ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኲናት ትግራይ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ ምስ መራሒ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ተፈሊጡ።
ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ከምዝሓበሮ፡ እቲ ኣብ መንጎ'ቲ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ዶክተር ደብረጽዮንን ዝነበረ ዘተ ብዛዕባ "ዞባዊ ጉዳያት" ክብል ገሊጽዎ።
ናይ ቀደም ፕረሲደንት ኦባሳንጆ ብተደጋጋሚ ናብ ትግራይ ብምኻድ ነቲ ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ምስ መራሕቲ ትግራይን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክዘራረብ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብ ካልእ ናይ ትዊተር መልእኽቱ ኣቶ ጌታቸው፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ገሊጹ ኔሩ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንሰራሕተኛታት ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ምንጪ ጌሩ ከምዝጸብጸቦ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ብውሑዱ 23 ደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ዘካየደን ሰላማውያን ሰባት ከምተጎድኡን ጸብጺቡ ኣሎ። በቲ ደብዳብ ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ቈልዓ ክትቅተል እንከላ፡ 18 ሰባት ቆሲሎም፡ 12 ገዛውቲ ድማ መጕዳእቲ ከምዝወረዶም ሮይተርስ ጸብጺቡ።