SKIP TO MAIN CONTENT

"ፑቲን: ናይ ሰላም ሰብ'ዩ" ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ

News
Source: Getty Images

1 min read

Published

Updated

Source: BBC


Skip to article content

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ ፡ ንፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብምድጋፍ ፡ ን ፑቲን "ናይ ሰላም ሰብ" ክብል ገሊጽዎ ።

ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ከቢድ ማዕቀብ ገይረን እየን ፣ ገለ ካብኡ ፡ ሚስተር ፑቲን ንዩክረይን ብምውራሩ፡ ዝነበሮ ናይ ወጻኢ ንብረት ከም ዚድስክል ተጌሩ እዩ ።

ይኹን እምበር ፡ ሚስተር ዙማ ብመሰረት እቲ ናቱ ማዕከን ዘውጸኦ መግለጺ ፡ ውሳነ ሚስተር ፑቲን "ምኽንያታዊ እዩ" ኢሉ ።

"ኣብዛ ዓለም እዚኣ ሰላም የድልየና እዩ ። ስለዚ ፡ ህይወት ሰባት ምእንቲ ክድሕን ፡ ነቶም ሰላም ከስፍኑ ዝጽዕሩ ብቕልጡፍ ክሰርሑ ንደሊ ኢና "በለ ።

ሚስተር ዙማ ኣብ 2018 ፡ በቲ ናቱ ሰልፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ኮንግረስ (ANC) ፡ ብሰንኪ ናይ ብልሽውና ክሲ ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጌርዎ ። ንሱ ግና ንዝዀነ ይኹን ዝኽሰሰሉ ነገር ይኽሕድ ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now