ደቂ ኣንስትዮ ኰዋኽብቲ ተኒስ 'ዊምበልደን ጸዕዳ "ኣብ ጽግያት (ፐርየድ) ክኸድና ምግዳደን ዘጨንቐን ምዃኑ ገሊጸን

ሓያሎ ኣንስቲዮ ተኒስ ምስቲ ብ1800ታት ተኣታትዩ ዝነበረ ናይ ዊምበልደን ጽኑዕ ናይ ኣከዳድና ሕጊ ብምትሕሓዝ ተወሳኺ ውጥረት የጋጥመን ኣሎ ።

Tennis

Monica Puig of Puerto Rico has spoken out about the stress of adhering to a strict all-white dress code at the tournament. Source: Credit: Clive Brunskill/Getty Images

እቲ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ካብ ዝግበር ውድድር ተኒስ እቲ ብዕድመ ዝዓበየን ኣዝዩ ብሉጽ ዝዀነን ዊምበልደን: ኣብቲ ነዊሕ ዝጸንሐ ያታ ጠቢቑ እዩ ዘሎ ።

መብዛሕትኦም እቶም ኣብቲ ዉድድራት ዝጋጠሙ ተጻወትቲ ብጽኑዕ ሕጊ ፡ ጻዕዳ ክዳን እዮም ክኽደኑ ዝሕተቱ ። ዋላ ናይ ቆቢዕ ፡ ናይ ርእሲ ፡ ወይውን ናይ ተኒስ ጫማ እውን እንተኾነ ካብዚ ነጻ ኣይኮኑን ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ሰሙናት ግና ፡ ኣብ ተኒስ ባይታ ዝሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ ፡ ኣብቲ ዓመታዊ ውድድር ፡ ኣብ እዋን ጽግያት ብስሪኤን ዝልሑኽ ናይ ጽግያት ደም እቲ ሕጊ 'ዊምበልደን ጸዓዱ " ኣብ ግምት ብዘይምእታዉ ተወሳኺ ጸቕጢ ከምዝፈጥረለን'የን ዝሕብራ ።

ተጻዋቲ ተኒስ ሞኒካ ፕዊግ ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ነዚ ጉዳይ ኣመልኪታ ኣብ ትዊተር ጽሒፋ ኔራ ፡ እዚ ንናይ ቴኒስ ተንታኒ ዴቪድ ለው ዝሃበቶ ግብረ መልሲ እዩ። ንሱ "ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ኣብ ተኒስ ክሰርሕ ከሎ ፡ ጽግያት ደም ኣብ ስፖርተኛታት ኣካላዊ ጽልዋ ኸሕድር ከም ዘይክእል ሓሲበ ኣይፈልጥን ።" ኢሉ ኔሩ።

"ብርግጽ ንኣትለታት ደቂ ኣንስትዮ ኣዚዩ ዝጸሉ ነገር እዩ!" ኢላ ድማ መሊሳትሉ ። "ኣብ መወዳእታ ፡ ንዅሉ ሰብ ኣቓልቦ ዝስሕብ ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ዊምበልደን ኵሉ ጻዕዳ ክዳን ምኽዳንን ኣብዘን ክልተ ሰሙን ጽግያት ከይመጸካ ምጽላይን ዘስዕቦ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ እውን ዝፈጥር'ዩ " ኢላ ።


News
Source: Twitter
እቲ ኮድ ናይ ኣከዳድና ብ1880ታት እዩ ተጻሒፉ ፣ ኣብ ናይ ስፖርት ክዳንካ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ረሃጽ ክህሉ ከም ዘይግቡእን ዘይእሩምን ጌርካ ክርአ ከሎ ፡ ጻዕዳ ክዳን ምኽዳን ነቲ ተጻወትቲ ረሃጽ ከጕድልን ከዝሕልን ከም ዝኽእል ይእመን ነበረ ።

