SKIP TO MAIN CONTENT

ኣቶ በረኸት ስምዖን ብ6 ዓመታት ማእሰርቲን 10 ሽሕ ቅርሽን አቶ ታደሰ ካሳ 8 ዓመታት ማእሰርቲን 15 ሽሕ ቅርሽን ክቕጽዑ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

ኣብ'ቲ ሎሚ ረፋድ ዝተሰምዐ ውሳኔ መቕጻዕቲ ናብ ቤትፍርዲ ፌደራል ይግበኣና ናይ ምባል መሰሎም ክፉት ከም ዝኾነ ተገሊጹ።

SBS Tigrinya News
Source: Ethiopian Gove

1 min read

Published


Skip to article content

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ ብዓቃቢ ሕጊ እቲ ክልል ተኸሲሶም ዝጸንሑ ኣቶ በረኸት ስምዖንን አቶ ታደሰ ካሳን ሎሚ ኣብ ዝተውሃበ ናይቲ ክልል ናይ መወዳእታ ውሳኔ ኣቶ በረኸት ስምዖን  ብ6 ዓመታት ማእሰርቲን 10 ሽሕ ቅርሽን አቶ ታደሰ ካሳ 8 ዓመታት ማእሰርቲን 15 ሽሕ ቅርሽን ክቕጽዑ ወሲኑ።

አቶ በረኸት ስምዖን ብረቡዕ ኣብ ዝነበረ መጋባእያ እቲ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ከም ዝኾኑ ተነጊርዎም መቃለሲ ሓሳብ ክህሉ ተሓቲቶም : አቶ በረኸት ስምዖን መቃለሊ ሓሳብ ከቕርብ ተሓቲቱ : ውሳነ ቤት ፍርዲ ክሰምዕ እምበር ገበነኛ ኣብ ዘይኮንኩሉ ጉዳይ መቃለሊ ሓሳብ ከቕርብ ኣይደልን’የ ኢሎም ነይሮም።

ኣብ'ቲ ሎሚ ረፋድ ዝተሰምዐ ውሳኔ መቕጻዕቲ ናብ ቤትፍርዲ ፌደራል ይግበኣና ናይ ምባል መሰሎም ክፉት ከም ዝኾነ ተገሊጹ።

 

 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now