SKIP TO MAIN CONTENT

ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ሰነ ሓሙሽተ ክካየድ ተወሲኑ

ኢትዮጵያ ዝመጽእ ዓመት ሰነ 5 ምርጫ ከተካይድ እያ።

Ethiopian national election board
Source: EBS

1 min read

Published


Skip to article content

ኢትዮጵያ እቲ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ናብ ካልእ እዋን ተመሓላሊፉ ዝጸንሐ ምርጫ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ሰነ 5፡ 2021 ክካየድ ምዃኑ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ዓርቢ ገሊጹ።

ብመሰረት ሃገራዊ ቅዋም ኢትዮጵያ ኣቦወንበር ናይ'ቲ ተዓዋቲ ዝኾነ ሰልፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ይኸውን።

መረጻ ኢትዮጵያ ነሓሰ 29 ናይ'ዚ ዓመት እዩ ክካየድ ኔርዎ፡ ግን  ኣብ ግዜ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድሕነት ሰራሕተኛታት ቦርድ መረጻ ክሕሉ ስለዘይክእል ብምባል እቲ ቦርድ ናብ ካልእ እዋን ክመሓላለፍ ጠሊቡ። ክልል ትግራይ ጥራይ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ከተካይድ ብምውሳን ብዓወት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተዛዘመ ዞባዊ መረጻ ኣካይዳ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ካብ ምዝገባ ሕጹያት ጀሚሩ ክሳብ ውጽኢት ዝንገረሉ እዋናት ዝገልጽ ናይ ግዜ ሰሌዳ ዘርጊሑ'ሎ።

ብኻልእ ወገን ኢትዮጵያ 20% ካብ ህዝባ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ክታበት ክትህብ ትሰርሕ ከምዘላ ሚኒስተር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጣ።

እቶም ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተዘርግሑ ክታበታት ኣንጻር ኮቪድ-19 ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቐልጠፈ ንምምጻእ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ይካየዱ ኣለው ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now