ኮማንድ ፖስት ትግራይ ኣብዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ዝኾኑ ሓይልታትን ናብ ከተማ ሽረ ከምዝኣተዉ ኣረጋጊጹ።
እቲ ብሰኑይ ምሸት ዝወጸ መግለጺ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን "ብኩሉ ከባቢታት ዝጀመርዎ ቅሉዕ ውራር ኣጠናኺሮም ዝቐፀሉ ናብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣትዮም ኣለዉ" ክብል ገሊጹ ኣሎ።
ብዘይካዚ እቲ መግለጺ “ሰራዊት ትግራይ ሓያል ናይ ሞትን ሕየትን ርብርብ ይቕፅል ኣሎ ኩሉ ትግራዋይ ብፅንዓት ክምክት ይግባእ።” ኢሉ።
ኣቐድም ኣቢሉ ኣብቲ መዓልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን" እታ ሃገር ንምውሓስ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከብ መዓርፎታት ነፈርቲ ንምቁጽጻር ዕላማ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብዚ ቕነ ብጻዕቂ ብሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ናይ ወጻኢ ሓይሊታት እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ኢሉ፡ ኩሎም ወገናት ተኹሲ ደው ኣቢሎም ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ናብ ዘተ ክኣትዉ ብቐጻሊ ክጽውዑ ቀኒዮም ኣለዉ።
ሎሚ ናይ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒ ጉተረዝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ እቲ ኩነታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ይኸውን ከምዘሎን ሓይልታት ኤርትራ ካብቲ ኲናት ብህጹጽ ክወጹን ካብ ኢትዮጵያ ክስሕቡን ዘጠቓልል ተጻብኦታት ብኡ ንብኡ ደው ክብል ጸዊዑ ኢሉ። ብዘይካዚ ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ገደብ ናብ ትግራይን ኣምሓራን ዓፋርን ክኣቱ ጸዊዑ።
እቲ ክልተ ወርሑ ክገብር ቀሪቡ ዘሎ ኲናት ኣብ ትግራይ ብ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራትን ሰላማዊያን ሰባትን ቀዚፉ ከምዘሎ ይግመት። ነቲ ኩነታት ብጭቡጥ ንምግምጋም ግና ብነጻ ኣካል እቲ ዝኸውን ዘሎ ዛጊት ክፍለጥ ኣይከኣልን ዘሎ።