ከተማ ሽረን ካልኦት ከባቢታትን ብሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ከምዝተታሕዛ ተፈሊጡ።

Capture.JPG

Credit: AAP

ኮማንድ ፖስት ትግራይ ኣብዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ዝኾኑ ሓይልታትን ናብ ከተማ ሽረ ከምዝኣተዉ ኣረጋጊጹ።

እቲ ብሰኑይ ምሸት ዝወጸ መግለጺ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን "ብኩሉ ከባቢታት ዝጀመርዎ ቅሉዕ ውራር ኣጠናኺሮም ዝቐፀሉ ናብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣትዮም ኣለዉ" ክብል ገሊጹ ኣሎ።

ብዘይካዚ እቲ መግለጺ “ሰራዊት ትግራይ ሓያል ናይ ሞትን ሕየትን ርብርብ ይቕፅል ኣሎ ኩሉ ትግራዋይ ብፅንዓት ክምክት ይግባእ።” ኢሉ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብቲ መዓልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን" እታ ሃገር ንምውሓስ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከብ መዓርፎታት ነፈርቲ ንምቁጽጻር ዕላማ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ነይሩ። 

ኣብዚ ቕነ ብጻዕቂ ብሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ናይ ወጻኢ ሓይሊታት እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ኢሉ፡ ኩሎም ወገናት ተኹሲ ደው ኣቢሎም ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ናብ ዘተ ክኣትዉ ብቐጻሊ ክጽውዑ ቀኒዮም ኣለዉ።

ሎሚ ናይ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒ ጉተረዝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ እቲ ኩነታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ይኸውን ከምዘሎን ሓይልታት ኤርትራ ካብቲ ኲናት ብህጹጽ ክወጹን ካብ ኢትዮጵያ ክስሕቡን ዘጠቓልል ተጻብኦታት ብኡ ንብኡ ደው ክብል ጸዊዑ ኢሉ። ብዘይካዚ ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ገደብ ናብ ትግራይን ኣምሓራን ዓፋርን ክኣቱ ጸዊዑ።

እቲ ክልተ ወርሑ ክገብር ቀሪቡ ዘሎ ኲናት ኣብ ትግራይ ብ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራትን ሰላማዊያን ሰባትን ቀዚፉ ከምዘሎ ይግመት። ነቲ ኩነታት ብጭቡጥ ንምግምጋም ግና ብነጻ ኣካል እቲ ዝኸውን ዘሎ ዛጊት ክፍለጥ ኣይከኣልን ዘሎ።

 



Share

Published

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service