SKIP TO MAIN CONTENT

ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ ምስ መራሒ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ተፈሊጡ።

News
Source: Getachew K Reda /Tweet

1 min read

Published


Skip to article content

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኲናት ትግራይ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ ምስ መራሒ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ተፈሊጡ።

ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ከምዝሓበሮ፡ እቲ ኣብ መንጎ'ቲ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ዶክተር ደብረጽዮንን ዝነበረ ዘተ ብዛዕባ "ዞባዊ ጉዳያት" ክብል ገሊጽዎ።

ናይ ቀደም ፕረሲደንት ኦባሳንጆ ብተደጋጋሚ ናብ ትግራይ ብምኻድ ነቲ ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ምስ መራሕቲ ትግራይን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክዘራረብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ካልእ ናይ ትዊተር መልእኽቱ ኣቶ ጌታቸው፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ገሊጹ ኔሩ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንሰራሕተኛታት ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ምንጪ ጌሩ ከምዝጸብጸቦ ድማ፡  ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ብውሑዱ 23  ደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ዘካየደን ሰላማውያን ሰባት ከምተጎድኡን ጸብጺቡ ኣሎ።  በቲ ደብዳብ ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ቈልዓ ክትቅተል እንከላ፡ 18 ሰባት ቆሲሎም፡ 12 ገዛውቲ ድማ መጕዳእቲ ከምዝወረዶም ሮይተርስ ጸብጺቡ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now