ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ፡ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ገበን ብዘይሻራዊ ኣካል ክምርመር ሓቲቱ፡ 4 ኣብ ጥሮታ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ኣመሪካ ቅሉዕ ደብዳበ ንቀ/ሚ ኢትዮጵያ።

"ናይ ኤርትራ 'ጎበለላት' ኣብዚ ዞባ ብዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ንሕመስ ኣለና " መዝነቱ ዝወደአ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ራይነር።

Homeland Report

Source: US Embassy in Ethiopia

ኣምባሳደር ማይክል ራይነር ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ገበን ብዘይሻራዊ ኣካል ክምርመር ሓቲቱ ኣሎ።

ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ኩናት ትግራይ ይሳተፉ ከም ዘለዉ ዝኣመነ ካልእ በዓል መዚ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝኸውን ዘሎ ኣምባሳደር ራይነር : ጎበለላት ወይ 'ኣክተራት' ኤርትራ ዝበሎም ኣካላት ኣብዚ ዞባ ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ቀጻላይ ብድሆ ኮይኑ ይቕጽል ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ማይክል ራይነር ኣብ መብርሂኡ "(እቲ ኩናት) ብህጹጽ ጠጠው ክብል፣ ኩሎም እቶም ጥሉል ፀብጻብ ዝተረኽቦም ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ዘስካሕክሑ ግፍዕታት፣ ፃታዊ መጥቃዕቲ፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ምስቲ ኣብ መተከልን ካልእ ከባቢ ኢትዮጵያን ብዘይሻራዊ ኣካል ክምርመሩ ንጽውዕ" ኢሉ።

ኣብ መግለጺኡ: ህይወት ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ፣ ሰራሕተኛታት ረዲኤትን ስደተኛታት ውሑስ ክኸውን ክስራሕ፣ ንሰለስተ ወርሒ  መእተዊ ስኢኑ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ መገዲ ክኽፈተሉ፣ ዓለምለኻዊ ሕጊ ክኽበርን እውን ተላቢዩ።

እቲ ኣምባሳደር እዚ መብርሂ ዝህብ ዘሎ፣ ኩናት ኣብ ትግራይ ካብ ዝውላዕ ሰለስተ ኣዋርሕ ክመልእ ኣብ ዝቐረበሉን መዝነቱ ወዲኡ ናብ ሃገሩ ክምለስ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉኸሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ቀደም ኣምባሳደራት ኣመሪካ ዝነበሩ ኣብ ትግራይ ኲናት ደው ክብል ዝሓትት ደብዳበ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ጽሒፎም።

እቶም ኣርባዕተ ናይ ቀደም ኣምባሳደራት ኣመሪካ ማለት  ዴቪድ ሺን (1996-1999)፡ ኣውሬላ ብራዜል (2002-2005)፡ ቪኪ ሃደልሶን (2005-2006)  ከምኡውን ፓትሪሺያ ሃስላች (2013-2016 ) ኮይኖም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ዓመታት ኣምባሳደራት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዘገልገሉ እዮም።

ንሳቶም ኣብ ዝጸሓፍዎ ክፉት ደብዳበ፡ “ ኣብዚ እዋን ብዛዕባ ምርግጋእን መጻኢ ኢትዮጵያን ኣሻቒሉና ኣሎ፡ በዚ ድማ ተሰሚዑና ደብዳበ ክንጽሕፍ ተገዲድና ኣለና።” ኢሎም።

“ኣብ ትግራይ   ዝግበር ዘሎ ኲናት ኣስታት 60,000 ናብ ስደት , 2.2 ሚልዮን ተመዛቢሎም፡ 4.5 ሚልዮን ህጹጽ ረዲኤት ምድላዮምን ዝበዝሑ መግቢ ዘይብሎም ኮይኖም ኣለዉ። ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምእታዎም ምስማዕና ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ግዝ ኣታዊ ሓድነት ዝፈታተን ምዃኑ የሰክፈና።” ድሕሪ ምባል ብሓፈሻ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዓሌታዊ ወጥሪ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናይ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምጽውዋር ዝጻረር እዩ ክብሉ ገሊጾም።

መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሰላማዊያን ሰባት ድሕነቶም ክሕሎ፡ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ሰብ ኣዊ ግህሰት ብነጻ ኣካል ክምርመር፡ ሰብ ኣዊ ረዲኤት ብዘይ ዕንቅፋት ናብ ዘድልዮም ክበጽሕ ተማሕጺኖም። ኣብ መወዳእታ “ኢትዮጳያ ንኹሎም ኣካላት ዘሳትፍ ሃገራዊ ዘተ የድልያ ኣሎ ኢሎም።”


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service