ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ የካይዱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ደብዳብ ነፈርትን መሬትን እናበርትዐ ይኸይድ ከምዘሎ ኣፈኛ ህወሓት ይገልጽ ።

News

Source: AAP

ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓገዝቱ ዝኾኑ ሓይልታት ን ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ኣምሓራ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ጽዑቕ ናይ ኣየርን መሬትን ስርሒታት የካይዱ ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ ኣለዉ።

እቲ ደብዳብ ብሓሙስን ዓርብን ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኣምሓራ ከምዝተፈጸመ ዝገለጹ ናይ ሰብኣዊ ረዲኤት ምንጭታት ንማዕከናት ዜና AFP ከምዝሓበርዎን ፣ ሓይልታት መንግስቲ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዘካይድዎ ዘለዉ ኲናት ከቢድ ድፍኢት እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ'ዩ ተገሊጹ ።

ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንAFP ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኣብ ልዕሊ ሓይሊታት ትግራይ ዓቢ ድፍኢት ይገብሩ ኣለዉ።"

ጌታቸው ረዳ ከምዝገለጾ " ዝበዝሕ ናይ ኣየር ፣ ነፈርትን መዳፍዕን ደብዳብ" ከም ዝነበረ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜን ጎንደርን ሰሜን ወሎን ሓዊሱ "ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁፀሩ ጠፊኦም እዮም" ብምባል ብኽልቲኡ ወገን ዓቢ ናይ ሰራዊት ምትእኽኻብ ከምዝጸንሐ ሓቢሩ።

ጌታቸው ብፍሉይ ንማዕከናት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ናይ ኣየር ነፈርትን ኣብ ከባቢ ሰለስተ ቦታታት ዝተኮረ እዩ: - ኣብ ጥቓ ከተማታት ወርጌሳ: ወገል ጤና ከምኡውን ኣብቲ ንክልል ዓፋር ምስ ኣምሓራ ዘራኽብ መንገዲ ። ሓደ ዲፕሎማስያዊ ምንጪ ንሮይተርስ ከም ዘረጋገጾ ድማ፡ ኣብ ጥቓ ወርጌሳ ደብዳብ ነፈርቲ ተኻይዱ ነይሩ እዩ ።

ጌታቸው "ኣብ ኵሉ ግንባራትን ካልእን መጥቃዕቲ ከም እነፍሽል ርግጸኛታት ኢና" በለ ። "እቲ ናይ ትግራይ ከበባ ኽሳዕ ዚልዓል ፡ ኣብ ድፋዕና ደው ክንብል ኢና ።" ኢሉ

ካብ ሰብ መዚ ኣምሓራን ካብ ፈደራልን ወተሃደራውያን ሰበ ስልጣናትን ፡ ብዛዕባ እቲ ዝተገልጸ ወተሃደራዊ ስርሒታት ርእይቶ ክህቡ ካብ ማዕከናት ዜና ንዝቐረበሎም ጠለብ መልሲ ኣይሃቡን ፣ ብነጻ ኣካልውን ክረጋገጽ ኣይከኣለን ።

እቲ ጸብጻብ ዝመጽእ ዘሎ ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብሰኑይ ከም ብሓድሽ ን ሓሙሽተ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝኸውን ቃለ-ማሕላ ድሕሪ ምሃቡ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት እዩ ፣ ብዛዕባ እቲ ግጭትን ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣህጉራዊ ነቐፌታ እኳ እንተ ቀረበሉ ፡ "ናይ ኢትዮጵያ ክብረት" ከም ዝሕሉን ከም ዝጣበቕን ቃል ኣትዩ ።


Share

Published

Source: Al-Jazeera, Reuters - SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service