SKIP TO MAIN CONTENT

“ብብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዝምራሕ ሃ/ድሕነት ኤርትራ ብኸቢድ ሰብኣዊ መሰላት ተሓታቲ’ዩ።” ክብል ሕብረት ኣውሮጳ ከሲሱ፡ ኤርትራ ነቲ ክሲ ነጺጋቶ።

"ኤውሮጳዊ ሕብረት እቲ ዝወሰዶ ውሳነ ሕጋዊ ወይ ስነ-ምግባራዊ ባይታ የብሉን። ንኤርትራ ብኻልእ ዘይረብሕ ምኽንያት ንምጽቃጥ ዝቐርብ ዘሎ ናይ ክስታት መቓልሕ እዩ።" ኤርትራ

EU Sanctioned Eritrea
Source: EU

1 min read

Published


Skip to article content

ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ- ዘይሕጋዊ ምርሻንን፡ ምስዋርን ስቅያትን ፈጺሙ ብምባል ሕብረት ኣውሮጳ ትማሊ 22 መጋቢት ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ከሲሱ። ኣብ ዝተወሰኑ ሰብ መዚ ኤርትራ ድማ እገዳ ከምዘንበረሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እዚ ናይ ሕብረት ኣውሮጵ ክሲ ምስ ቀረበ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መልሲ ሂብሉ ኣሎ። "ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ዘሕለፎ ውሳነ ክወስድ ሕጋውን ሞራላውን ስልጣን የብሉን" ብ ምባል እቲ ክሲ "ንካልእ  ዕላማ ተባሂሉ ንኤርትራ ንምስርጣይ ኣብ ዝተሰንዐ ክስታት ተሞርኲሱ ዝተወስደ ስጉምቲ’ዩ"  ክብል ነጺግዎ።

እቲ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ መግለጺ ብተወሳኺ፡ እቶም እዚ ክሲ ዝምልከቶም ዉልቀሰባት ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ዘለዎም ሃብቲ ክድስክል ምዃኑ ይሕብር።

"ሕብረት ኣውሮጳ ነዞም ዝተጠቕሱ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝኾነ ገንዘብ ከይህብ ተኸልኪሉ ኣሎ።" ኢሉ።

 

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብወገኑ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ “ነቲ ዝፈረሰ ጉጅለ ህወሓት ንምድሓንን ናብ ስልጣን ንምምላስን ናብ ስልጣን ንምምላስ”፡ "ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጽልኢ" ክፈጥር ይፍትን ኣሎ ብምባል ይኸስስ።

ሕብረት ኣውሮጳ  ነቲ ኣብ ትግራይ ኣትዩ፡ “ከቢድ ግፍዕታት” ከምዝፈጸመ ዝኽስሶ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ትግራይ ክወጽእ ጸዊዑ ኔርይ’ዩ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now