SKIP TO MAIN CONTENT

“ኣብ መንጎ ክልልን መንግስቲ ፌደራልን ናብ ዘተ ንምምጻእ ክግበሩ ዝጸንሑ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕርታት ምዕባለ ከርእዩ ጀሚሮም።” ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

News
Abiy Ahmed and Debretsion Ghebremichael Source: Ethiopia News

2 min read

Published


Skip to article content

 

መራሒ ክልል ትግራይን ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ናይቲ  ክልልን ናይ ፈደራል  መንግስቲን ናብ ልዝብ ንምምጻእ ክግበሩ ዝጸንሑ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕርታት ምዕባለ የርእዩ ከምዘለዉ ምስ ቢቢሲ ኣብዝገበሮ ጻኒሒይ ኣፍሊጡ

 ኣብ ትግራይ ዝነብር ህዝቢ ብሰንኪ ኲናት ዝተፈጥረ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ብምህላው ኲናት ደው ንምባል ናብ ዘተ ንምምጻእን ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝርርብ ከም ዝጀመሩ'ውን ሓቢሩ።

"ዛጊት ብዘይቀጥታ ብመገዲ ሞንጎኛታት ክግበር ዝጸንሐ ልዝብ” ከምዝጸንሐ ዝገለጸ ዶ/ር ደብረጽዮን “ካብኡ ሓሊፉ  ብቐጥታ ንምዝርራብ ምዕባለታት'ውን ኣለው፤ ገና ግን እቲ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕረ ፍረ ንከምጽእ ንጽበ ኣለና" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፉ ቅንያት ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ንወከልቲ ዲያስፖራ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ንምዝርራብ ድልው ከም ዝኾነ ከምዝገለጸሎም ማዕኸን ዜና ኣሶሺየትድ ፕረስ (ኤፒ) ጸብጺቡ ነይሩ።

 መራሒ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ምስ 'ቢቢሲ ኒውስ ኣወር' ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ ኣብቲ ክልል "ሰብ ብጥምየት ይመውት ኣሎ፤ ህዝብና ዝነብሮ ዘሎ ገሃነም ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። መንግስቲ ፌደራል ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀመሉ ኣሎ" ክብል ገሊጹ ኣሎ። መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ግና ነዚ ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ክሲ ይነጽጎ።

 "ሰራዊት ፌደራል ኮነ ሓይልታትና ኲናት ጠጠው ኣቢሎም ናብ ሰላም ክምለሱ” ዝጸውዐ መራሒ ትግራይ  ኣገደስቲ ቐረባት ናብ ህዝቢ ክበጽሑን “ ኣብ ትግራይ ዘለው ወተሃደራት ኤርትራን ሚሊሻ ኣምሓራን ኩሎም ካብ ትግራይ ክወጽኡ ኣለዎም። ካልእ ደጋዊ ኢድ ኣእታውነት ጠጠው ክብል ኣለዎ" ክብል ከምዝጸውዐ እቲ ዜና ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ’ከሎ ካብዝ ሓለፈ  ሰሙን ጀሚሩ ኣብ መዋስንቲ  ክልላት ትግራይን ዓፋርን ሓድሽ ግጭት ተወሊዑ ከምዘሎን፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ዓፋር  ብምእታው ሰለስተ ወረዳታት ከም ዝተቖጻጸሩ መንግስቲ ክልል ዓፋር ገሊጹ ነይሩ። ሓይልታት ህወሓት ብወገኖም ብሸነኽ ዓፋር ንዝተፈነወሎም መጥቃዕቲ ክከላኸሉ ምጽንሖምን ብሰኑይ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ከም ዝተገደዱን" ገሊጾም ኔሮም።

 ካብቲ ከባቢ ዝወጹ ሓበሬታት ምርኩስ ብምግባር ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት  ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣብ ትግራይን ዝተፈላለዩ መዋስንቲ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ውግኣት ከም ዘለው ኣረጋጊጹ እዩ።

 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now