SKIP TO MAIN CONTENT

ኩሎም ሰልፊታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝሳተፍዎ ዘተ ክግበር ዶ/ር ደብረጽዮን ጸዊዑ::

ኣስታት 50 ዝኾኑ ዓበይቲ ዓዲ: ፍሉጣት ሰባትን መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ብምጋሽ ኣብ መንጎ መንግስቲ ክልል ትግራይን መንግስቲ ፌዴራልን ተፈጢሩ ዘሎ ፍሕፍሕ ንምትዕራቕ ምስ ሰብ መዚ ትግራይ ዘትዮም።

SBS Tigrinya News
Source: Tigray Media

2 min read

Published

Source: Ethiopia government


Skip to article content

ኣስታት 50 ዝኾኑዓበይቲዓዲ: ፍሉጣት ሰባትን መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ  ናብ መቐለ ብምጋሽ ኣብ መንጎ መንግስቲ ክልል ትግራይን መንግስቲ ፌዴራልን ተፈጢሩ ዘሎ ፍሕፍሕ ንምትዕራቕ ምስ ሰብ መዚ ትግራይ ዘትዮም።

እቲ ዘተ ኣብ መቐለ ዝርከብ ኣብ ኣደራሽ ሆቴል ፕላኔት እዩ ተገይሩ።

ናይ ክልል ትግራይ ም/ፕረሲደንት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል "ንሰላም ኣብ ንጽውዓሉ ክንርከብ ፍቓድና እዩ: መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ንዝገብርዎ ጻውዒት ቅድሚ ሎሚ እውን ኣይተቓወምናን: ሎሚ እውን ንዘተ ቅሩባት ኢና' ከምዝበለ ቢቢሲ ጸብጺቡ ኣሎ።

 ኣብቲ ዋዕላ ካብ ዝተሳተፉ መራሒ ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ: ኣቶ ኪዳነ ኣመነ ግን እቲ ዋዕላ ግዜኦም ከምዘጥፈአሎምን ወላ ሓንቲ ረብሓ ከምዘይነበሮን ንህዝቢ ትግራይ ካብ ስራሕ ዘባኹር ምዃኑ ገሊጹ ክብል እቲ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ።

ድሕርቲ ዝተገብረ ዘተ፡ ህወሓት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡

“ንዕርቂ ብትካላት ጉባኤ ሃይማኖት፡ ብዓበይቲ ዓዲን ኣብ ዝቐረበ ናይ ሓሳብ ዘተ መድረኽ ተረኺቡ ናይ ዉድብና ኣቦ መንበርን ናይ ትግራይ ብሄራዊ ክልልላዊ መንግስቲ ምክትል ርእስ ምምሕዳር ብጻይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡ ናይ ዘተ መድረክ ክፍጠር እንተኾይኑ፣ ኩሎም ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ሰልፊታት፣ ናይ ኢትዮጵያ ብሄር ብሄረሰባት ዝውክሉ ናይ ፌደራሊስት ሓይሊታት ዘሳትፍ ሃገራዊ መድረኽ ክዳሎ ኣለዎ እምበር ምስ ህወሓት/ትግራይ መንግስት ዝግበር ናይ ሕቡእ ዘተ ኣይንቕበልን ኢና፡ ትርጉምውን ኣየምጽእን እዩ፡፡” ኢሉ ክብል እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።

 ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብተወሳኺ “ዝኾነ ይኹን ናይታ ሃገር ሽግር ንምፍታሕ ዝንቀሳቐስ እንተልዩ እቲ ሽግር ወይ እቲ ውጥረት ዝተፈጥረ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብምፍራስ ኣብዛ ሃገር ኣምባገናናዊ ስርዓት ንምህናጽ ብዝግጓየ ዘሎ  ብልጽግና ዝተባህለ ጉጅለ እዩ። እቲ ጸገም ኣብ መንጎ ናይ ኢትዮጵያ ብሄር ብሄረሰባትን  ኣብ ፌደራል መንግስትን እምበር ምስ ትግራይ ጥራይ ዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ጌርካ ክውሰድ የብሉን” ድማ ኢሉ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ሃገሩ ከም ጓና ተቖጺሩ መንገድ ክዕጸዎን ክቕተልን እዚ ናይ ዕርቂ ሽማግለ ዓገብ ኣይበለን ዝበሉ ካብ ተሳተፍቲ፡ እዚ ኾይኑ ግና “ናይ ትግራይ ህጻን እንተዝሕተትውን ክሳብ ሎሚ ኢትዮጵያዊነቱ ይፈቱን ኢትዮጵያዊ እየ እዩ ዝብል፡፥” ክብሉ ካብ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ከምዝበሉ  ኣብቲ መግለጺ ተጻሒፉ ኣሎ።

እቲ ልኡኽ ናይ ዕርቂ ሽማግለ  ብ'ቻርተር' ኣውሮፕላን ናብ መቐለ  ዝገበሮ መገሻ ወዲኡ ኣማስያኡ  ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተመልሰ ተፈሊጡ ኣሎ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now