እቲ ጽኑዕ ሕጊ ሓደ ተጻዋታይ ካብ ሓደ ሰንቲሜተር ዘይገፍሕ ሽራጥ ዘለዎ እንተ ዘይኰይኑ ፡ ምሉእ ጻዕዳ ሕብሪ ዘይኮነ ኸይክደን ይኽልክል እዩ ። እቲ ሕጊ ፡ ካብን ናብን ሜዳ ኣብዝኣትዉሉ ጻዕዳ ክዳን ክለብሱ ኣለዎም ።

ናይ ሕክምና ደገፍቲን መሳርሒታትን እውን እንተ ኰነ ፡ " ጻዕዳ ክኸውን ፡ ኣድላዪ እንተ ኰይኑ ግና ሕብራዊ" ክኸውንዩ ሕጊ ዝሕብር ።

ህቡብ ተጻዋታይ ተኒስ ባይታ ሮጀር ፈደረር ብ2013 በቲ ናይ ሳዕሪ ሜዳ ዊምብልደን ፡ ኣራንሾኒ ዝሕብሩ ጽምዲ ጫማ ወድዩ ብምእታዊ ንሰበ ስልጣን ዊምበልደን ኣቖቲዕዎምዩ ።

 

ናይ ብሪጣንያ ተኒስ ኣሊሻ በርናት ናይ ዝሓለፈ ቀዳም ከምዝገለጸቶ ኣብ ናይ ጽግያታ ግዜ ጻዕዳ ክዳን ምልባስ ጸቕጢ ኣእምሮ ከምዝፈጥረላ ን ምልክታት ክትርኢ ከላ ንውጽኢታ ዝጸሉ ምልክታት ተርኢ ከምዘላ ኣፍሊጣ ።

በረት ነቲ ስርዓት ትፈትዎኳ እንተኾነ ፡ ምስ ማዕከን ዜና ፓይ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ ፡ "ገሊኡ ልምድታት ክቕየር ዝኽእል ይመስለኒ" በለት ።

 

"ብደረጃ ዓለም- ባይታ ቴኒስ ክትጻወት ትፍትን ከም ዘለኻ ዝከሓድ እኳ እንተ ዘይኰነ ፡ በዚ ክትድህስስን ክትደክምን ከለኻ ግን ኣዝዩ ከቢድ እዩ ።

"ብዛዕባኡ ምዝራብ ኼፍርሃና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ ?"

ኣውስትራልያዊ ተጻዋቲ ተኒስ ደርያ ሳቪል ፡ ብሰንኪ ፍርሒ መድመይቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ጽግያታ ስለዝመጻ ነቲ ውድድር ከይትሳተፍ ወሲና ።

ሳቪል ንThe Daily Aus. ከምዝሓበረቶ፡ "ኣብዚ ቀረባ ግዜ ፡ ምስ ዓርከይ ኣብ ዊምበልደን ኰይነ ክዛረብ ከለኹ ፡ ነቲ ጻዕዳ ምኽዳን ከም ዝፈትዎ እየ ዝዛረብ ነይረ ፣ ድሕሪኡ ግና ፡ ገለ ኣዋልድ ግና ፡ ጽግያትካ ከሎ ኵሉ ጻዕዳ ምኽዳን ኣብ ግዜ ጽግያት ፍርሒ/ሕፍረት ስለ ዝስመዐን ፡ ከም ዝጸልኣኦ ነገራኒ" በለት ።

"ሓቂ እዩ ፡ ኣነ ንባዕለይ ኣብ ዊምበልደን ብሰንኪ ዝተራእየኒ ፐርየድ መድመይቲ ከይረኣየኒ ኽጭነቕ ኣይደለኹን በዚ'ውን ክነጥሮ ተገዲደ ። ብዘይብእኡ'ውን እኹል ውጥረት ኣሎና "በለት ።


