ኢትዮጵያ ጓለንስተይቲ ፕረዚደንት መሪጻ

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውደ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ናይ ፈለማ ጓለንስተይቲ ፕረዚደንት ብምዃን ብፓርላመንት ኢትዮጵያ ተመሪጸን።

Sahle-Work Zewde becomes first female president of Ethiopia

Source: EBC

ኣባላት ፓርላመንት ኢትዮጵያ ንወይዘሮ ሳህለወርቅ ዘውደ ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ክኾና መሪጾመን። ወይዘሮ ሳህለወርቅ ምኩርቲ ዲፕሎማት ኮይነን ክሳብ’ዚ ቀረባ ግዜ ወኪል ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይነን ክሰርሓ ጸኒሐን። እዚ ናተን ምምራጽ ናብ’ዚ ናይ ክብሪ መዝነት ዝመጽእ ዘሎ ፕረዚደንት ነበር ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ሃንደበት ካብ መዝነቶም ምስ ወረዱን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ፍርቂ ወይ 50% ብዝሒ ደቀንስትዮ ዘለውኦ ካቢነ ድሕሪ ምስያሙን’ዩ። መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ብብዝሒ ከምዝዘርግሓኦ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውደ ሽመተን ተቐቢለን ኣብ ዘስምዖ ቦኽሪ መደርአን ምዕቃብ ሰላም ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጸን። ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ቅድሚ ሕጂ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሰንጋልን ጂቡቲን ኮይነን ኣገልጊለን’የን። ኣብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት’ውን ሓላፊት ህንጸት ሰላም ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝርከቦ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታትን ሓላፍነታትን ተዋፊረን ሰሪሐን’የን። ብመሰረት ቅዋም ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ትሕቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ቦታ ፕረዚደንት ግን ንኽብሪ ወይ ስማዊ ጥራይ’ዩ።


1 min read

Published

Updated

By SBS Tigrinya

Source: SBS



Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now