ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሲልቪዮ በርለስኮኒ ፡ ንፖለቲካዊ መልክዕ ኢጣልያ ቅድሚ ምቕያሩ ፡ ዝዓበየ ኩባንያ መራኸቢ ብዙሃን ኢጣልያ ዝፈጠረ ቢልዮነር ነጋዳይ ፡ ኣብ መበል 86 ዓመቱ ዓሪፉ ።
በርለስኮኒ "ንእተወሰነ እዋን" ብሉኪሚያ ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ረኽሲ ሳንቡእ ኣማዕቢሉ ነይሩ እዩ ።
ብመሰረት ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ፡ ኣብ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሳን ራፋኤል እዩ ሞይቱ ።
ንነዊኅ ዓመታት ብሕማም ልብን መንሽሮ ጽኪ ፕሮስቴትን ተሳቕዩ እዩ ፣ ድሕሪ እቲ ብ2020 ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተትሓዘ እውን ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ እዩ ።
በርለስኮኒ ዝመርሖ ፎርዛ ኢታልያ ዝበሃል ሰልፊ: ክፍሊ ናይቲ ኣብ የማናይ ክንፊ ኰይኑ ዝዓዪ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ጊዮርጊያ ሜሎኒ ጕጅለ እዩ: ንሱ ንባዕሉ ኣብ መንግስቲ ግደ እኳ እንተ ዘይነበሮ: ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ግን ሞቱ ንፖለቲካ ኢጣልያ ሚዛኑ ከዘናብሎ ይኽእል እዩ ።
ሚኒስተር ምክልኻል ኢጣልያ ጉዶ ክሮስቶ ፡ በርለስኮኒ ዓብዪ ሰብ ስለ ዝነበረ ፡ ሞት በርሎስኮኒ "ዓብዪ ሃጓፍ" ከም ዘለዎ ገለጸ ።
"ኣዝየ እየ ዘፍቅሮ ነይረ፡ ደሓን ኩን ሲልቪዮ።" ክብል ክሮስቴቶ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ።
እቲ ኣብ ሚላን ተወሊዱ ዝዓበየ ፖለቲከኛ ዝሰርሖ ስራሕ ፡ ምስ ካልእ ጾታዊ ርሕሰታትን ምስ ብልሽውና ብዚተሓሓዝ ክሲታትን እውን ዝሓለፈ እዩ ።
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ምስ ቀረጽ ብዚተሓሓዝ ገበነኛ ተባሒሉ ተፈርደ ፣ ንኽልተ ዓመት ድማ ስልጣኑ ኸይሕዝ ተኸልከለ ። በርለስኮኒ እውን ካልእ ክስታት ቀሪቡሉ ነይሩ እዩ ፣ ኣብ ፈለማ ፡ ንጓል 17 ዓመት ሞሮካዊት ካሪማ ኢል ማህረርግ ከም ዝኸፈለ ብወግዒ ተፈርደ ፣ ብዘይካዚ ፡ ካብ ለካቲት ክሳዕ ግንቦት 2010 ፡ ንትሕቲ 18 ዓመት ከላ ጾታዊ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽትፍጽም ፡ ነታ ብናይ መድረኽ ስማ "ሩቢ ዘ ልቢ ስቲነር" ንጾታዊ ኣገልግሎታ ከምዝኸፈላ ተኸሲሱ እዩ ።
ኣብ መወዳእታኡ ይግባይ ብምባል ነጻ ተባሂሉ ነይሩ ፣ እቲ ክሲ ግና ንዓመታት ኣብ ልዕሊኡ ተንጠልጢሉ ጸኒሑ እዩ ።
ጾታዊ ህይወቱ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ይቃላሕ ነይሩ እዩ ።
በርለስኮኒ ሓደ ካብቲ ኣብ ኢጣልያ ሳሕቲ ዝኽሰት ፖለቲካዊ መልክዕ ዘለዎ ገጸ-ባህርያት እዩ ነይሩ: እቲ ዘርእዮ ዝነበረ ሕብራዊ ዋዛታት እዚ ጥራይ ንበይኑ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣውሮጳዊ ኅብረት ፖለቲካዊ ስራሕ ክሰርሕ ኣይምኸኣለን ነይሩ ።
ባራክ ኦባማ ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊ-ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኰይኑ ምስ ተመርጸ ፡ በርለስኮኒ "ነዊሕን ምልኩዕን ጸሓይ ዘሕረሮን" ብምባል ፡ እንቋዕ ሓጐሰካ ኢሉዎ ነይሩ ።
እንተዀነ ግን: እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዋዛዊ ዝምባሌኡን ተደጋጋሚ ናይ ፕላስቲክ መጥባሕትን: ነቲ ልዑል ፖለቲካዊ ኣእምሮን ነቲ ተራ ኢጣልያውያን ዘለዎም ፍርሕን ሻቕሎትን ናይ ምጽዋር ተኽእሎኡ ናይ ዘይባህርያዊ ክእለቱን እዩ ዚሓብኦ ነይሩ ።
በርለስኮኒ ንባዕሉ ፡ ብዙሕ ግዜ ከም እተጠልመ እኳ እንተ ተሰምዖ ፡ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ስራሑ ግና ኣይጠዓሰን ።
ብ2016 ድማ ኣብ ቺ እትበሃል መጽሔት ፡ "ኣብ ናይ ወጻእን ናይ ውሽጢ ሃገርን ፖለቲካ ፡ ሓንቲ ጌጋ እኳ ከም ዘይፈጸምኩ ፡ እፈልጥ እየ" በለ ። ብዛዕባ እዚ ክሓስብ ከለኹ ግና ፡ ኣብ ፖለቲካ ስም ሓደ ዓርከይ ክዝክር ኣይክእልን እየ "በለ።