ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራዊያንን ኣብ ዋና ከተማ ካንበራ ናይ ሓባር ሰልፊ ጌሮም።

እቲ ሰልፊ፡ መንግስቲ ኣውስትራሊያን ካልኦት ምዕራባዊያን ሃገራት ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ትገብሮ ዘላ "ናይ ሕጊ ምኽባር" ስርሒት ክድግፋ ዝጽውዕ ምዃኑ ካብ ተሳተፍቲ ገሊጾም።

SBS Tigrinya News

Source: Ethiopia

ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ  ኢትዮጵያውያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን  ናይኢትዮጵያ መንግስቲ “ሕጊ ምኽባር” ብዝብል ምኽንያት ኣብ ትግራይ ንዘካይዶ ዘሎ ኲናት ብድጋፍን ነቶም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ንምፍጣር ንዲፕሎማሲያዊ ማሕበረሰብ ዘደናግሩ ዘለዉ ዝበልዎም ዝኹንን፡ ካብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝተኣኻኸቡ ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያንን ባንዴራ እናውለብለቡን ጭሮሖታት ተሓንጊጦምን  ኣብ ዋና ኸተማ  ካንቤራ  ሰላማዊ ሰልፍ ጌሮም፡፡

እቶም ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝወስዶ ዘሎ ናይ “ሕጊ ምኽባር ስጉምቲ” ከምዝድግፉን ምዕራባውያን መንግስታት ኣብዝገብርዎ ንጥፈታት ናይ ኢትዮጵያ ሉዓላውነታ ንምሕላውን ሓድነታ ንምቕጻልን ትወስዶ ሕጋዊ ስጉምቲ ምድጋፍ እምበር ኣብ ናይ ዉሽጢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ክኣትዉ ከምዘይብሎም እቶም ሰልፈኛታት ኣተሓሳሲቦም።


Share

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service