SKIP TO MAIN CONTENT

ኣባላት ሕርይቲ ጋንታ መንእሰያት ኤርትራ ትሕቲ 20 ኣብ ኡጋንዳ ተሰዊሮም

ገለ ኣባላት ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራ መንእሰያት ት20 ካብ ዘዕርፍሉ ዝነበሩ ሆቴል ከምዝተሰወሩ ካብ ኡጋንዳ ዝተረኽቡ ዜናታት ገሊጾም።

Eritrean national team at the CECAFA U20 in Uganda.
Source: Monitor/URN

1 min read

Published



Skip to article content

ሓሙሽተ ተጻወቲ ካብታ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ግጥማት ሴካፋ ት20 መንእሰያት ትሳተፍ ዘላ ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራ ኣብ ከተማ ጂንጃ ካብ ሆቴሎም (ስፐከ ኣፓርትመንትስ) ተሰዊሮም ከምዝኸዱ መርበብ ሓበሬታ ጋዜጣ ሞኒተር ኡጋንዳ ኣቃሊሓ። እቶም ጠፊኦም ተባሂሎም ዝዝረበሎም ዘሎ ተጻወቲ ንፉዕ ኣጥቃዓይ መዋእል ተስፋይ ዮሴፍ፡ ስምኦን ኣስመላሽ መኮነን፡ ሄርሞን ፍስሃየ ዮሃንስ፡ ደይበን ግብጻዊ ህንጻኣብን ሓላው ልዳት ግርማይ ሃኒባልን እዮም። ኣቦወንበር ኣወሃሃዲት ኮሚተ ግጥማት ሴካፋ ኣይማብል ሃቢማና እቶም ተጻወቲ ከምዝጠፍኡ ሰሉስ ድሕሪ ምርግጋጽ እዚ ውራይ ብጽቡቕ ስም መታን ክዛዘም ኣብ ዙርያ እታ ጋንታን ትጸንሓሉ ሆቴልን ሓለዋ ወሲኾም ከምዘለው ሓቢሩ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ መንሰያት ነቲ ዝጽበያ ግጥም ኣንጻር ኬንያ ክትዳሎ ኣብ ፉፋ ቴክኒካል ስንተር ሰሉስ ልምምዳ ኣብ ዘካየደትሉ እዋን 14 ተጻወቲ ጥራይ ተረኺቦም ኔሮም። ኣሰልጣኒ ኣለምሰገድ ተስፋይ ምስ ተሓተተ ግን እቶም ተጻወቲ ተጸሊእዎም ኣሎ ክብል ከምዝሓበረ እታ መርበብ ሓበሬታ ኣስፊራ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now