እዚ ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ፡ወተሃደራዊ ምልመላ ተፈጺሙ ዝብሃል ዘሎ ጸብጻብ ዝመጽእ ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረ ዳግማይ ኲናት እዩ ።
ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ንቢቢሲ ኣምሓርኛ ከምዝገለፆ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተቓለስቲ ንምምልማል ዝተገብረ ጻዕሪ "እሙን ጸብጻብ" ከምዝተቐበለ ፤ ሓደ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ እቲ ምዕስካር ብሓይሊ ከምዝነበረ ሓቢሩ ።
ሓለፍቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ፡ ብዛዕባ 'ቲ ዘተሓሳሰቦም ጉዳይ ናብ ማእከላይ መንግስቲ ሱዳንን ሰበ-ስልጣን እቲ ከባቢን ጥርዓን ከምዘቕረቡ ገሊጾም ።
ቍጽሪ ዝተመልመሉ ተቓለስቲ ወይ እቲ ምልመላ መዓስ ከም ዝተካየደ ንጹር ኣይኰነን ።
UNHCR ወሲኹ ብዙሓት ናይ ስደተኛታት ምንጭታት ብምጥቃስ ኣብ ሱዳን ወተሃደራዊ ምልመላ ንምክያድ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ሰባት ከምዘለው ሓቢሩ ።
ይኹን እምበር ፡ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣየኖት ካብቶም ተዋጋእቲ ወገናት ወተሃደራዊ ምልመላ ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ከረጋግጽ ኣይከኣለን ።
መንግስቲ ሱዳን ንድሕነት እቶም ስደተኛታትን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ስግኣት ከምዝፈጠረ ጠቒሱ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቲ መዕቆቢ ስደተኛታት ሓምደይት ከምዞኣጸዎ ኣፍሊጡ ኔሩ፡ ።
ቅድሚ ሕጂ ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ ኣብ ሱዳን ከም ስደተኛታት ዝተመዝገቡ ህዝቢ፡ ወያነ ፡ ንትግራይ ኣብ ጎድኒ ሓይልታት ትግራይ ኮይኖም ክቃለሱ ይምልምል ኣሎ ብምባል ፡ ብተደጋጋሚ ከሲሱ እዩ።
ሰበ-ስልጣን ሱዳን ኣብ 'ቲ ወትሃደራዊ ምልሻ ከምዝተሳተፉ' ውን ኣይሓበረን ።
ዝሓለፈ ሰሙን ብሉምበርግ ከምዝሓበሮ ፡ እቶም ኣቐዲሞም ኣብ ኣብዪ ተዋፊሮም ዝነበሩ ዓቀብቲ ሰላም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ፡ ካብቲ ሰራዊት ዝወጹ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝጸንሑን ፡ ምስ መሳርዕ ወያነ ሓቢሮም ኣለዉ ኢሉ ጸብጺቡ ኔሩ ።
ካብ ምጅማር እቲ ግጭት ኣትሒዙ ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን ንተቓለስቲ ወያነ ደገፍ ትህብ ኣላ ክብል ክኸስስ ጸኒሑ 'ዩ ፣ እዚ ክሲ ካርቱምን መራሕቲ ትግራይን ይነጽግዎ ።
ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ከምዝሕብሮ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝተሓደሰ ኲናት ነቶም ብውግእ ዝተጎድኡ ሰላማውያን ሰባት ዝያዳ ሕሰምን መከራን ኸምጽኣሎም እዩ ። እቲ መጥቃዕቲ ፡ ብዙሓት ሰባት ድሕነትን ሰብኣዊ ረድኤትን ንምርካብ ካብ ኣባይቶም ክሃድሙ ከገድዶም እዩ ኢሉ።
ብተወሳኺ ኣብ ሱዳንን ኣብ ካልእ ቦታታትን ንዝርከቡ ስደተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ዘኽእል ገንዘብ ዘይምህላዉ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣተሓሳሲቡ ዘሎ ጉዳይ እዩ።
ኣብ ሕዳር 2020 ግጭት ትግራይ ምስ ተላዕለ: ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብቲ ብኲናት ዝዓነወ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ናብ ምብራቕ ሱዳን ሃዲሞም ።
መብዛሕትኦም እዞም ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኡም ራኩባን ቱናይድባን ተዓቚቦም ዝነብሩ ዘለዉ እዮም ።