ጠራዕራዕ ብርሃን፡ ድልዱል ሓድነትን ምስዕሳዕ ምስ ኣደ ፦ ሞሮኮ ንፖርቱጋል ብምስዓር ታሪኻዊ ኣሰር ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣንቢራ።

ሞሮኮ ንኤውሮጳዊት ጋንታ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ኣላ ፣ፖርቱጋል ብምስዓራ ፡ ንኣፍሪቃውያንን ንኣዕራብን ኣብ ሓጎስ ኣጥለቕሊቕዎም ።

Capture.JPG

ሞሮካዊ ተጻዋታይ ሶፊያን ቡፋል ፡ ድሕሪ እቲ እታ ጋንታ ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022 ርብዒ ፍጻመ ንፖርቱጋል 1ብ0 ዝሰዓረትሉ ግጥም ፡ ምስ ኣዲኡ እናጸምበለ ። Credit: Getty

ሞሮኮ ናብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ እቲ ውድድር ዝበጽሐት ናይ መጀመርታ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ብምዃን ታሪኽ ኣብ ዋንጫ ዓለም ድሕሪ ምጽሓፋ ፡ ደገፍቲ እታ ሃገር ብሓጐስ ፍንጭሕ በሉ ፣ ኣብ ቀጠር ዝርከብ ስታድዩም ፡ብ ዓቢ ድምጺን ጓይላን ብምምላእ ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ጐደናታት እናደረፉን እናሳዕሱን ሓጎሶም ገሊጾም ።

እቲ ብቐዳም (በቲ ኣከባቢ ኣቆጻጽራ) ኣብ ልዕሊ ፖርቱጋል ዝተመዝገበ ናይ 1ብ0 ዓወት ፡ ኣብ ብዙሕ ሃገራት እውን እዩ ተባዒሉ ፣ ካብ ኣቢጃን ናይ ኣይቮሪኮስት ናብ ሪያድ ናይ ስዑዲ ዓረብ ደገፍቲ ብሓጎስ ዘጥለቕለቐ ኮይኑ፡ ንኣፍሪቃን ንኣዕራብ ዓለምን ታሪኻዊ ዓወት ገይሮም ዝረኣይዎ ሓጎሶም ደረት ኣይነበሮን።

"ሕጉሳትን ሕቡናትን እዮም ገይሮምና ፣ ክሳዕ መወዳእታ ኼሐብኑና ከም ዝኽእሉ እውን ኣርእዮምና እዮም ። ከመይ ዘይከውን? በዛ ብኣፍሪቃን ኣዕራብን እትድገፍ ጋንታ ኣዚና ኢና እንሕበን "ትብል ሲሃም ሞታሂር እትበሃል ኣብ ራባት እትነብር ጐርዞ ኣብ ሓደ ነቲ ጸወታ ንምዕዛብ ካፈታት ብደገፍቲ መሊኡ ኣብዝነበረ ተዛሪባ ።

ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ፡ መለኸት እናነፍሑ ፡ ንባንዴራ ሞሮኮ እናኣወዛወዙ ፡ ንማእከል ከተማ ራባት መሊኦም ፡ ናይ ዓወት ድራር ከም ዝረኽቡ ገይሮም እዮም ።
ናይ ክርስትያኖ ሮናልዶ ጋንታ ዝኾነት ንፖርቱጋል ዝሰዓረት፡ ሞሮኮ ንሓንቲ ኤውሮጳዊት ጋንታ ሳልሰይቲ ደረጃ ሒዛ ዘላ ጋንታ እያ ፣ እዚ ናይ ሞሮኮ ዓወት ኣብ ኣፍሪቃውያንን ኣዕራብን ዝያዳ ሓጐስ ዘምጽአ እዩ ።
ፕረዚደንት ኅብረት ኣፍሪቃ ማኪ ሳል ፡ ኣብ ትዊተር ፡ ": "HISTORIC! AND FANTASTIC! THE ATLAS LIONS ARE QUALIFIED FOR THE SEMI-FINALS OF THE WORLD CUP! BRAVO MOROCCO." ክብል ጽሒፉ።

መራሕቲ ፖለቲካን ስፖርትን ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን ፡ ንሞሮኮ ሞጎስ ገሊጾምላ እዮም ፣ ገለ ካብኣቶም ፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ፡ ዒራቕ ከምኡ እውን ካብ ፍልስጥኤም ሰበ ስልጣንን ካብ ገዛእቲ ባሕሬንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ይርከብዎም ።

ናይ ቀደም ኮኾብ ኵዕሶ እግሪ ኣይቮሪኮስት ዝነበረ ዲድየር ድሮግባ ፡ "They did it!!!! Well done Morocco for this feat. Long live Africa." ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።


Share

Published

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service