"ፑቲን: ናይ ሰላም ሰብ'ዩ" ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ

News

Source: Getty Images

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ ፡ ንፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብምድጋፍ ፡ ን ፑቲን "ናይ ሰላም ሰብ" ክብል ገሊጽዎ ።

ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ከቢድ ማዕቀብ ገይረን እየን ፣ ገለ ካብኡ ፡ ሚስተር ፑቲን ንዩክረይን ብምውራሩ፡ ዝነበሮ ናይ ወጻኢ ንብረት ከም ዚድስክል ተጌሩ እዩ ።

ይኹን እምበር ፡ ሚስተር ዙማ ብመሰረት እቲ ናቱ ማዕከን ዘውጸኦ መግለጺ ፡ ውሳነ ሚስተር ፑቲን "ምኽንያታዊ እዩ" ኢሉ ።

"ኣብዛ ዓለም እዚኣ ሰላም የድልየና እዩ ። ስለዚ ፡ ህይወት ሰባት ምእንቲ ክድሕን ፡ ነቶም ሰላም ከስፍኑ ዝጽዕሩ ብቕልጡፍ ክሰርሑ ንደሊ ኢና "በለ ።

ሚስተር ዙማ ኣብ 2018 ፡ በቲ ናቱ ሰልፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ኮንግረስ (ANC) ፡ ብሰንኪ ናይ ብልሽውና ክሲ ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጌርዎ ። ንሱ ግና ንዝዀነ ይኹን ዝኽሰሰሉ ነገር ይኽሕድ ።


Share

Published

Updated

Source: BBC

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
"ፑቲን: ናይ ሰላም ሰብ'ዩ" ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ | SBS Tigrinya