SKIP TO MAIN CONTENT

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ ንፈለማ እዋን ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ቐሪቡ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ንነዊሕ እዋን ተኸዊሉ ዝጸንሐ ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ሎሚ ኣብ መስኮት ተለቪዥን ኤርትራ ተቐልቂሉ ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስን ምድላዋት ክራማትን ዝምልከት መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

SBS Tigrinya News
Source: Eri-Tv

1 min read

Published


Skip to article content

ፕረዚደንትኢሳይያስኣፈወርቂ፡ሎሚንፈለማ እዋን ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ቐሪቡ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስመልእኽቲ ኣመሓላሊፉ

ንነዊሕ እዋን ተኸዊሉ ዝጸንሐ ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ሎሚ ኣብ መስኮት ተለቪዥን ኤርትራ ተቐልቂሉ ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስን ምድላዋት ክራማትን ዝምልከት መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

 "ዘሎናዮ ፈታኒ እዋን፡ ብልዑል ንቕሓትን ሓያል ስራሕን መኪትና ክንሰግሮ ግድነታዊ ሓላፍነት እዩ" ዝበለ እቲ ፕረሲደንት፡  "ሕማም ኮሮና ቫይራስ፡ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ዓለም፡ ብኹሉ መለክዒታት ዘይተገመተ - ሃንደበታዊ ኲናት እዩ። ብዛዕባ መበቈሉን ኣመጻጽእኡን ኰነ ናበይ ኪምዕብል ከምዝኽእል ንፈልጦን ክንግምቶ ንኽእልን ስለዘየለ፡ ብዘይካ ምርጋጥ፡ ካልእ ሕርያ የለን" ኢሉ።

እቲ ፕረሲደንት፡ "ማዕረ መኸተ ንኲናት ኮሮና፡ መኸተ ልምዓትና ኣሐዪልና ክንሰርሕ ኢና። ለበዳ ኮሮና ኣተኲሮና ኪዘርግ፡ ከሰንፈናን ኪመልከናን ስለዘይብሉ፡ ተታሓሒዝናዮ ዝጸናሕና ልምዓታዊ መደባት ብዓጸፋ ከነሕይሎም ክንሰርሕ ኢና" ብምባል ኣብ ወጻእን ዉሽጢን ዝርከቡ ኤርትራዊያን ዝገብርዎ ዘለዉ ተሳትፎ ብምምስጋን  "ርሑስ ፋሲካ፡ ብሩኽ ሮሞዳን - ምስ ጥሉል ክራማት” ተመን።

ከምዝፍለጥ ምንጩ ዘይተረጋገጸ ወረታት ኣቶ ኢሳይያስ፡ ናይ ጥዕና ጸገም ኣጋጢምዎ ከምዝጸንሐን ኣብ ጽዑቕ ሕክምና ከምዝርከብን ክውረ ድሕሪ ምቕናይ እዩ፡ ካበይ ምዃኑ ካብዘይፍለጥ ቦታ ኮይኑ ነዚ መልእኽቲ ዝሃበ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now