SKIP TO MAIN CONTENT

"ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጃምላዊ ቅትለት ንምንታይ ከምተኣወጀ ንዓይ ንጹር ኣይኰነን"

ፓትርያርክ ኣቡነ ማትያስ ኣብቲ ብሞባይል ቴሌፎን ኣብዝተቐድሐ ቪድዮ ፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርዎ ናይ ጻዊዒት ፈተነ ከም እተዓፈነ ገሊጾም ።

Ethiopian Patriarch speaks on war in Tigray
Source: EBC

2 min read

Published


Skip to article content

ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ብጹእ ወ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ ማትያስ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ "ኣረሜናዊ፡ ተግባር" ብምባል ኮኒኖሞ።

ነዚ ንምዝራብ ብዙሕ ግዜ ፈቲኖም ከምዝተኸልኡን፡ ነቲ ዘልዉዎ ከቢድ ኩነታት "ዘለኹዎ ኩነታት ባዕለይ'የ ዝፈልጦ " ክብሉ ገሊጾም ኣለዉ።

እቶም ፓትርያርክ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ንህዝቢ ዝተገልጸ ቃሎም እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ፡" ንህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ "ኢሉ ዝግበር ከምዘሎ ከምዝ ኣምኑን ነዚ ፡ ንተግባራት ብትሪ ከምዝነቅፍዎ ኤ ፍ ፒ ኣብ ዘውጽ ኦ ጸብጻብ ገሊጹ።

ፓትርያርክ ኣቡነ ማትያስ ኣብቲ ብሞባይል ቴሌፎን ኣብዝተቐድሐ ቪድዮ ፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርዎ ናይ ጻዊዒት ፈተነ ከም እተዓፈነ ገሊጾም ።

እታ ተፍንያ ዘላ ቪድዮ ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭት ሽዱሽተ ወርሒ ድሕሪ ምቑጻሩዩ። ኣብ መንጎ ሓይልታት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዉግእ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ ። ብዙሓት መሰኻኽር ን ጸብጻባትን፡ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ዒላማ ከም ዝዀኑ ገሊጾም ኣለዉ ።

ኣቡነ ማትያስ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጃምላዊ ቅትለት ንምንታይ ከምተኣወጀ ንዓይ ንጹር ኣይኰነን" ክብሉ ኣብቲ ብኣምሓርኛ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ይገልጽ። ንሶም ኣብ ልዕሊ አብያተ-ክርስትያናት ዝተፈጸመ ዕንወት ፣ ጃምላዊ ቅትለት ፣ ግዱድ ጥምየትን ዘረፋን ዝኣመሰሉ ግፍዕታት ድማ ዘርዚሮም ። "እዚ ናይ ህዝቢ ትግራይ ጌጋ ኣይኰነን ። ብዘላ ዓለም ነዚ ክትፈልጣ ኣለዋ " ኢሎም።

"እዚ ክፉእ ወቕቲ እዚ ክሓልፍዩ " ዓለም ህጹጽ ምላሽ ክትህብ ድማ ጸዊዖም።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now