ንዳድ ሓዊ ኣውሮጳ: ኣብ መዝገብ ዓለም ቅድሚ ሕጂ ዘይተመዝገበ መጠን ሙቐት ህይወት ቆልዓ ከይተረፈ ኣሕሊፉ ኣሎ።

ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ፈረንሳ ፡ ኢጣልያ ፡ ስጳኛን ሃገራት ባልካንን ብሰንኪ ብርቱዕ ሙቐት ኣብ ከቢድ ተጠንቀቕ ኣትየን ኣለዋ።

People battling a bushfire

Firefighters have been battling a fire in the Vila Real area in north Portugal for 10 days. Source: EPA / Pedro Sarmento Costa

ኣብ ደቡባዊ ኣውሮጳ ብርቱዕ ሃሩር ኣብ ዘለወሉ እዋን ፡ ሓደ ቈልዓን ሰለስተ ሰብኡትን ሞይቶም እዮም ፣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከኣ ካብ ኣባይቶም ክወጹ ተገዲዶም ኣለዉ ።

ሳድሪኒያ ኣብ እትብሃል ደሴት ሓደ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ሮማንያዊ ፡ ብሰኑይ ኣብ ኢጣልያ ፡ ኣብ ማኪና ስድራ ቤቱ ከሎ ሃለዋቱ ድሕሪ ምጥፋእ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ሞይቱ ።
ሰሉስ ፡ ሓደ ኣብ ስጳንኛ ኣብ ዝርከብ ማእከል ኣፍራስ ዝዓዪ ሰራሕተኛ ፡ ካብ ማድሪድ ናብ ሰሜን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ብዘጋጠሞ መጉዳእቲ ከም ዝሞተ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም ፣ ኣፍራስ ከድሕን ከም ዝፈተነ እውን ተፈሊጡ እዩ ።
ጸኒሑ ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ስጳኛ ኣብ እትርከብ ካስቲልን ሊዮንን ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ፡ ምስ ሓዊ እናተቓለሰ ከሎ ካልእ ሰብኣይ ከም እተቐትለ ኣረጋጊጾም ።
ኣብ ሞንተኔግሮ እውን ሓደ ወተሃደር ሞይቱ ኣሎ ፣ ሓደ ካልእ ሰብ ከኣ ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ፖድጎሪኻ ብሸነኽ ሰሜን ኣብ ዝርከብ ጎቦታት ኣንጻር ሓዊ እናተቓለሰ ከሎ ፡ ቦጥ ማዮም ምስ ተገልበጠት ፡ ከቢድ ጕድኣት ወረዶ ።

'ኣዚዩ ዝሞቐ ዓለም'

ኣብ ኢጣልያ ፡ ፈረንሳ ፡ ስጳኛ ፡ ፖርቱጋልን ሃገራት ባልካንን ፡ ሙቐት ካብ 40 ሲ.ሲ ንላዕሊ ከም ዝኸውን ዝሕብር መጠንቀቕታ ዝተዋህበ ኮይኑ ፣ እቲ ሙቐት ከኣ ካልእ ምልክት ለውጢ ክሊማ ከም ዝዀነ ፡ እዚ ድማ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ፡ እናበርትዐ ዝኸይድ ዘሎ ብርቱዕ ሙቐት ምዃኑ ክኢላታት ይዛረቡ ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሪዲንግ ደፓርትመንት ሜትሮሎጂ ዝዓዪ ኣክሺይ ዶራስ ንማዕከን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ-ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ "ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ፡ ሕጂ ኣብ ኣዝዩ ምዉቕ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና" በለ ።

Tኣሻሓት ሰባት ገዝኦም ጠንጢኖም ክወጹ ተገዲዶም፡

ብኣማእታት ዝቝጸሩ ተቐማጦ እታ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ስጳኛ ማድሪድ እትርከብ ትረስ ካንቶስ ፡ ካብቲ ሰሉስ ንግሆ ዘጋጠመ ቅልጡፍ ባርዕ ክሃድሙ ተገዲዶም ኣለዉ ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ ፔድሮ ሳንቸዝ ኣብ ኤክስ ከም ዝገለጾ ፡ ካብ ኣገልግሎት ኣድሕን ፡ "ነቲ ሓዊ ንምጥፋእ ከይተሓለሉ ይጽዕሩ ኣለዉ ።" ኢሉ።
ኣብ ካልእ ቦታታት ፡ ኣብ ደቡባዊ ስጳኛ ኣብ ዝርከብ ኣንዳሉስያ ዝርከብ ህቡብ ገማግም ታሪፋ ፡ ኣስታት 2,000 ሰባት ካብ ሆቴላትን ኣባይትን ግዒዞም እዮም ።
ኣብ ካስቲል ን ሊዮንን ፡ ብዙሕ ባርዓት ከም እተዘርግሐ ፡ እዚ ነቲ ኣብ መዝገብ ውርሻ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ዝርከብ በቲ ጥንታዊ መዐደኒ ወርቂ ሮማውያን ዝፍለጥ ቦታ ዘስግእ ላስ ሜዱላስ ዝብሃል ቦታ ዘጠቓልል ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ ።
ኣብ ጎረቤት ሃገር ፖርቱጋል ፡ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ምስ ሰለስተ ዓበይቲ መጥፍኢታት በረኻ ይቃለሱ ኣለዉ ፣ ኣብ ማእከል እታ ሃገር 700 መጥፋእቲ ሓዊ ተዋፊሮምሉ ኣብ ዝነበሩ ጥቓ ትራንኮሶ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ እውን ተገሊጹ ።


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.

Share

Published

Source: AFP

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ንዳድ ሓዊ ኣውሮጳ: ኣብ መዝገብ ዓለም ቅድሚ ሕጂ ዘይተመዝገበ መጠን ሙቐት ህይወት ቆልዓ ከይተረፈ ኣሕሊፉ ኣሎ። | SBS Tigrinya