ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ዝነበረ ሲልቪዮ በርሉስቾኒ ኣብ መበል 86 ዓመቱ ዓሪፉ።

በርለስኮኒ "ንእተወሰነ እዋን" ብሉኪሚያ ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ረኽሲ ሳንቡእ ኣማዕቢሉ ነይሩ እዩ ።

Silvio Berlusconi has died at the age of 86

Credit: Beyene Weldegiorgis

ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሲልቪዮ በርለስኮኒ ፡ ንፖለቲካዊ መልክዕ ኢጣልያ ቅድሚ ምቕያሩ ፡ ዝዓበየ ኩባንያ መራኸቢ ብዙሃን ኢጣልያ ዝፈጠረ ቢልዮነር ነጋዳይ ፡ ኣብ መበል 86 ዓመቱ ዓሪፉ ።
በርለስኮኒ "ንእተወሰነ እዋን" ብሉኪሚያ ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ረኽሲ ሳንቡእ ኣማዕቢሉ ነይሩ እዩ ።
ብመሰረት ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ፡ ኣብ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሳን ራፋኤል እዩ ሞይቱ ።
ንነዊኅ ዓመታት ብሕማም ልብን መንሽሮ ጽኪ ፕሮስቴትን ተሳቕዩ እዩ ፣ ድሕሪ እቲ ብ2020 ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተትሓዘ እውን ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ እዩ ።
በርለስኮኒ ዝመርሖ ፎርዛ ኢታልያ ዝበሃል ሰልፊ: ክፍሊ ናይቲ ኣብ የማናይ ክንፊ ኰይኑ ዝዓዪ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ጊዮርጊያ ሜሎኒ ጕጅለ እዩ: ንሱ ንባዕሉ ኣብ መንግስቲ ግደ እኳ እንተ ዘይነበሮ: ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ግን ሞቱ ንፖለቲካ ኢጣልያ ሚዛኑ ከዘናብሎ ይኽእል እዩ ።
ሚኒስተር ምክልኻል ኢጣልያ ጉዶ ክሮስቶ ፡ በርለስኮኒ ዓብዪ ሰብ ስለ ዝነበረ ፡ ሞት በርሎስኮኒ "ዓብዪ ሃጓፍ" ከም ዘለዎ ገለጸ ።
"ኣዝየ እየ ዘፍቅሮ ነይረ፡ ደሓን ኩን ሲልቪዮ።" ክብል ክሮስቴቶ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ።
እቲ ኣብ ሚላን ተወሊዱ ዝዓበየ ፖለቲከኛ ዝሰርሖ ስራሕ ፡ ምስ ካልእ ጾታዊ ርሕሰታትን ምስ ብልሽውና ብዚተሓሓዝ ክሲታትን እውን ዝሓለፈ እዩ ።
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ምስ ቀረጽ ብዚተሓሓዝ ገበነኛ ተባሒሉ ተፈርደ ፣ ንኽልተ ዓመት ድማ ስልጣኑ ኸይሕዝ ተኸልከለ ። በርለስኮኒ እውን ካልእ ክስታት ቀሪቡሉ ነይሩ እዩ ፣ ኣብ ፈለማ ፡ ንጓል 17 ዓመት ሞሮካዊት ካሪማ ኢል ማህረርግ ከም ዝኸፈለ ብወግዒ ተፈርደ ፣ ብዘይካዚ ፡ ካብ ለካቲት ክሳዕ ግንቦት 2010 ፡ ንትሕቲ 18 ዓመት ከላ ጾታዊ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽትፍጽም ፡ ነታ ብናይ መድረኽ ስማ "ሩቢ ዘ ልቢ ስቲነር" ንጾታዊ ኣገልግሎታ ከምዝኸፈላ ተኸሲሱ እዩ ።
ኣብ መወዳእታኡ ይግባይ ብምባል ነጻ ተባሂሉ ነይሩ ፣ እቲ ክሲ ግና ንዓመታት ኣብ ልዕሊኡ ተንጠልጢሉ ጸኒሑ እዩ ።
ጾታዊ ህይወቱ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ይቃላሕ ነይሩ እዩ ።
በርለስኮኒ ሓደ ካብቲ ኣብ ኢጣልያ ሳሕቲ ዝኽሰት ፖለቲካዊ መልክዕ ዘለዎ ገጸ-ባህርያት እዩ ነይሩ: እቲ ዘርእዮ ዝነበረ ሕብራዊ ዋዛታት እዚ ጥራይ ንበይኑ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣውሮጳዊ ኅብረት ፖለቲካዊ ስራሕ ክሰርሕ ኣይምኸኣለን ነይሩ ።
ባራክ ኦባማ ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊ-ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኰይኑ ምስ ተመርጸ ፡ በርለስኮኒ "ነዊሕን ምልኩዕን ጸሓይ ዘሕረሮን" ብምባል ፡ እንቋዕ ሓጐሰካ ኢሉዎ ነይሩ ።
እንተዀነ ግን: እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዋዛዊ ዝምባሌኡን ተደጋጋሚ ናይ ፕላስቲክ መጥባሕትን: ነቲ ልዑል ፖለቲካዊ ኣእምሮን ነቲ ተራ ኢጣልያውያን ዘለዎም ፍርሕን ሻቕሎትን ናይ ምጽዋር ተኽእሎኡ ናይ ዘይባህርያዊ ክእለቱን እዩ ዚሓብኦ ነይሩ ።
በርለስኮኒ ንባዕሉ ፡ ብዙሕ ግዜ ከም እተጠልመ እኳ እንተ ተሰምዖ ፡ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ስራሑ ግና ኣይጠዓሰን ።

ብ2016 ድማ ኣብ ቺ እትበሃል መጽሔት ፡ "ኣብ ናይ ወጻእን ናይ ውሽጢ ሃገርን ፖለቲካ ፡ ሓንቲ ጌጋ እኳ ከም ዘይፈጸምኩ ፡ እፈልጥ እየ" በለ ። ብዛዕባ እዚ ክሓስብ ከለኹ ግና ፡ ኣብ ፖለቲካ ስም ሓደ ዓርከይ ክዝክር ኣይክእልን እየ "በለ።

Share

Published

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service