ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓገዝቱ ዝኾኑ ሓይልታት ን ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ኣምሓራ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ጽዑቕ ናይ ኣየርን መሬትን ስርሒታት የካይዱ ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ ኣለዉ።
እቲ ደብዳብ ብሓሙስን ዓርብን ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኣምሓራ ከምዝተፈጸመ ዝገለጹ ናይ ሰብኣዊ ረዲኤት ምንጭታት ንማዕከናት ዜና AFP ከምዝሓበርዎን ፣ ሓይልታት መንግስቲ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዘካይድዎ ዘለዉ ኲናት ከቢድ ድፍኢት እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ'ዩ ተገሊጹ ።
ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንAFP ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኣብ ልዕሊ ሓይሊታት ትግራይ ዓቢ ድፍኢት ይገብሩ ኣለዉ።"
ጌታቸው ረዳ ከምዝገለጾ " ዝበዝሕ ናይ ኣየር ፣ ነፈርትን መዳፍዕን ደብዳብ" ከም ዝነበረ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜን ጎንደርን ሰሜን ወሎን ሓዊሱ "ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁፀሩ ጠፊኦም እዮም" ብምባል ብኽልቲኡ ወገን ዓቢ ናይ ሰራዊት ምትእኽኻብ ከምዝጸንሐ ሓቢሩ።
ጌታቸው ብፍሉይ ንማዕከናት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ናይ ኣየር ነፈርትን ኣብ ከባቢ ሰለስተ ቦታታት ዝተኮረ እዩ: - ኣብ ጥቓ ከተማታት ወርጌሳ: ወገል ጤና ከምኡውን ኣብቲ ንክልል ዓፋር ምስ ኣምሓራ ዘራኽብ መንገዲ ። ሓደ ዲፕሎማስያዊ ምንጪ ንሮይተርስ ከም ዘረጋገጾ ድማ፡ ኣብ ጥቓ ወርጌሳ ደብዳብ ነፈርቲ ተኻይዱ ነይሩ እዩ ።
ጌታቸው "ኣብ ኵሉ ግንባራትን ካልእን መጥቃዕቲ ከም እነፍሽል ርግጸኛታት ኢና" በለ ። "እቲ ናይ ትግራይ ከበባ ኽሳዕ ዚልዓል ፡ ኣብ ድፋዕና ደው ክንብል ኢና ።" ኢሉ
ካብ ሰብ መዚ ኣምሓራን ካብ ፈደራልን ወተሃደራውያን ሰበ ስልጣናትን ፡ ብዛዕባ እቲ ዝተገልጸ ወተሃደራዊ ስርሒታት ርእይቶ ክህቡ ካብ ማዕከናት ዜና ንዝቐረበሎም ጠለብ መልሲ ኣይሃቡን ፣ ብነጻ ኣካልውን ክረጋገጽ ኣይከኣለን ።
እቲ ጸብጻብ ዝመጽእ ዘሎ ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብሰኑይ ከም ብሓድሽ ን ሓሙሽተ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝኸውን ቃለ-ማሕላ ድሕሪ ምሃቡ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት እዩ ፣ ብዛዕባ እቲ ግጭትን ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣህጉራዊ ነቐፌታ እኳ እንተ ቀረበሉ ፡ "ናይ ኢትዮጵያ ክብረት" ከም ዝሕሉን ከም ዝጣበቕን ቃል ኣትዩ ።