ሰራዊት ምክልኻል ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ወፍሪ ንኽጅምር ትእዛዝ ተዋሂቡ - ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ሰራዊት ምክልኻል ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ወፍሪ ንኽጅምር ትእዛዝ ከምዝተውሃቦ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

Prime Minister Abiy Ahmed of Ethiopia

Source: Getty Images

ኣዲስ ኣበባ ፣17 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ምዕራፍ ወፍሪ ንኽጅምር ትእዛዝ ከምዝተውሃቦ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።
 
“ኣብቲ ወፍሪ ንፁሃን ሰባት ከይጉድኡ ልዑል ጥንቃቐ ክንገብር ኢና፤ ብረሃፅ ህዝብና ዝተሰርሐት ከተማ መቐለ ዝኸፍአ ጉድኣት ከይበፅሓ ዝከኣል ኩሉ ክንገብር ኢና” ክብሉ ኣብዘውፅኡዎ መግለፂ ኣብሪሆም።
 
ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለፂ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦
 
“ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ወፍሪ ተጀሚሩ።
 
ዝተውሃበ ገደብ እዋን 72 ሰዓታት ተዛዚሙ፤ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተበፂሑ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተውሃበ 72 ሰዓታት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይን ሚሊሻታትን ኢዶም ንሰራዊት ምክልኻል ሂቦም ኢዮም።
 
ብዙሓት መናእሰይ ትግራይ እውን እኩይ ዕላማ ህወሓት ተረዲኦም ኢዶም ኣኪቦም ኢዮም። ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት እውን እንተኾነ ዝተወሰደ ውሳነ ሓላፍነት ዝስመዖ ህሊና ካብ ዘለዎ ፍጡር ትፅቢት ዝግበረሉ ውሳነ ኢዩ።
 
መንግስቲ ገደብ 72 ሰዓታት እንትህብ ቀንዲ ዕላምኡ ክለተ ኢዩ ነይሩ።
 
ቀዳማይ፦ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እምበር ኲናት ከምዘይኮነ ምግላፅ፤ ገበነኛ ጁንታ ህወሓት ብሰላም ኢዱ ክህብ እንተኽኢሉ እቲ ወፍሪ ብምዝዛም ብትሑት ዋጋ ሕጊ ምኽባር ይከኣል ኢዩ ኢሉ የኣምን፤ ነዚ እንተበሃል ድማ ተደጋጋሚ ዕድላት ሂቡ ነይሩ።
 
ካልኣይ ድማ፦ ደንጉዩ እውን እንተኾነ ዕላማ ትፍኣት ህወሓት ዝተረደኦ ዋላ ሓደ ሰብ እንተተረኺቡ ንዕኡ ንምትራፍ ኢዩ።
 
ንጁንታ ህወሓት ዝተኸፈተ ናይ መወዳእታ ሰላዊ በሪ ብምኽያት እብሪት እቲ ጁንታ ተዓፂዩ ኢዩ። ዕላማ ጥፍኣቶም ተገንዚቡ ንዝምለስ ሰብ በቲ ዝተኸፈተ ግና ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ትግራይ ኢዶም እናሃቡ ኣቲዮምሉ ኢዮም።
 
ሰራዊት ምክልኻልና ናይ መወዳእታን ሳልሳይን ወፍሪ ንኽፍፅም ትእዛዝ ተዋሂቡዎ ኣሎ። ኣብቲ ወፍሪ ንንፁሃን ሰባት ልዑል ጥንቃቐ ክንገብር ኢና፤ ብረሃፅ ህዝብና ዝተሃነፀት ከተማ መቐለ ዝኸፍአ ጉድኣት ከይረኽባ ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር ኢዩ።
 
ሓድጊታት፣ ኣቢያተ እምነት፣ ህዝቢ ዝግልገለሎም ነገራት፣ ትካላት ልምዓትን መንበሪ ኣባይቲን ዕላማ መጥቃዕቲ ከይኾኑ ኩሉ ዓይነት ጥንቃቐ ክግበር ኢዩ።
 
ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ዝነብር ህዝቢና ዕጥቁ ፈቲሑ ኣብ ገዝኡ ብምቕማጥ ካብ ወታደራዊ ዒላማታት ብምርሓቕ ኣድላዪ ጥንቃቐ ንኽገብር ፃውዒት ነቕርብ።
 
ብምኽንያት ውሑዳት ኣባላት ጁንታ ህወሓት ዝበፅ ጉድኣት ንምንካይ፥ ህዝቢ ኣባላት እቲ ጁንታ ኣሕሊፉ ብመሃብ ናይባዕሉ ኣስተዋፅኦ ንኽገብር ፃውዒት ነቕርብ።
 
ሰራዊት ምክልኻልና ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት፣ ሓድጊታት፣ ኣቢያተ እምነት፣ ትካላት ልምዓትን ንብረታትን ጉድኣት እንተየብፀሐ ነቲ ጁንታ ናብ ሕጊ ዘቕርበሉ ጥንቃቐ ዝተመልኦ ወፍሪ ከምዝሓንፀፀ ከነረጋግፀልኩም ንፈቱ።”

Share

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service