Tennis
Daria Saville of Australia says she has had to skip her period as she feared leaking through her Wimbledon attire. Source: Credit: Justin Setterfield/Getty Images

ኣብ ኢንስታግራም ፡ ሳቪል ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ open ዉድድር ቴኒስ ኣብ ማእከል ናይ መጻወቲ ሜዳ ፐሬዳ ከምዝመጻ ጽሒፋ ።

"ኣብ እዋን እቲ ግጥም ክልተ ናይ ሽቓቕ ዕረፍቲ ጥራይ እዩ ዝወሃበና ። ናይ ጓል-ኣነስተይቲ ኣምፓየር ስለ ዝነበረትኒ ን ኣምላኸይ አመስጊነ ። እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ምስ ነገርክዋ ፡ ታምፖን (ኣብ ብልዕቲ ዝግበር ደም ዝስንግ ጨርቂ) ስለዘይብለይ ሓንቲ ሰብ ከተምጽኣለይ ክጽበ ምዃነይ ነገርክዋ "።

ሳቪል ኣስዕብ ኣቢላ ፡ "ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ፡ 38 ዲግሪ እዩ ነይሩ ፣ ስለዚ እየ ድማ ፡ ሓድሓደ ግዜ ጓል ምዃን ከም ዝሰማምዓኒ ዝገልጽ ዘለኹ" በለት ።

ቻይናዊት ዚንግ ኪንወን ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ራብዓይ ዙርያ ዉድድራት ፍረንች ኦፐን ብፖላንዳዊት ኢጋ ስዊሰርክ ፡ ምስተሳዕረት ፡ ብሰንኪ ጽግያት ከም እተሳቐየት ሓበረት ።


Tennis
Chinese tennis player Zheng Qinwen said menstrual cramps derailed her Women's Singles fourth round match against Iga Swiatek of Poland. Source: Credit: Shi Tang/Getty I

"ናይ ኣዋልድ ነገር እዩ ፡ ትፈልጥ ኢኻ ። እታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ኩሉ ግዜ ጽንኩርti እያ ፡ ድሕሪኡ ስፖርት ክገብር ኣለኒ ፡ ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ድማ ብዙሕ ቃንዛ እዩ ዝስምዓኒ ።" ድሕሪ እቲ ግጥም ፡ ዚንግ ንጋዜጠኛታት ብምባል ፡" ኣንጻር ባህርየይ ክኸይድ ኣይከእልን'የ ።" ኢላ

"ኣብሜዳ ሰብኣይ ክኸውን ምደለኹ ፡ ኣብታ ህሞት እቲኣ ግን ኣይክእልን እየ ። በዚ ምእንቲ ከይሳቐ ወዲ ተባዕታይ ክኸውን ብሓቂ እምነ" ።

ተንተንቲ (ኮሜንታቶርስ) እውን ነቲ ጥርዓን ናይዘን ተጻወቲ ይሰማምዕሉ ። እታ 'ዘ ተኒስ ፖድካስ " ተቕርብ ካተሪን ዊተከር ፡ እቲ ኵሉ ዓይነት ጻዕዳ ክዳውንቲ ዘኽደን ኮድ ፡ ግዜኡ ከም ዝሓለፎ ገሊጻ እያ ።

ኣብ ሓደ ቃለ መጠይቕ ፡ "እዚ ክቕየር እደሊ እየ" ብምባል ። "ንደቂ ተባዕትዮ በቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዝገበረለን መገዲ ዝጸሉ ፖሊሲ ክዳውንቲ እንተ ዝኽተሉ ነይሮም ፡ እዚ ልምዲ እዚ ዝቕጽል ኣይመስለንን ።"

"ኣብታ ዝዓበየት መዓልቲ ናይ ህይወተይ: ምስ ጽግያተይ (ፐሬደይ): ጻዕዳ ክዳን ክኽደን ለቢሰ ክጻወት ክግደድ ክሓስብ ኣይክእልን እየ ።"


 


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service