ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ሰነ ሓሙሽተ ክካየድ ተወሲኑ

ኢትዮጵያ ዝመጽእ ዓመት ሰነ 5 ምርጫ ከተካይድ እያ።

Ethiopian national election board

Source: EBS

ኢትዮጵያ እቲ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ናብ ካልእ እዋን ተመሓላሊፉ ዝጸንሐ ምርጫ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ሰነ 5፡ 2021 ክካየድ ምዃኑ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ዓርቢ ገሊጹ።

ብመሰረት ሃገራዊ ቅዋም ኢትዮጵያ ኣቦወንበር ናይ'ቲ ተዓዋቲ ዝኾነ ሰልፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ይኸውን።

መረጻ ኢትዮጵያ ነሓሰ 29 ናይ'ዚ ዓመት እዩ ክካየድ ኔርዎ፡ ግን  ኣብ ግዜ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድሕነት ሰራሕተኛታት ቦርድ መረጻ ክሕሉ ስለዘይክእል ብምባል እቲ ቦርድ ናብ ካልእ እዋን ክመሓላለፍ ጠሊቡ። ክልል ትግራይ ጥራይ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ከተካይድ ብምውሳን ብዓወት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተዛዘመ ዞባዊ መረጻ ኣካይዳ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ካብ ምዝገባ ሕጹያት ጀሚሩ ክሳብ ውጽኢት ዝንገረሉ እዋናት ዝገልጽ ናይ ግዜ ሰሌዳ ዘርጊሑ'ሎ።

ብኻልእ ወገን ኢትዮጵያ 20% ካብ ህዝባ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ክታበት ክትህብ ትሰርሕ ከምዘላ ሚኒስተር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጣ።

እቶም ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተዘርግሑ ክታበታት ኣንጻር ኮቪድ-19 ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቐልጠፈ ንምምጻእ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ይካየዱ ኣለው ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

 


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ሰነ ሓሙሽተ ክካየድ ተወሲኑ | SBS Tigrinya