SKIP TO MAIN CONTENT

ጠራዕራዕ ብርሃን፡ ድልዱል ሓድነትን ምስዕሳዕ ምስ ኣደ ፦ ሞሮኮ ንፖርቱጋል ብምስዓር ታሪኻዊ ኣሰር ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣንቢራ።

ሞሮኮ ንኤውሮጳዊት ጋንታ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ኣላ ፣ፖርቱጋል ብምስዓራ ፡ ንኣፍሪቃውያንን ንኣዕራብን ኣብ ሓጎስ ኣጥለቕሊቕዎም ።

Capture.JPG
ሞሮካዊ ተጻዋታይ ሶፊያን ቡፋል ፡ ድሕሪ እቲ እታ ጋንታ ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022 ርብዒ ፍጻመ ንፖርቱጋል 1ብ0 ዝሰዓረትሉ ግጥም ፡ ምስ ኣዲኡ እናጸምበለ ። Credit: Getty

2 min read

Published

Source: SBS


Skip to article content

ሞሮኮ ናብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ እቲ ውድድር ዝበጽሐት ናይ መጀመርታ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ብምዃን ታሪኽ ኣብ ዋንጫ ዓለም ድሕሪ ምጽሓፋ ፡ ደገፍቲ እታ ሃገር ብሓጐስ ፍንጭሕ በሉ ፣ ኣብ ቀጠር ዝርከብ ስታድዩም ፡ብ ዓቢ ድምጺን ጓይላን ብምምላእ ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ጐደናታት እናደረፉን እናሳዕሱን ሓጎሶም ገሊጾም ።

እቲ ብቐዳም (በቲ ኣከባቢ ኣቆጻጽራ) ኣብ ልዕሊ ፖርቱጋል ዝተመዝገበ ናይ 1ብ0 ዓወት ፡ ኣብ ብዙሕ ሃገራት እውን እዩ ተባዒሉ ፣ ካብ ኣቢጃን ናይ ኣይቮሪኮስት ናብ ሪያድ ናይ ስዑዲ ዓረብ ደገፍቲ ብሓጎስ ዘጥለቕለቐ ኮይኑ፡ ንኣፍሪቃን ንኣዕራብ ዓለምን ታሪኻዊ ዓወት ገይሮም ዝረኣይዎ ሓጎሶም ደረት ኣይነበሮን።

"ሕጉሳትን ሕቡናትን እዮም ገይሮምና ፣ ክሳዕ መወዳእታ ኼሐብኑና ከም ዝኽእሉ እውን ኣርእዮምና እዮም ። ከመይ ዘይከውን? በዛ ብኣፍሪቃን ኣዕራብን እትድገፍ ጋንታ ኣዚና ኢና እንሕበን "ትብል ሲሃም ሞታሂር እትበሃል ኣብ ራባት እትነብር ጐርዞ ኣብ ሓደ ነቲ ጸወታ ንምዕዛብ ካፈታት ብደገፍቲ መሊኡ ኣብዝነበረ ተዛሪባ ።

ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ፡ መለኸት እናነፍሑ ፡ ንባንዴራ ሞሮኮ እናኣወዛወዙ ፡ ንማእከል ከተማ ራባት መሊኦም ፡ ናይ ዓወት ድራር ከም ዝረኽቡ ገይሮም እዮም ።

ናይ ክርስትያኖ ሮናልዶ ጋንታ ዝኾነት ንፖርቱጋል ዝሰዓረት፡ ሞሮኮ ንሓንቲ ኤውሮጳዊት ጋንታ ሳልሰይቲ ደረጃ ሒዛ ዘላ ጋንታ እያ ፣ እዚ ናይ ሞሮኮ ዓወት ኣብ ኣፍሪቃውያንን ኣዕራብን ዝያዳ ሓጐስ ዘምጽአ እዩ ።

ፕረዚደንት ኅብረት ኣፍሪቃ ማኪ ሳል ፡ ኣብ ትዊተር ፡ ": "HISTORIC! AND FANTASTIC! THE ATLAS LIONS ARE QUALIFIED FOR THE SEMI-FINALS OF THE WORLD CUP! BRAVO MOROCCO." ክብል ጽሒፉ።

መራሕቲ ፖለቲካን ስፖርትን ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን ፡ ንሞሮኮ ሞጎስ ገሊጾምላ እዮም ፣ ገለ ካብኣቶም ፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ፡ ዒራቕ ከምኡ እውን ካብ ፍልስጥኤም ሰበ ስልጣንን ካብ ገዛእቲ ባሕሬንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ይርከብዎም ።

ናይ ቀደም ኮኾብ ኵዕሶ እግሪ ኣይቮሪኮስት ዝነበረ ዲድየር ድሮግባ ፡ "They did it!!!! Well done Morocco for this feat. Long live Africa." ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now