እታ ልዕሊ ዓቕማ ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ቀላይ ካሪባ ናይ ዚምባብወ ድሕሪ ምጥሓላ'ያ ፡ ብውሕዱ 15 ሰባት ሞይቶም ፣ 27 ሰባት ድማ ጠፊኦም ።
ሰብዓን ሸውዓተን ሰባት ካብቲ ሓደጋ ድሒኖም ኣብቲ ጥቓ ቀላይ ናብ እትርከብ ደሴት ከም እተወስዱ ሃገራዊ ትካል ምሕደራ ሓደጋ ገሊጹ ።
ይኹን እምበር ፡ እቲ ብማሕበር ሲቪላዊ ድሕነት ዚምባብወ እተዋህበ መግለጺ ፡ ኣብታ መርከብ ዝነበሩ 114 ዝኣኽሉ ገያሾን ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ከም ዝነበሩን ገሊጹ ኣሎ ።
እቲ ማሕበር ውሲኹ እቲ ቁጽሪ ተጓዓዝቲ ካብቲ ዝተዓደገ ናይ መጓዓዚ ትኬት ምኹኑን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብዚ ቁጽሪ ክኣትዉ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም ።
እታ ጃልባ 90 ሰባት ናይ ምጽዓን ዓቕሚ ከምዘለዋ እቲ ትካል ገሊጹ ።
ሙትሳ ሙሮምበዲዚ ዝስማ ናይቲ ከባቢ ኣባል ባይቶ ፡ ኣብ ገጠራት ዝነብሩ ማሕበረሰባት እታ ጃልባ በቲ ቀላይ ኣቢሎም ናብ ከተማ ካሪባ ንምጕዓዝያ ይጥቀሙላ ኢላ ።
ብመሰረት እቲ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ፡ እታ ጃልባ ኣብቲ ቀላይ ካብ ዝተኸስተ ብርቱዕ ማዕበል ክትድሕን እንተ ኰይና ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ይሻቐሉ ከምዝነበሩ ገሊጾም።
ኣቐድም ኣቢሉ ፡ ፖሊስ ዚምባብወ ናይ ምድሓን መስርሕ ይካየድ ከምዘሎ እኳ እንተገለጸ ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ግና ኣይሃበን ።
መንግስታዊ መዲያታት ዚምባብወ ZBC ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ ፡ ሄሊኮፕተር ኣብ ልዕሊ እቲ ቀላይ እናዘምበየት ፡ እታ ጃልባ ኣብቲ ቐላይ ተገልቢጣ ትረአ።
ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዝርከብ ቀላይ ካሪባ ፡ ገለ ክፋል ዶብ ዚምባብወን ጐረቤታ ዛምብያን ዝሓዘ እዩ ።
እዚ ቀላይ እዚ ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሰብ ዝሰርሖ ቀላይ እዩ ፣ ኣብ መወዳእታ 1950ታትን መጀመርታ 1960ታትን ከኣ ፡ ንርባ ዛምቤዚ ንምዕጋት መንደቕ ብምህናጽ እዩ ተፈጢሩ ፣ ቀስ ብቐስ ማይ ብምምላእ ፡ ልዕሊ 200 ኪ.ሜ ንውሓትን ክሳብ 40 ኪ.ሜ ዝበጽሕ ስፍሓትን ዘለዎ ዓቢ ቀላይ እዩ ።
For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.

