ቅድሚ ክልተ ዓመት ብኣብያ ህዝቢ እቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝመርሖ ኢህወደግ መንግስቲ ተቐይሩ፡ ካብ ዉሽጢ እቲ ዉድብ ብዝወጹ ብጉጅለ ለማ ብዝብል ምንቅስቓስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ ክሳብ ምርጫ ንክልተ ዓመት ንኢትዮጵያ ክመርሓ ስልጣን ጨቢጡ። እቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ነቲ ዝጸንሐ ብሄር ምርኩስ ዝገበረ ኣወዳድባ ሰልፊታት እቲ ውድብ ናብ ሓደ ሃገራዊ ዉድብ ቀይሩ ‘ብልጽግና’ ዝበሃል ሰልፊ ቀይርዎ። እቲ ነቶም ናይቲ ኢህወደግ ኣርባዕተ ዉድባት ዝመስረተን ብዓብላልነት ክመርሕ ዝጸንሐ ህወሓት ካብቲ ሓዲሽ ዝተመስረተ ሰልፊ ብልጽግና ኣይሕወስን ኢሉ ገዛእ ርእሱ ኣግሊሉ፡ ክሳብ ምርጫ ዝመጽእ ንትግራይ እናመሓደረ ክኸይድ ጸኒሑ። ኣብዚ ወሳኒ ናይ ምርጫ እዋን፡ ኮሮና ቫይረስ ብምኽሳቱ ሃገራዊ መረጻ ንኻልእ እዋን ክሰጋገር ምዃኑ ኮሚሽን መረጻ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ነታ ሃገር ክመርሕ ዝጸንሐ ሰልፊ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ዘመን ስልጣኑ ብኻልእ ዝተመርጸ ሰልፊ ወይ ሰልፊታት እንተዘይተተኪኡ ወይ ባዕሉ እንተዘይተመሪጹ መሪሕነቱ ክቕጽል ኣይፍቀደሉን። ብድሕርዚ እዋን ስልጣን ከምዘይብሉ ተሓጊጉ እዩ። ኮሮና ቫይረስ ምኽንያት ተጌሩ ሰልፊ ብምጽግና ነቲ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝብሎ ሰጊሩ ብኸመይ መሪሕነቱ ከምዝቕጽል መገዲታት ሃሰው ኣብ ምባል ይርከብ። ብኻልእ ወገን እቲ ኣብ ትግራይ ተሓጺሩ ዝርከብ እንተኾነ ምስ ምሉእ ሓይሉ ኣሎ ዝበሃል ህወሓት፡ ሰልፊ ብልጽግና ድሕሪ ወርሒ መስከረም ንኢትዮጵያ ክመርሕ ስልጣን የብሉን ይብል ኣሎ። ኮሚቴ ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት ንሰለስተ መዓልቲ ኣብዝገበሮ ኣኼባ ነዚ ኣነጺሩ ኣሎ።
ኮሚቴ ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት ካብ ማዝያ 23 ክሳብ 25/ 2012 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ክልል ትግራይን፣ ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምዕብሉ ዘለዉ ፖለቲካዊ ጉዳያት ብምምርማር ናይ ውሳነ ሓሳባት ኣሕሊፉ ኣሎ።
ኮሚቴ ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት ኣብቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣኼብኡ ካብ ዝተመያየጠሎም ዛዕባታት እቲ ቀንዲ፣ “ብብርኪ ሃገር ‘ብልፅግና ኢሉ ንባዕሉ ዝሰየመ’ ኣካል ብብርኪ ሃገር እናተኻየደ መፂኡ ሕዚ ኣብ መወዳእታ ደረጃ ዝበፅሐ ሕገ መንግስቲዊ ስርዓት ናይ ምፍራስ ወፍሪ ብዝምልከት ዝለዓለ ትኹረት ዝተወሃቦ ርእሰ ጉዳይ ነይሩ። ኮሚቴ ፈፃሚት ስራሕ ብዝርዝር ተመያይጡ ከምዘቐመጦ ብልፅግና ዝተባህለ ፓርቲ ካብ ፈለምኡ እውን እንተኾነ መረፃ ንምክያድ ድሌት