እቲ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ካብ ዝግበር ውድድር ተኒስ እቲ ብዕድመ ዝዓበየን ኣዝዩ ብሉጽ ዝዀነን ዊምበልደን: ኣብቲ ነዊሕ ዝጸንሐ ያታ ጠቢቑ እዩ ዘሎ ።
መብዛሕትኦም እቶም ኣብቲ ዉድድራት ዝጋጠሙ ተጻወትቲ ብጽኑዕ ሕጊ ፡ ጻዕዳ ክዳን እዮም ክኽደኑ ዝሕተቱ ። ዋላ ናይ ቆቢዕ ፡ ናይ ርእሲ ፡ ወይውን ናይ ተኒስ ጫማ እውን እንተኾነ ካብዚ ነጻ ኣይኮኑን ።
ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ሰሙናት ግና ፡ ኣብ ተኒስ ባይታ ዝሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ ፡ ኣብቲ ዓመታዊ ውድድር ፡ ኣብ እዋን ጽግያት ብስሪኤን ዝልሑኽ ናይ ጽግያት ደም እቲ ሕጊ 'ዊምበልደን ጸዓዱ " ኣብ ግምት ብዘይምእታዉ ተወሳኺ ጸቕጢ ከምዝፈጥረለን'የን ዝሕብራ ።
ተጻዋቲ ተኒስ ሞኒካ ፕዊግ ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ነዚ ጉዳይ ኣመልኪታ ኣብ ትዊተር ጽሒፋ ኔራ ፡ እዚ ንናይ ቴኒስ ተንታኒ ዴቪድ ለው ዝሃበቶ ግብረ መልሲ እዩ። ንሱ "ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ኣብ ተኒስ ክሰርሕ ከሎ ፡ ጽግያት ደም ኣብ ስፖርተኛታት ኣካላዊ ጽልዋ ኸሕድር ከም ዘይክእል ሓሲበ ኣይፈልጥን ።" ኢሉ ኔሩ።
"ብርግጽ ንኣትለታት ደቂ ኣንስትዮ ኣዚዩ ዝጸሉ ነገር እዩ!" ኢላ ድማ መሊሳትሉ ። "ኣብ መወዳእታ ፡ ንዅሉ ሰብ ኣቓልቦ ዝስሕብ ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ዊምበልደን ኵሉ ጻዕዳ ክዳን ምኽዳንን ኣብዘን ክልተ ሰሙን ጽግያት ከይመጸካ ምጽላይን ዘስዕቦ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ እውን ዝፈጥር'ዩ " ኢላ ።

Source: Twitter
እቲ ጽኑዕ ሕጊ ሓደ ተጻዋታይ ካብ ሓደ ሰንቲሜተር ዘይገፍሕ ሽራጥ ዘለዎ እንተ ዘይኰይኑ ፡ ምሉእ ጻዕዳ ሕብሪ ዘይኮነ ኸይክደን ይኽልክል እዩ ። እቲ ሕጊ ፡ ካብን ናብን ሜዳ ኣብዝኣትዉሉ ጻዕዳ ክዳን ክለብሱ ኣለዎም ።
ናይ ሕክምና ደገፍቲን መሳርሒታትን እውን እንተ ኰነ ፡ " ጻዕዳ ክኸውን ፡ ኣድላዪ እንተ ኰይኑ ግና ሕብራዊ" ክኸውንዩ ሕጊ ዝሕብር ።
ህቡብ ተጻዋታይ ተኒስ ባይታ ሮጀር ፈደረር ብ2013 በቲ ናይ ሳዕሪ ሜዳ ዊምብልደን ፡ ኣራንሾኒ ዝሕብሩ ጽምዲ ጫማ ወድዩ ብምእታዊ ንሰበ ስልጣን ዊምበልደን ኣቖቲዕዎምዩ ።
ናይ ብሪጣንያ ተኒስ ኣሊሻ በርናት ናይ ዝሓለፈ ቀዳም ከምዝገለጸቶ ኣብ ናይ ጽግያታ ግዜ ጻዕዳ ክዳን ምልባስ ጸቕጢ ኣእምሮ ከምዝፈጥረላ ን ምልክታት ክትርኢ ከላ ንውጽኢታ ዝጸሉ ምልክታት ተርኢ ከምዘላ ኣፍሊጣ ።
በረት ነቲ ስርዓት ትፈትዎኳ እንተኾነ ፡ ምስ ማዕከን ዜና ፓይ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ ፡ "ገሊኡ ልምድታት ክቕየር ዝኽእል ይመስለኒ" በለት ።
"ብደረጃ ዓለም- ባይታ ቴኒስ ክትጻወት ትፍትን ከም ዘለኻ ዝከሓድ እኳ እንተ ዘይኰነ ፡ በዚ ክትድህስስን ክትደክምን ከለኻ ግን ኣዝዩ ከቢድ እዩ ።
"ብዛዕባኡ ምዝራብ ኼፍርሃና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ ?"
ኣውስትራልያዊ ተጻዋቲ ተኒስ ደርያ ሳቪል ፡ ብሰንኪ ፍርሒ መድመይቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ጽግያታ ስለዝመጻ ነቲ ውድድር ከይትሳተፍ ወሲና ።
ሳቪል ንThe Daily Aus. ከምዝሓበረቶ፡ "ኣብዚ ቀረባ ግዜ ፡ ምስ ዓርከይ ኣብ ዊምበልደን ኰይነ ክዛረብ ከለኹ ፡ ነቲ ጻዕዳ ምኽዳን ከም ዝፈትዎ እየ ዝዛረብ ነይረ ፣ ድሕሪኡ ግና ፡ ገለ ኣዋልድ ግና ፡ ጽግያትካ ከሎ ኵሉ ጻዕዳ ምኽዳን ኣብ ግዜ ጽግያት ፍርሒ/ሕፍረት ስለ ዝስመዐን ፡ ከም ዝጸልኣኦ ነገራኒ" በለት ።
"ሓቂ እዩ ፡ ኣነ ንባዕለይ ኣብ ዊምበልደን ብሰንኪ ዝተራእየኒ ፐርየድ መድመይቲ ከይረኣየኒ ኽጭነቕ ኣይደለኹን በዚ'ውን ክነጥሮ ተገዲደ ። ብዘይብእኡ'ውን እኹል ውጥረት ኣሎና "በለት ።

