እቲ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ማእከላይ ሆስፒታል ፡ ኢንተርፋክስ ፡ ታስን ሪያ ኖቮስን ዝብሃላ ማዕከናት ዜና ፡ "ሚኻኤል ሰርጌቪች ጎርባቾቭ ፡ ድሕሪ ከቢድን ነዊሕን ሕማም ፡ ሎሚ ምሸት ሞይቱ" ኢለን።
እቲ ካብ 1985 ክሳብ 1991 ኣብ ስልጣን ዝነበረ ፡ ንርክባት ኣመሪካን ሶቭየትን ድማ ካብ ዓዘቕቲ ናጻ ክገብሮ ዝሓገዞን ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ብህይወት ዝጸንሐ ናይ ዝሑል ኲናት መራሒ እዩ ነይሩ ።
ሚስተር ጎርባቾቭ ፡ ኅብረት ሶቭየት ከም እትጠፍእ ብምግባር ፡ ምብራቓዊ ኤውሮጳ ካብ ግዝኣት ሶቭየት ናጻ ከም ዝኸውን ብምግባር ፡ ነቲ ዘመናዊ ታሪኽ ቀይርዎ እዩ ፣ እዚ ካብ ሃገራት ምዕራብ ኣድናቖት ከውህቦ'ከሎ፡ ግናኸ ንብዙሓት ሩስያውያን ከም ዚጽላእ ገይርዎ እዩ ።
"ግላስኖስት" (ግልጽነት) ን "ፐረስትሮይካ" (ምኽላስ)ን ዝብል ፖሊሲ ብምትእትታው፡ ከይተፈለጦ ሶቭየት ኅብረት ከፍርሶ'ኸሎ ፡ ካብ ስልጣኑ እውን ከምዝዕሎ ጌሩ ።
ዝሑል ኲናት ፈጺሙ ከም ዘየቋርጽ ብዙሓ ኣብዝፈርሕሉ እዋን ብዝወሰዶ ተባዕ ስጉምቲ ኣብ ምዕራብ ንናጽነትን ንለውጥን ዝድግፍ ተባሂሉ ከም ኣንበሳ ክቑጸርከሎ፡፡ ሚስተር ጎርባቾቭ ንብዙሓት ሩስያውያን ፡ እታ ሓያል ግዝኣት ሶቭየት ክትጠፍእ ዝገበረ ብሓላፍነት ከም ዝሕተተሉ እዩ ዝቑጸር ።
ኣብ ምዕራብ ብኣዝዩ ፍቕሪ እዩ ዝዝከር ፣ ኣብ 1980ታት ኑክልየሳዊ ውጥረት ኣመሪካን ንዩክለሳዊ ውጥረት ሶቭየትን ካብ ድሕሪ መጋረጃ ሓጺን ኣውጽኦ፡ ጎርቢ ብዚብል ሳጓ እዩ ዝፍለጥ ነይሩ ፣ ።
ብ1990 ምስ መራሒ ኣመሪካ ሮናልድ ሬገን ታሪኻዊ ስምምዕ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ብምግባሩን መንደቕ በርሊን ምስ ወደቐ ንሰራዊት ሶቭየት ንምሕላው ዝገበሮ ውሳነን ፡ ዝሑል ኲናት ንምዕቃብ ዝሕግዝ ኣገዳሲ ረቛሒ ከም ዝዀነ ስለ እተራእየ ፡ ናይ ሰላም ሽልማት ኖበል ረኸበ ።
ግሉጽነትን ሰፊሕ ህዝባዊ ምይይጥን ብምግባር ሃጸያዊ ግዝኣት ሶቭየት ከም እትፈርስ ገበረ ።
ሚስተር ጎርባቾቭ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፡ ምስ ምዕራባውያን መራሕቲ ከም ቻንስለር ጀርመን ሄልሙት ኮህልን ፕረዚደንት ኣመሪካ ሮናልድ ሬገንን ብዝነበሮ ጥቡቕ ርክብ ፡ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዝነበሮ ርክብ ካብ ብግጭት ብሰላም ክኸውን መረጸ ።
ናይ ብሪጣንያ ቀ/ሚ ማርጋሬት ታቸር ፡ "ሚስተር ጎርባቾቭ እፈትዎ እየ ። ብሓባር ክንሰርሕ ንኽእል ኢና "ኢላ ኔራ ።
እንተዀነ ግን: ኣብ ግዜ ስልጣኑ ዝያዳ ቀይዲታት ክፎክስ ብዝገበረ መጠን: በቲ ቦሪስ የልሲን ዝበሃል ሓያል ስልጣን ዝነበሮ በዓል ስልጣን ኮምዩኒስት ብዝያዳ ካብ ስልጣኑ እናተደፍአ ከደ ።
