“ብብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዝምራሕ ሃ/ድሕነት ኤርትራ ብኸቢድ ሰብኣዊ መሰላት ተሓታቲ’ዩ።” ክብል ሕብረት ኣውሮጳ ከሲሱ፡ ኤርትራ ነቲ ክሲ ነጺጋቶ።

"ኤውሮጳዊ ሕብረት እቲ ዝወሰዶ ውሳነ ሕጋዊ ወይ ስነ-ምግባራዊ ባይታ የብሉን። ንኤርትራ ብኻልእ ዘይረብሕ ምኽንያት ንምጽቃጥ ዝቐርብ ዘሎ ናይ ክስታት መቓልሕ እዩ።" ኤርትራ

EU Sanctioned Eritrea

Source: EU

ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ- ዘይሕጋዊ ምርሻንን፡ ምስዋርን ስቅያትን ፈጺሙ ብምባል ሕብረት ኣውሮጳ ትማሊ 22 መጋቢት ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ከሲሱ። ኣብ ዝተወሰኑ ሰብ መዚ ኤርትራ ድማ እገዳ ከምዘንበረሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እዚ ናይ ሕብረት ኣውሮጵ ክሲ ምስ ቀረበ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መልሲ ሂብሉ ኣሎ። "ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ዘሕለፎ ውሳነ ክወስድ ሕጋውን ሞራላውን ስልጣን የብሉን" ብ ምባል እቲ ክሲ "ንካልእ  ዕላማ ተባሂሉ ንኤርትራ ንምስርጣይ ኣብ ዝተሰንዐ ክስታት ተሞርኲሱ ዝተወስደ ስጉምቲ’ዩ"  ክብል ነጺግዎ።

እቲ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ መግለጺ ብተወሳኺ፡ እቶም እዚ ክሲ ዝምልከቶም ዉልቀሰባት ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ዘለዎም ሃብቲ ክድስክል ምዃኑ ይሕብር።

"ሕብረት ኣውሮጳ ነዞም ዝተጠቕሱ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝኾነ ገንዘብ ከይህብ ተኸልኪሉ ኣሎ።" ኢሉ።

 

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብወገኑ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ “ነቲ ዝፈረሰ ጉጅለ ህወሓት ንምድሓንን ናብ ስልጣን ንምምላስን ናብ ስልጣን ንምምላስ”፡ "ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጽልኢ" ክፈጥር ይፍትን ኣሎ ብምባል ይኸስስ።

ሕብረት ኣውሮጳ  ነቲ ኣብ ትግራይ ኣትዩ፡ “ከቢድ ግፍዕታት” ከምዝፈጸመ ዝኽስሶ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ትግራይ ክወጽእ ጸዊዑ ኔርይ’ዩ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
“ብብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዝምራሕ ሃ/ድሕነት ኤርትራ ብኸቢድ ሰብኣዊ መሰላት ተሓታቲ’ዩ።” ክብል ሕብረት ኣውሮጳ ከሲሱ፡ ኤርትራ ነቲ ክሲ ነጺጋቶ። | SBS Tigrinya