ስለዘይነበሮ፣ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምውሳድ ብሓደ ውልቀመላኺ ዝምራሕ ስርዓት ንምትካል ካብ ሕገ መንግስቲ ወፃእ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝተጀመረ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ቀፂልሉ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ከምዝተራእየ፣ ናይ ፓርቲታት ሓሳብ ንምስማዕ ብዝብል ምኽንያት ኣብ ዝተፀወዐ መድረኽ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተወደአ ዝበልዎ ሓሳብ ከቕርቡ ዝተጀመረ ሽርሒ መወዳእታ ክፍሊ እንታይ ክመስል ከምዝኽእል ብግልፂ ኣመላኺቱ’ዩ።” ክብል ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።
ኮሚቴ ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት “ቀዳማይ ሚኒስትር እዛ ሃገር ካብ ሕጊ ወፃኢ ኣብ ስልጣን ንምቕፃል ዘለዎም ግልፂ ድሌት ዘርአይሉ መድረኽ ኮይኑ፣ ንዑኡ ስዒቡ ድማ ብብርኪ ፓርላማ ዝተጀመረን ሕጊ ብዘይ ኣግባብ ብምትርጓም ናይ ብልፅግና ዘይሕጋዊ ዕድመ ስልጣን ናይ ምንዋሕ ምንቅስቓስ ፈፂሙ ተቐባልነት ከምዘይብሉ” ኣስሚርሉ፡፡
ኮሚቴ ፈፃሚት ስራሕ ህወት “በቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል ዝተጀመረ ሕገ መንግስቲ ምትርጓም ብዝብል ሽርሒ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናይ ምፍራስ መወዳእታ ምዕራፍ ከምዝተበፅሐ ግልፂ ኮይኑ ኣሎ፡፡” ብምባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት እዞም ዝስዕቡ ውሳነታት ኣሕሊፉ ኣሎ፡፡
1. ብልፅግና ሕገ መንግስቲ ንምትርጓም ብዝብል ምኽንያት ጋህዲ ዝወፀ ምንቅስቓስ ብቑልጠፍ ደው ክብል፤ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ዘድሊ ብመሰረት እቲ ስርዓት ሕገ መንግስቲ ኣብ ዘቐመጦ ግልፂ መለክዒ ኮይንካ መሸማይቲ ኮኖም ኣብ ዝተረኸቡ ዓንቀፃት ዝግበር እምበር ናይ ሓደ ኣካል ዕድመ ስልጣን ንምንዋሕ ተባሂሉ ካብቲ ስርዓተ ሕገ መንግስቲ ወፃኢ ከይድካ ዝትርጎም ክኸውን ኣይኽእልን፡፡ ብምዃኑ እውን ነዚ ሕገ መንግስቲ ሙሉእ ንሙሉእ ንምፍራስ ዝግበር ዘሎ ጉያ ብቑልጡፍ ደው ኢሉ፤ ሕዚ እውን ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ብዝተዋደደ መንገዲ ንምክልኻል ኮነ ሃገራዊ መረፃ፣ ኣብ ክሊ ስርዓት ሕገ መንግስትና ዝፈቕዶ ኮይና ንምግባር ኣብ ዝክኣለሎም መንገድታት ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ብናይ በዓል ዋናነት መንፈስ ክሳተፉ ብምግባር ሃገር ካብ ግልፂ ናይ ጥፍኣት ሓደጋ ንምድሓን ሃገራዊ መድረኽ ክመቻቾ ይፅውዕ፡፡
2. ከምዚ ዝበለ መድረኽ ኣድላዪ ምዃኑ ግልፂ ኮይኑ፣ ነፃን ግልፅን መረፃ ከፈፅም ዘኽእል ዝተፈለየ ኣወዳድባ ናይ ምፍጣር ኣድላይነት ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ፣ ሉኣላዊነት ሃገርን ሰላምን ንምኽባር ከምኡ እውን ኮረና ንምክልኻል ኣድላዪን እኹልን ትኹረት ብዝሃበ መልክዑ መረፃ ንምስላጥ ዘኽእል ምድላው ክጅመር ፃውዒቱ የቕርብ፡፡
