Explainer

ኣብ ናይ ሚኒያፖሊስ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ቆልዑ 'ኣብ ልዕሊ ካቶሊክ ዒላማ ዝገበረ ገበን' FBI ይምርምሮ ኣሎ።

ኣብ ናይ ሚኒያፖሊስ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ቆልዑ 'ኣብ ልዕሊ ካቶሊክ ዒላማ ዝገበረ ገበን' FBI ይምርምሮ ኣሎ።

A woman holds a young child in her arms while other parents stand nearby, comforting their children, who appear distressed.

Police said the shooter fired through church windows before killing himself. Source: AP / Alex Kormann

ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ትምህርቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዳሴ ዝሰምዑ ኣብ ዝነበሩ ተመሃሮ ናይ ሚኒያፖሊስ ቤት ትምህርቲ ካቶሊክ ብዝተፈነወ ኣድራጋ ጠያይት ክልተ ቖልዑ ክቕተሉ'ከለዉ 17 ካልኦት ቆሲሎም።

ኣብ ሚኒሶታ ኣብ ሓደ ቤት-ትምህርቲ ዝተገብረ ተኹሲ ይምርምሩ F-B-I ከምዘሎ ገሊጹ ፤ኣብቲ ምትዃስ ክልተ ቆልዑ ሞይቶም ፤ 17 ካልኦት ድማ ቆሲሎም ፤ እዚ ተግባር ናይ ዘቤታዊ ግብረ-ሽበራ ኮይኑ ንካቶሊካውያን ዒላማ ዝገበረ ናይ ጽልኢ ገበንን እዩ ።
እቲ ተኳሲ ወዲ 23 ዓመት ተቐማጢ እቲ ከባቢ ዝዀነ ኣብ ሚንያፖሊስ ካቶሊክ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ቅዳሰ እናቐደሱ  ከለዉ እዩ ተዅሲ ኸፊቱ: ንሓደ ወዲ ሸሞንተ ዓመትን ንሓደ ወዲ 10 ዓመትን ቐቲልዎም ።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሆስፒታላት ን14 ቈልዑን ክልተ ዓበይቲን ይሕክማ ከም ዘለዋ ተገሊጹ ።
ሓላፊ ፖሊስ ሚኒያፖሊስ ብራያን ኦሃራ ከም ዝገለጾ ፡ እቲ ተግባር ጭካነን ዘሕዝን ተግባርን እዩ ኢሉ ።
"እቲ ተኳሲ : ጠበንጁን ፒስቶልን ሒዙ ነበረ ። እዚ ደይ መደይ ኢልካ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ቈልዑን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባትን ዝፍጸም እዩ። ቈልዑ ናብ ዝመልኣ ቤተ-ክርስትያን ምትኳስ ናይ ጭካነ ተግባር እዩ: ነዚ ፈጺምካ ክትርድኦ ኣይከኣልን እዩ."

ብዛዕባ ቐታሊ እንታይ ንፈልጥ

ብመሰረት መዛግብቲ ህዝቢ ፡ ነቲ ኣጥቃዓይ ሮቢን ዌስትማን ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ ፣ ንሱ ወዲ 23 ዓመት ተቐማጢ እቲ ከባቢ እዩ ነይሩ ። መዛግብቲ ቤት ፍርዲ ከም ዝሕብሮ ፡ ከም ጓል ኣንስተይቲ ክፍለጥ ምስ ጀመረ ስም ዌስትማን ብ2020 ካብ ሮበርት ዌስትማን ተቐይሩ እዩ ።
ሰበ-ስልጣን እቲ ተኳሲ ሰፊሕ ታሪኽ ገበን ከም ዘይብሉን ንምንታይ ከምኡ ከም ዝገበሩን ክፈልጡ ይጽዕሩ ከም ዘለዉን ገለጹ ።
ኣደ ዌስትማን ዝዀነት ሜሪ ዌስትማን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኣኑንሲየሺን ሓጋዚት ምምሕዳር ኰይና ከም ዝዓየየት ኣብ ህዝባዊ መዛግብቲ ተገሊጹ ነይሩ ።
How the attack unfolded
ሰበ-ስልጣን እቲ ተኳሲ ጠበንጃ: ጥይት: ሽጉጥ ተጠቒሙ ሓያሎ ዙራት ከም እተኮሰ ገሊጾም ።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሆስፒታላት ን14 ቈልዑን ክልተ ዓበይቲን ይሕክማኦም ከም ዘለዋ ሓበረን ኣለዋ።
ናይ ሓምሻይ ክፍሊ ተመሃራይ ዌስተን ሀልሰን ንሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ዓርኩ ንምክልኻል ኣብ ዝጽዕረሉ ዝነበረ እዋን ብጠያይት ከም እተሃርመ ገሊጹ ።

መልሰ ግብሪ ህዝቢ ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ

ከንቲባ ሚኒያፖሊስ ጃኮብ ፍሪ ኣብ ሓደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ከምዝገለጾ: - "ሕጂ ብዛዕባ ምስትንታንን ጸሎትን ጥራይ ኣይትዛረብ ። እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ቃል ብቓሉ ይጽልዩ እዮም ነይሮም ። ናይ መጀመርታ ሰሙን ትምህርቲ እያ ነይራ ። ኣብ ቤተ ክርስትያን እዮም ነይሮም "
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ንምልክት ሓዘን ሰንደቕ ዕላማ ኣመሪካ ኣብ መላእ ሃገር ትሒታ ክትስቀል ኣዚዙ ኣሎ ።
Flags lowered to half-mast on the White House roof.
Flags were lowered to half-mast at the White House for the victims of the shooting. Source: PA, ABACA / Pool



For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.

    Share

    Published

    Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
    Source: Reuters, AFP

    Share this with family and friends


    Follow SBS Tigrinya

    Download our apps
    SBS Audio
    SBS On Demand

    Listen to our podcasts
    Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
    Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
    Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

    Watch on SBS
    SBS World News

    SBS World News

    Take a global view with Australia's most comprehensive world news service