መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ኣብቲ ሒዝዎ ዘሎ ከባቢታት ክጸንሕ ወሲኑ። መንግስቲ ክ/ትግራይ ንእምቢታ ሰላም መንግስቲ ፌደራል ግብረመልሲ ክህብ’የ ኢሉ።

Homeland News

Source: AFP

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ኣብቲ ሒዝዎ ዘሎ ከባቢታት  ክጸንሕ ወሲኑ። መንግስቲ ክ/ትግራይ ንእምቢታ ሰላም መንግስቲ ፌደራል   ግብረመልሲ ክህብ’የ ኢሉ።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ብወገኑ እቲ 'አሸባሪ' ዝበሎ ሓይሊ ፤ ስግኣት ህዝብን ሃገርን ኣብ ዘይኾነሉ ብርኪ ክሳብ ዝበጽሕ ውግእ ከም ዝቕጽል ገሊጹ ኣሎ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ

"ፃውዒት ሰላም ተሓሲሙ ንዝህንደድ ሓይሊ ግብረመልሲ ክንህብ ክንግደድ ኢና።" ኢሉ።

እቲ ቢሮ "ፋሽሽታዊ" ናይ ዝበሎ መራሒ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሰራዊት ብደቡብ ትግራይ ንሕገ መንግስታዊ መሬት ትግራይ ጥሒሱ ውግእ ከም ዝኸፈተ ኣረዲኡ። ብተወሳኺውን "ውልቀመላኺ" ናይ ዝበሎ መራሒ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሰራዊት ብሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ደብዳብ ከቢድ ብረት ፈጺሞም ኢሉ።

መንግስቲ ትግራይ ነቲ መጥቃዕቲ ንምግታእ ግብረመልሲ ንምሃብ ከም ዝግደድ ዝሓበረ እቲ መግለጺ ማሕበረሰብ ዓለም እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሳፍንቱን ጭቡጥ ስጉምቲ ዝወዱሉ መስርሕ ከናድዩ ሓቲቱ።

ሚንስትሪ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብግዲኡ ድሒሩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ

"ሓይሊ ምክልኻልና በቲ ኣሸባሪ ሓይሊ ተወሪሮም ዝነበሩ ከባብታት ምብራቕ ኣምሓራን ዓፋርን ናጻ ኣውጺኡ ስለዘሎ ኣብ ዘለዎ ቦታ ፀኒዑ ክጸንሕ ተኣዚዙ ኣሎ።" ኢሉ።

ሚንስትር ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን እታ ሃገር ለገሰ ቱሉ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ፤ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ዶብ ትግራይ ከይኣትዉ ዝኸልከለሉ ምኽንያት ኣብ ትግራይ ነቲ ሰራዊት ደጀን ዝኸውን ህዝቢ ስለዘየለ ከም ዝኾነ ዩ ገሊጹ።

 ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ። ብወገኑ "ኣሸባሪ ህወሓት ንህዝብን ሃገርን ዘየስግእ ክሳብ ዝኸውን እቲ ውግእ ክቕጽል እዩ"። ኢሉ። ሓላፊ ኮሙኒኬሽን ናይቲ ክልል ግዛቸው ሙሉነህ ምስ ህወሓት ዝኾነ ዓይነት ድርድር ከምዘይህሉ ተዛሪቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ: ነተን ሰራዊት ትግራይ ገዲፉወን ናብ ግዝኣቱ ከም ዝተጸግዐ ክገልጸለን ዝቐነየ ኣብ ክልል ኣምሓራ ቤሄረሰብ ዋግህምራ ከተማ ሰቖጣን ከባቢኣን ዝርከባ ቦታታት ንሰራዊት ትግራይ ደምሲሱ ከም ዝተቖጻረን ብረቡዕ ገሊጹ። ብተወሳኺ ዓቕሚ ሰራዊት ትግራይ ብከቢድ ክዳኸም ከም ዝተገብረ ሓቢሩ። መጠን እቲ ዝወረደ ጉድኣት ብሓይልሰብን ንዋትን ግን ብንጹር ኣይገለጸን።

ማእከላይ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ብግዲኡ ንሰላም ዕድል ንምሃብ ብዝብል ካብ ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝወጸ 'ዩ የረድእ።

እንተዀነ ነቲ ንሰላም ዕድል ንምሃብ ዝወሰዶ ተበግሶ ከም ስዕረት ዝቖጸረ ጥምረት ሰራዊትን ዕጡቓትን ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈተሉ ይገልጽ። ሰራዊት ትግራይ ብዝወሰዶ ፀረ መጥቃዕታዊ ስርሒት ካብ ቆቦ ናብ ትግራይ ከባቢ ጥሙጋ ንምእታው ፈቲኖም መራሒ ክፍለሰራዊት 87 ኮለኔል ዝርከቦም ልዕሊ 1000 ወተሃደራት ቀቲሉ ልዕሊ 700 ከም ዝማረኸ ገሊጹ ኣሎ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service