3. እዚ እንተይኮነ ተሪፉ ቀደሙ እውን ሕጋዊ ገዛኢ ፓርቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣፍሪሱ ንባዕሉ ከም ወራሲ ዘቐመጠ ኣካል ድሕሪ መስከረም 25 ኣብ ስልጣን ከፅንሖ ዝኽእል ዋላ ፀቢብ ዕድል እውን እንተኾነ ዘየለ ስለዝኾነ ፀገም ሃገር ንምፍታሕ ናብ ዝኸብድ ኩነታት እትኣትወሉ ምፍጣሩ ዘይቐሪ ይኸውን፡፡ ህወሓት ከምዚ ዓይነት ኩነታት ክፈጥሮ ዝኽእል ህውከት ንምእላይ ኣብ ዝግበሩ ሃገራዊ ፃዕሪታት ውሽጢ ብፅሒቱ ብቕንዕና ንምፅዋት ድልው እንተኾነ እኳ ህዝቢ ትግራይ ብምስዋእትነቱ ዝተኸሎ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ዝተረጋፀሉ መሰል ዓርሰ ምሕደራ ከም ብዋዛ ክድርበየሉ ኣይፈቅድን፡፡ ነዚ እንትበሃል ምስ ህዝቢ ትግራይን ንህዝቢ ትግራይ ዓርሰ ምሕደራ ምሉእ ኣፍልጦ ምስ ዝህቡ ሓይልታት ፖለቲካ ብምዃን ክልላዊ መረፃ ሓዊሱ እዚ መሰል ህዝብና ካብ ሕምስምስ ንምድሓን ዘኽእሉ ስራሕቲ ብብርኪ ክልል ንምስራሕ ምድላው ክግበር ወሲኑ ኣሎ፡፡ እዚ ምንቅስቓስ ወፍሪ ፀረ ኮረና ከምኡ እውን ተቐባልነት ዘለዎም መትከላት ሕገ መንግስቲ ብዘማልአ መልክዑ ዝፍፀም ይኸውን፡፡
4. ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣባላት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ንህልውነኦም ዘረጋገፀ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ፀሓይ ቀትሪ ንምፍራስ ዝግበር እከይ ተግባር ደው ከብሉ ካብ ናይ ታሪኽ ተሓታትነት ንባዕሎም ከርሕቑ በዚ ኣጋጣሚ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ፃውዒቱ የቕርብ፡፡
5. ኣብ መወዳእታ ህወሓት ኮነ ህዝቢ ትግራይ ስርዓት ሕገ መንግስትና ዘረጋገፆ ሕብረ ብሄራዊ ፌዴራላዊ ስርዓት ንምድሓን ኣብ ዝግበር ምርብራብ ከምዚኦም ዝበሉ ኣጀንዳታት ምስ ዘሰጉሙ ብሄር ብሄረሰባት ኮነ ሓይልታት ፖለቲካ ኮይንካ ንምቅላስ ድልዋት ምዃንና ሕዚ እውን ደጊምና ክነረጋግፀልኩም ንደሊ፡፡
ቤት ፅሕፈት ማእኽላይ ኮሚቴ ህወሓት
ብኻልእ ወገን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ መረጻ ዘናውሕ ውሳኔ ከሕልፍ ሎሚ ክእከብ እዩ።
ኣብ ትግራይ ዝነጥፍ ሰልፊ ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲን ሉኣላውነትን ከምኡውን ኮንግረስ ፌዴራሊስት ኦሮሞን ዝርከቡዎም 7 ውድባት ፖለቲካ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምርጫ ንምንዋሕ ኮነ ሕገ መንግስቲ ንምምሕያሽ ዝገብሮ ዘሎ ምሽብሻብ ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ መሰረት የብሉን ኢሎም ተቓዊሞም ኣለዉ፣ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ስምምዓት ክፍረሙ ድማ ጸዊዖም።