ኅብረት ሶቭየት ኣብ ዝፈረሰትሉ እዋን ፡ ሚስተር ጎርባቾቭ ስልጣኑ ዋጋ ዘይብሉ ኰይኑ ነበረ ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናደኸመ ዝኸይድ ዝነበረ ሚስተር ጎርባቸቭ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዕቱብ ርክባት ኣካይዱ - ነቲ ናይ ቀደም ኣባል ከይ.ጂ.ቢ. ዝነበረ ኣብ ሓድሽ ቆመና ምስ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝገብሮን ክድግፎ ጸኒሑ ፡ እንተኾዲሞክራሲ ሩስያ ይዳኸም ምህላዉ ይነቕፎ ነበረ።
ንመብዛሕትኡ ናይ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ካብ ፖለቲካዊ ርሒቑ እዩ ኣሕሊፍዎ ፡ ኣብ 2014 ሩስያ ንክሪምያ ካብ ትቈጻጸራ ኣትሒዛ ናብ ር ፡ ዝምድናታት ክረምሊንን ዋይት ሃውስን ክድልድል ጻዊዒት ኣቕረበ ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ድማ ኣብ ዩክረይን መጥቃዕቲ ምስተፈነወ ፈነወ ናብ ዝሑል ኲናት ከይኣትዉ ፍርሑ ገሊጹ።
ሚስተርባቸቭ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዓመታት ህይወቱ ኣብ ሆስፒታል ክኣቱን ክወጽእን ኣሕሊፍዎ። ኣብ እዋን ለበዳ ሕማም ድማ ነብሰ-ውሸባ ከም ሓደ ጥንቃቐ ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ብምግባር ኣሕሊፍዎ ።
ብ2 መጋቢት 1931 ፡ ኣብ ደቡባዊ ስታቨንቶር ሩስያ ካብ እትርከብ ንእሽቶ ስድራ ቤት እዩ ተወሊዱ ፣ ጎርባቾቭ ምስቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘጋጠመ ጸገማትን ሕሱም መግዛእቲ ውልቀ መላኺ ጆሴፍ ስታሊንን እዩ ዓብዩ ፣ ስርዓት እታ ሃገር ከኣ ንኣቦሓጎኡ ኣብ ግዱድ ናይ ሸቕሊ ደምበ ንትሽዓተ ዓመት ፈሪድዎ እዩ ።
ናይ ለውጢ ንፋስ
ቈልዓ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፡ ብሩህን ህርኩትን እዩ ነይሩ ። ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰነ ፡ ቀይሕ ባነር ዝብሃል ሸቃላይ ኣብ ቀውዒ ስለ ዝሓገዘ ተሸለመ ፣ ብ1950 ከኣ ሕጊ ከጽንዕ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሞስኮ ክመሃር ዕድል ረኸበ ።
ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ፡ እቲ ናይ ምምሃር ህርፋን ዝነበሮ ምስ ንእሽቶ ሰበይቱን ናብ ስታቭፖል ተመልሱ ፣ ብ1979 ከኣ ፡ እቲ ዝነኣሰ ማለት ወዲ 49 ዓመት ፡ ኣባል ቤት ጽሕፈት ፖለቲካ ኮምዩኒስት ፓርቲ ኰነ ።
ብ1985 ዋና ጸሓፊ ኮሚኒስታዊ ሰልፊ ኰይኑ ኣብ እተመርጸሉ እዋን ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ግዝኣትን ካልኣይ ልዕለ ሓያል ሃገርን ስልጣን ተቘጻጸረ ።
ጎርባቾቭ ኣብ 54 ብሓድሽ ሓሳባትን ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ክሬምሊን ዝነበረ ስነ-ሓሳብ ኣዝዩ እተፈልየ ከተኣታቱ ጀመረ።
ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ምርጫታቱ ብዓለም ደረጃ ኣሰንቢዱ ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ሶቭየትን ዝነበረ ኑክልየሳዊ ኣቕዋም ፡ ተኸታታሊ ዝዀነ ስምምዓት ብምፍራስ ፡ ሰራዊት ሶቭየት ካብ ኣፍጋኒስታን ብምስሓብ ፡ ነቲ ብ መሪሕነት ሞስኮ ዝነበረ ናይ ምብራቕ ኤውሮጳ ምሕደራ ኣፍኮሶ ።
ኣብ ሃገሩ ፡ እቲ ናይ ፐርስትሮይካን ግላስኖስት ፖሊሲታቱን ፡ ለውጢ ከምጽእ ጀመረ ።
ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈትሑ ፣ ካባታቶም ከኣ ተመራማሪ ስነ ፍልጠትን ኣንድርያ ሳካሮቭን ይርከቦም ።
ናይ መወዳእታ ዓመታት ህይወቱ
ጎርባቸቭ ብ1985 ነቲ ሕዱር ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ ንምንካይ ዝገበሮ ፈተነ ፡ ዕንወት ኣምጺእሉ እዩ ፣ ባጀት መንግስቲ ብምስላዕ ፡ መራሒ ሶቭየት ነበር ኣልኮላዊ መስተ ዝፈትዉ ደቂ ሃገር ነባሪ ጽልኢ ከም ዘሕድር ገይርዎ እዩ ።
እቲ ኣብታ ሃገር ዝጀመረ ናጽነት ፡እታ ሕብረ ብዙሕ ዓሌት ሶቭየት ሃጸያዊ ግዝኣት ቀልጢፉ ከም ዝፈርስ ገበሮ ።
ብ1989 ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ነቲ ናይ ኮምዩኒስት ስርዓተ መንግስትታት ኣፍረሳኦ፡ መንደቕ በርሊን ድማ ፈረሰ ።
ብ1990 ጎርባቾቭ ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ፕረዚደንት ኅብረት ሶቭየት ኰይኑ እኳ እንተ መርሐ ፡ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ግና በቶም ተረርቲ ኮምዩኒስታዊያን ምስ ዕልዋ ክቃለስ ነበሮ ።
ኣብ ነሓሰ 1991 ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ እኳ እንተፈሸለ ፡ ጎርባቾቭ ኣብ ክሪምያን ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ቦታ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማሕዩር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፡ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝመርሖ ቦሪስ የልሲን ሃገራዊ ጅግና ኰይኑ ወጸ።
ድሕርዚ ነዊሕ ኸይጸንሐ: ኅብረት ሶቭየት ፈረሰት: ስልጣን ጐርባቾቭ ድማ ተሳዕረ ።
ካብ ስልጣን ዝወረደሉ መበል 25 ዓመት ንምዝካር ኣብ ሮሲስካያ ጋዜታ ኣብ ዝተባህለት ናይ መንግስቲ ጋዜጣ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ሚስተር ጎርባቾቭ ኣብ ውድቀት ኅብረት ሶቭየት ዝነበሮ ሓላፍነት ተቐቢሉ እዩ ።
"ሕልናይ ግና ንጹኅ እዩ" ኢሉ ጸሓፈ ። "ብፖለቲካዊ መዳይ ክሳዕ መወዳእታ ነቲ ኅብረት ተጣቢቐ እየ ።"
ኣብ ሃገሩ ፖለቲካዊ ነውጺ ዘጋጠሞ ጎርቫቾቭ፡ ብ1990 ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ኮነ ።