ሚኒስተር ወጻኢ ቻይና ናብ ኤርትራ ክነጽሕ'ዩ፡ መልእኽቲ ፕር/ ኢሳያስ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት

News

Wang Yi Foreign Minister of the People's Republic of China Source: AAP

ሚኒስተር ወጻኢ ቻይና ናብ ኤርትራ  ኣብ ፈላማይ ሰሙን ሓዱሽ ዓመት 2022 ናብ ኤርትራ ክገይሽ እዩ።

ሚንስትር ጉዳይ ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ኣብ ፈላማይ ሰሙን ሓዱሽ ዓመት 2022 ናብ ኤርትራ ክገይሽ እዩ።  እቲ ሚንስትር ናብ ኤርትራ ዝገብሮ ዑደት ንፈለማ እዋን ከም ዝኾነ ውን  ተሓቢሩ።

ማዕከን ዜና ቻይና ሺንህዋ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ፤ ቻይና: ኣብ ዓመተ 2022 ነቲ ነዊሕ ዓመታት ዘቑጸረ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ምሕዝነት ዝያዳ ንምሕዳስ ንመበል 32 ዓመት ዲፕሎማስያዊ ርክባታ ብድሙቕ ከተጸምብል ትሸባሸብ ከም ዘላ ኣብሪሁ ኣሎ።

መቐጸልታ እዚ ከኣ ብሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ እታ ሃገር ቅድሚ ሕጂ  ክትግበር ዝጸንሐ ልሙድ ዑደት ስራሕ ኣብ መእተዊ ሓዱሽ ዓመት መደብ ምብጻሕ ናብ ኣፍሪቃ ከም ዘሳልጥ እቲ ማእኸል ሓበሬታ ጸብጺቡ ኣሎ። ዋንግ ዪ ኣብቲ ካብ 4-7 ጥሪ 2022 ብዕድመ ሃገራትን ብናይ ባዕሉ መደብን ዝገበሮ ዑደት ስራሕ ናብ ኤርትራ፣ ኬንያን ኮመረስን ዝርከብአን ሃገራት ክገይሽ ውጥን ከም ዝሓዘ ገሊጹ።

ኣፍሪቃ ካብ 1991 ንነጀው በቢዓመቱ መባጽሕ ሕድሕድ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ከም ዝጸንሐት ዘዘኻኸረ እቲ ጸብጻብ ፤ እቲ ልምዲ ከም ባህሊ ተወሲዱ : ሃገራት ኣፍሪቃ ምስታ ሃገር ዘለወን ምሕዝነት ከደንፍዓሉ ካብ ዝብገሳ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ከም ዘቑጸረ 'ውን ኣረዲኡ።

እቲ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ሓዊሱ ሓሙሽተ ሃገራት ምብጻሕ ክገብር ዝሓስብ ዘሎ ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ፤ ነቲ ዝጸንሐ ዝምድና ኣራጉዱ ሓደስቲ ዕዮታት ውን ንምውጣን ከም ዝዓለመ 'ውን ሓቢሩ።

ኣብቲ ዝመጽእ ሰሙን ዝጅምር ዑደት ስራሕ:  ቻይና፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕርታት ኣብ ጎነን ከም ትኸውን ንምግላጽ፣ ቁጠባዊ ሕውየት እተን ሃገራት ንምቅልጣፍ፣ ኣብ ጽሬት ዝምርኮስ ምሕዝነት ኣፍሪቃ ቻይና ንምሕያልን ከምኡ’ዉን እታ ኣህጉር ኣብ መድረኽ ዓለም ተሕድሮ ጽልዋ ንምብራኽ ዝሕግዙ ዛዕባታት ምይይጥ ዝግበረሎም እዮም።

ቻይና ንኣፍሪቃ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዘይተሓለለ ጻዕሪ ክትገብር ከም ዝጸንሐት ዘዘኻኸረ ጸብጻብ ሺንህዋ ፤ ብንግዳዊ ንጥፈታት እውን እንተዀነ ኣፍሪቃን ቻይናን ኣብቲ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ክሳብ 207.5 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ከም ዝበጽሐን ካብ ናይ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ ዓመት 37.7 ሚእታዊት ሓለፋ ከም ዝተረኽቦ ኣፍሊጡ እዩ።

 

ፕረዝደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንሓድሽ ዓመት 2022 ኣመልኪቱ ዘሕለፎ መልእኽቲ።

ዓመተ 2021፡ ኣብ ርእሲ ዓለማዊ ብድሆ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ዞባና ብዕንደራ ጃንዳ ወያነን ኣሸቀልቱን ዝተኸስተ ተደራቢ ብድሆን ግዳማዊ ሕንከራን ክምክት ዝተገደደላ ዓመት’ያ ነይራ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ብድሆታት’ዚ፡ ከም ቀደሙ – በቲ ፍቱን ናይ መኸተ ያታኡን፡ በቲ ተጻዋርነት፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ፡ ርእሰ-ተኣማንነት ዝመለለዪኡ ክብሪታቱን ሰጊርዎ’ሎ።
China's foreign minister to vist Eritrea
Pre. Isayas Afewerki Source: MoI
ነዛ ዓመተ ድርብራብ ብድሆታት ዛዚምና፡ ናብ ሓዳስ ዓመት 2022 ኣብ እንኣትወሉ ዘሎና እዋን፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ንጅግና ሓይልታት ምክልኻሉን፡ መልእኽቲ ዮሃናን ሰናይ ምንዮትን ከመሓላልፍ ክብሪ ይስመዓኒ።

ዓመተ 2022፡ ተረፍ-መረፍ ብድሆታት፡ ኣብ መኸተ ፍትሒ ሓቒቖም፡ ኣብ ርጉእ ዞባዊ ሃዋሁ፡ ንዘላቒ ልምዓትን ገስጋስን እነንቅደሉ፡ ዝሓሸ ዕድል ከተርሕወልና ዘሎኒ ትምኒት እናገለጽኩ፡ ደጊመ – ርሑስ ሓድሽ ዓመትን በዓላት ልደትን!


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service