ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ትምህርቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዳሴ ዝሰምዑ ኣብ ዝነበሩ ተመሃሮ ናይ ሚኒያፖሊስ ቤት ትምህርቲ ካቶሊክ ብዝተፈነወ ኣድራጋ ጠያይት ክልተ ቖልዑ ክቕተሉ'ከለዉ 17 ካልኦት ቆሲሎም።
ኣብ ሚኒሶታ ኣብ ሓደ ቤት-ትምህርቲ ዝተገብረ ተኹሲ ይምርምሩ F-B-I ከምዘሎ ገሊጹ ፤ኣብቲ ምትዃስ ክልተ ቆልዑ ሞይቶም ፤ 17 ካልኦት ድማ ቆሲሎም ፤ እዚ ተግባር ናይ ዘቤታዊ ግብረ-ሽበራ ኮይኑ ንካቶሊካውያን ዒላማ ዝገበረ ናይ ጽልኢ ገበንን እዩ ።
እቲ ተኳሲ ወዲ 23 ዓመት ተቐማጢ እቲ ከባቢ ዝዀነ ኣብ ሚንያፖሊስ ካቶሊክ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ቅዳሰ እናቐደሱ ከለዉ እዩ ተዅሲ ኸፊቱ: ንሓደ ወዲ ሸሞንተ ዓመትን ንሓደ ወዲ 10 ዓመትን ቐቲልዎም ።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሆስፒታላት ን14 ቈልዑን ክልተ ዓበይቲን ይሕክማ ከም ዘለዋ ተገሊጹ ።
ሓላፊ ፖሊስ ሚኒያፖሊስ ብራያን ኦሃራ ከም ዝገለጾ ፡ እቲ ተግባር ጭካነን ዘሕዝን ተግባርን እዩ ኢሉ ።
"እቲ ተኳሲ : ጠበንጁን ፒስቶልን ሒዙ ነበረ ። እዚ ደይ መደይ ኢልካ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ቈልዑን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባትን ዝፍጸም እዩ። ቈልዑ ናብ ዝመልኣ ቤተ-ክርስትያን ምትኳስ ናይ ጭካነ ተግባር እዩ: ነዚ ፈጺምካ ክትርድኦ ኣይከኣልን እዩ."
ብዛዕባ ቐታሊ እንታይ ንፈልጥ
ብመሰረት መዛግብቲ ህዝቢ ፡ ነቲ ኣጥቃዓይ ሮቢን ዌስትማን ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ ፣ ንሱ ወዲ 23 ዓመት ተቐማጢ እቲ ከባቢ እዩ ነይሩ ። መዛግብቲ ቤት ፍርዲ ከም ዝሕብሮ ፡ ከም ጓል ኣንስተይቲ ክፍለጥ ምስ ጀመረ ስም ዌስትማን ብ2020 ካብ ሮበርት ዌስትማን ተቐይሩ እዩ ።
ሰበ-ስልጣን እቲ ተኳሲ ሰፊሕ ታሪኽ ገበን ከም ዘይብሉን ንምንታይ ከምኡ ከም ዝገበሩን ክፈልጡ ይጽዕሩ ከም ዘለዉን ገለጹ ።
ኣደ ዌስትማን ዝዀነት ሜሪ ዌስትማን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኣኑንሲየሺን ሓጋዚት ምምሕዳር ኰይና ከም ዝዓየየት ኣብ ህዝባዊ መዛግብቲ ተገሊጹ ነይሩ ።
How the attack unfolded
ሰበ-ስልጣን እቲ ተኳሲ ጠበንጃ: ጥይት: ሽጉጥ ተጠቒሙ ሓያሎ ዙራት ከም እተኮሰ ገሊጾም ።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሆስፒታላት ን14 ቈልዑን ክልተ ዓበይቲን ይሕክማኦም ከም ዘለዋ ሓበረን ኣለዋ።
ናይ ሓምሻይ ክፍሊ ተመሃራይ ዌስተን ሀልሰን ንሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ዓርኩ ንምክልኻል ኣብ ዝጽዕረሉ ዝነበረ እዋን ብጠያይት ከም እተሃርመ ገሊጹ ።
መልሰ ግብሪ ህዝቢ ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ
ከንቲባ ሚኒያፖሊስ ጃኮብ ፍሪ ኣብ ሓደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ከምዝገለጾ: - "ሕጂ ብዛዕባ ምስትንታንን ጸሎትን ጥራይ ኣይትዛረብ ። እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ቃል ብቓሉ ይጽልዩ እዮም ነይሮም ። ናይ መጀመርታ ሰሙን ትምህርቲ እያ ነይራ ። ኣብ ቤተ ክርስትያን እዮም ነይሮም "
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ንምልክት ሓዘን ሰንደቕ ዕላማ ኣመሪካ ኣብ መላእ ሃገር ትሒታ ክትስቀል ኣዚዙ ኣሎ ።

Flags were lowered to half-mast at the White House for the victims of the shooting. Source: PA, ABACA / Pool