብሮ ዘላ "ናይ ሕጊ ምኽባር" ስርሒት ክድግፋ ዝጽውዕ ምዃኑ ካብ ተሳተፍቲ ገሊጾም።

SBS Tigrinya News
Source: Ethiopia

1 min read

Published

Updated


Skip to article content

ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ  ኢትዮጵያውያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን  ናይኢትዮጵያ መንግስቲ “ሕጊ ምኽባር” ብዝብል ምኽንያት ኣብ ትግራይ ንዘካይዶ ዘሎ ኲናት ብድጋፍን ነቶም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ንምፍጣር ንዲፕሎማሲያዊ ማሕበረሰብ ዘደናግሩ ዘለዉ ዝበልዎም ዝኹንን፡ ካብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝተኣኻኸቡ ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያንን ባንዴራ እናውለብለቡን ጭሮሖታት ተሓንጊጦምን  ኣብ ዋና ኸተማ  ካንቤራ  ሰላማዊ ሰልፍ ጌሮም፡፡

እቶም ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝወስዶ ዘሎ ናይ “ሕጊ ምኽባር ስጉምቲ” ከምዝድግፉን ምዕራባውያን መንግስታት ኣብዝገብርዎ ንጥፈታት ናይ ኢትዮጵያ ሉዓላውነታ ንምሕላውን ሓድነታ ንምቕጻልን ትወስዶ ሕጋዊ ስጉምቲ ምድጋፍ እምበር ኣብ ናይ ዉሽጢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ክኣትዉ ከምዘይብሎም እቶም ሰልፈኛታት ኣተሓሳሲቦም።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now