Daria Saville of Australia says she has had to skip her period as she feared leaking through her Wimbledon attire. Source: Credit: Justin Setterfield/Getty Images
ኣብ ኢንስታግራም ፡ ሳቪል ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ open ዉድድር ቴኒስ ኣብ ማእከል ናይ መጻወቲ ሜዳ ፐሬዳ ከምዝመጻ ጽሒፋ ።
"ኣብ እዋን እቲ ግጥም ክልተ ናይ ሽቓቕ ዕረፍቲ ጥራይ እዩ ዝወሃበና ። ናይ ጓል-ኣነስተይቲ ኣምፓየር ስለ ዝነበረትኒ ን ኣምላኸይ አመስጊነ ። እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ምስ ነገርክዋ ፡ ታምፖን (ኣብ ብልዕቲ ዝግበር ደም ዝስንግ ጨርቂ) ስለዘይብለይ ሓንቲ ሰብ ከተምጽኣለይ ክጽበ ምዃነይ ነገርክዋ "።
ሳቪል ኣስዕብ ኣቢላ ፡ "ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ፡ 38 ዲግሪ እዩ ነይሩ ፣ ስለዚ እየ ድማ ፡ ሓድሓደ ግዜ ጓል ምዃን ከም ዝሰማምዓኒ ዝገልጽ ዘለኹ" በለት ።
ቻይናዊት ዚንግ ኪንወን ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ራብዓይ ዙርያ ዉድድራት ፍረንች ኦፐን ብፖላንዳዊት ኢጋ ስዊሰርክ ፡ ምስተሳዕረት ፡ ብሰንኪ ጽግያት ከም እተሳቐየት ሓበረት ።

Chinese tennis player Zheng Qinwen said menstrual cramps derailed her Women's Singles fourth round match against Iga Swiatek of Poland. Source: Credit: Shi Tang/Getty I
"ናይ ኣዋልድ ነገር እዩ ፡ ትፈልጥ ኢኻ ። እታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ኩሉ ግዜ ጽንኩርti እያ ፡ ድሕሪኡ ስፖርት ክገብር ኣለኒ ፡ ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ድማ ብዙሕ ቃንዛ እዩ ዝስምዓኒ ።" ድሕሪ እቲ ግጥም ፡ ዚንግ ንጋዜጠኛታት ብምባል ፡" ኣንጻር ባህርየይ ክኸይድ ኣይከእልን'የ ።" ኢላ
"ኣብሜዳ ሰብኣይ ክኸውን ምደለኹ ፡ ኣብታ ህሞት እቲኣ ግን ኣይክእልን እየ ። በዚ ምእንቲ ከይሳቐ ወዲ ተባዕታይ ክኸውን ብሓቂ እምነ" ።
ተንተንቲ (ኮሜንታቶርስ) እውን ነቲ ጥርዓን ናይዘን ተጻወቲ ይሰማምዕሉ ። እታ 'ዘ ተኒስ ፖድካስ " ተቕርብ ካተሪን ዊተከር ፡ እቲ ኵሉ ዓይነት ጻዕዳ ክዳውንቲ ዘኽደን ኮድ ፡ ግዜኡ ከም ዝሓለፎ ገሊጻ እያ ።
ኣብ ሓደ ቃለ መጠይቕ ፡ "እዚ ክቕየር እደሊ እየ" ብምባል ። "ንደቂ ተባዕትዮ በቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዝገበረለን መገዲ ዝጸሉ ፖሊሲ ክዳውንቲ እንተ ዝኽተሉ ነይሮም ፡ እዚ ልምዲ እዚ ዝቕጽል ኣይመስለንን ።"
"ኣብታ ዝዓበየት መዓልቲ ናይ ህይወተይ: ምስ ጽግያተይ (ፐሬደይ): ጻዕዳ ክዳን ክኽደን ለቢሰ ክጻወት ክግደድ ክሓስብ ኣይክእልን እየ ።"